Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ፡ ቶግ 'ዶ ከብላ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Monday, 10 December 2018

 
 
 

ብማሕሙድ ሳልሕ

(ብዛዕባ ዶብ ካብ ተላዕለ- መቐጸልታ)

ኣብ መወዳእታ ፈተና ኣለኩም፡ ተዳለዉ- There will be a mini test at the end of this post; don’t cheat me; explain your choice.

ክሳብ ሕጂ ካብዚ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ሰላም ውዕላት እንታይ ተረኺቡ (ብጭብጢ ንምዝራብ)

1. ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስ ብይን ዶባትን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ከም እተተግብሮ ገሊጻ። እዚ ጸዓዱ ከም breakthrough ኢሎም እዮም ዝገልጽዎ። እንታይ ማለት እዩ፡ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ናይ ህንድን ፓኪስታንን ተንጠልጢሉ (ተረሲዑ) ንወለዶታት ክኸይድ እዩ ዝብሉ ተንተንቲ ነይሮም እዮም። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ስምምዕ ነዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ስለዝሰበረ፡ እዚ ነጥቢ እዚ ጥራይ ንበይኑ ነቲ ስምምዕ ዓቢ ይገብሮ፡ ዓወት ክልቲኦም ህዝብታት ከኣ እዩ።

3. ኣብ መንጎ ኤርትራን ሶማሊያን፡ ኤርትራን ጅቡትን ዝነበረ ዘይምስምማዕ ኣብ ምፍትሑ እዩ። እዚ ነጥቢ'ዚ፡ እቲ ዞባ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ናይ ውሽጢ ከደምቶምን (ናተይ ቃል እያ፡ ቀዲሕካያ ከይትብሉኒ) ኣብ ጉዳያት እቲ ዞባ ኣትዮም ከይምዝምዙን ንቀለልቲ ጉዳያት ከይሓላልኹን ንቓዓት ዝደብእ ይኸውን።

4. በዚ መሰረት ድማ፣ ብ9 ነሓሰ 2018፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ኩነተ-ኲናት ብወግዒ ኣኽቲሙ። ኣነ ነዚ ነጥቢ እዚ ዝለዓለ ግምት እየ ዝህቦ። እዚ ስጉምቲ እዚ፡ ነቲ ናይ ዶባት ምሕንጻጽ መስርሕ ኣብ መጎት ሰላምን ሕግን ተመርዂሱ ክዛዘም ዕድል ዝህብ እዩ። ዘላቕን ዘተኣማምንን ንምግባሩ ምጽዓር። ነቶም ነዚ መስርሕ ክቕልብሱ ዘዕለብጡ ናይ ውሽጥን ደገን ሓይልታት “ሑሕ” ምባል። ዘይውዕልዎ ኲናት ንዘንበድብዱ ወገናት ምብዳህ። ብዝተኻእለ መጠን ኲናት ከም ዝውገድ ምጽዓር። ኣህዛብ እዚ ዞባ፡ ኣክንዲ ኣብ ድሑር ማሕበረ-ቑጠባን ስነ-ኣእምሮን ዝሕጸር ምስ ናይ መበል 21 ክ/ዘመን ዘሳኒ ናይ ምትሕግጋዝን ምምልላእን ኣተሓሳስባ ከማዕብሉ ኣለዎም። ሃገራትን ህዝብታትን እዚ ዞባ ብሰላም ክነግዱን ክንቀሳቐሱን ዘኽእል ሃዋሁ ክፍጠር ኣለዎ። ዞባዊ ርግኣት እንተስዒቡ ናብ ቁጠባዊ ሕውየትን ምምልላእን ክምዕብል ይኽእል። እዚ ድማ ኲናትን ወረ ኲናትን ከውሕድ ይኽእል። መንእሰያትና ኣብ ክንዲ ኣብ ውግኣት ዝበርሱ ኣብ ትምህርትን ምህዞን ንግድን ክጓየዩ ይኽእሉ። በዚ ኸኣ፡ ምጣነ ሃብቲ ኣህዛብ ይጉልብት፡ ኣህዛብ ካብ ዘፈላልዮም ዘራኽቦም ከም ዝበዝሕ ይፈልጡ። እዚ መንፈስ’ዚ ይበጋገስ ኣሎ ግን ብዙሕ ስራሕ ከም ዘድልዮ ብሩህ እዩ።

5. ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተስገዲዱ ዝነበረ ዘይፍትሓዊ እገዳ ተላዒሉ። እዚ ንንግዳውን ንናይ ወፍሪ ምንቅስቃሳትን ዓቢ ተራ ክህልዎ እዩ። እዚኦም እቶም ዓበይቲ ዓወታት እዮም።

ስለምንታ ሕጂን ኣብ ሓጺር መቓን ናይ ግዜን ክንድ'ዚ ዓበይቲ ዓወታት?

እቲ ሓቂ፥

እዚ ክሉ ምዕባለታት ኣብ ሓጺር ግዜ ክግበር ዝተኻእለ ወያነ ካብ ስልጣን ምስ ተባረረ እዩ። ስለምንታይ እዩ እዚ ዞባ ኣብ ሓጺር ግዜ ፍሕሹው ገጽ ለቢሱ ኢሉ ዝሓትትት እቲ ለባም ጥራይ እዩ። ስለምንታይ እዩ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳን ከበባን ኣብ ሓጺር ግዜ በኒኑ? ስለምንታይ እዩ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣመሪካን፡ ኤርትራን ኤውሮጳዊ ማሕበረ-ኮምን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኤርትራን ጅቡትን፡ ኤርትራን ሶማልያን ዝነበረ ቕርሑንን ዕጹውን ዝምድናታት ኣብ ሓጺር ግዜ ንፋስ ሰላም ክወቕዖ ዝበቕዐ? ስለምንታይ እዮም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ክልተ መናድቖም ዝፈረሱ እሞ ማያቶም ብናህሪ ዝተሓዋወሱ ግድባት በቲ ዝረኣናዮ መልክዑ ተሓዋዊሶምን ተሓናኒቖምን ተሰዓዒሞምን? መን እዩ ነዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ነዚ ከሊእዎም ዝነበረ?

ሓቂ ክንዛረብ እንተኾይኑ፡ ኣብ መርገጺ ኤርትራ ዝተራእየ ለውጢ የለን። ብቐደሙ ንሰላም ዝጽውዕን ከምኡ እውን ውዕል ኣልጀርስን ብይን ዶባትን ክትግበር ነኺሱ ክኸይድ ጸኒሑ። እቲ ንዞባዊ ምግሕግጋዝ ዝደፍእ ፖሊሲ እውን ካብ ቀደም መርገጺ ኤርትራ እዩ ዝነበረ። እቲ ንብይን ዶባት ምስምስ እንዳገበረ ከይተቐበሎ ዝጸንሐን ኤርትራ እንዳ ኣሰይጠነን ጸለሎ እንዳቐብአን ብሕሳብና ዝሰብሐ ወገን እንተልዩ እቲ ጸቢብ ጉጅለ መራሕቲ ወያነን ጭፍርኡን ጥራይ እዩ (ኣማስያኡ ኣይጠቐሞን እምበር)።

እቲ ካንሰር ናይ’ዚ ዞባ እዚ ኮይኑ ዝጸንሐ ጭፍራ ወያነ ምዃኑ ግሁድ ኮይኑ ኣሎ። ካንሰር ንምልጋስ ድማ ተኻታታልን ዘየዳግምን ፍወሳ የድልዮ። ግን ጸርዩ ክውገድ ኣለዎ። እቲ ካንሰር ኮይኑ ዘሎ ጭፍራ ንብምልኡ ውድብ ወያነ ወይ ብሓፈሽኡ ንህዝቢ ትግራይ ዝውክል ዘይኮነስ ነቲ ኣተሓሳስባ ናይ’ቶም ክሳብ ሕጂ ንወያነ ክመርሑ ዝጸንሑ ውሑዳት ጎይቶታት ጥፍኣትን ስርቕን እዮም።

ህዝቢ ትግራይን ኤርትራ ይኹን ብሓፈሽኡ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዘመናት ተኸባቢሮም ዝጸንሑ ህዝብታት እዮም። ካብ ዘረሓሕቖም ዘቃርቦም ይበዝሕ። ኣብ በበይኑ እዋን ዝተቐልቐሉ ዘይምቅዳዋትን ባእስን ድማ ብስርዓታት ኢትዮጵያ ዝተበገሱ እምበር ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘበገሶም ኣይነበሩን። ስለ’ዚ፡ ኩሎም ደለይቲ ሰላም ነዚ ኩነታት ነባሪ ንምግባሩ ክቃለሱ ኣለዎም። ኤርትራውያን ደለይቲ ሰላም ምስ ደለይቲ ሰላም ዝኾኑ ኣሕዋትና ትግራዎት ክንዘራረብን ክንቀራረብን ናይ ግድን ኣድላዪ እዩ። ኤርትራውያን ፍትሒ ጥራይ እዮም ዝደልዩ። እታ ዶብ ትትሓንጸጽ። እዚ ዘሕፍር ምዕራፍ ታሪኽና ብግቡእ ክዛዘም ኣለዎ። ኣሽኪዕካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ትግራዎት ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ዘለኩም ዝምድና ንዓኹም ይምልከት።

ብድሆታት

1. መንግስቲ ትግራይ ብርግጽ ሓንጊዱ ኣሎ፡ ንህዝቢ ትግራይ ናብ መገዲ ጎነጽ ገጹ ይመርሖ ኣሎ።

2. ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ትግራይን ርኡይ ምትፍናን ኣሎ።

3. ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣይኮነን ነቲ ዶብ ብዘይቅድመ ኩነት ንምሕንጻጽ ዝፈረሞ ስምምዕ ክጅምር፡ ነቶም ኣብ መቐለ ኣድፊዖም ዘለዉ ብፈደራላዊ ገበን ዝሕተቱ ሰባት እኳ ኣንጠልጢሉ ናብ ፍርዲ ከቕርብ ኣይከኣለን ዘሎ። እንታይ ማለት እዩ'ዚ፡

- ኢትዮጵያ በቲ ወያነ ዝሓደጎ ቅልውላው (post-Wayane crisis) ትናወጽ ኣላ።

- ናይ ዶብ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ብስምምዕ ደረጃ ጥራይ እዩ ዘሎ ዝመስል። ብወገነይ እቲ ብማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈረመ ስምምዕ ኣብ ቦትኡ ዘሎ ይመስለኒ። እቲ ድሌት (ትውፊት?) ወይ commitment እውን ዝዘለቐ ኣይመስለንን። መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ጉዳይ ክህመለሉ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ካብ ክቱር ስግኣትን ሃገራዊ ሓልዮትን ዝነቐለ እዩ ክኸውን ዝኽእል’ምበር መሰረት ዘለዎ ኣይኮነን። ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ ናቱ መስርሕ ኣለዎ። ነቲ ስምምዕ ናብ ግብሪ ንምውዓሉ ዝግበር ተክኒካዊ መዳያት ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ሂወትን ስብነትን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ገዛእቲ ረቛሒታትን ኣለዎ። ነቲ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ዝግበር ህውተታ ገዲፍካ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ክሉ ሕሰም ተጻዊሩ እንደገና ናብ ዝዓበየ መጻወድያ ክኣቱ ከፍቅድ እዩ ኢልካ ኣይሕሰብን። ዶብ ክሕንጸጽ ምዃኑ ዘጠራጥር የብለይን። ክግበር እዩ።

- ዶብ ምሕንጻጽ ንበይኑ ዋሕስ ሰላም ከምዘይከውን ግን ምርዳእ ዘድልዮ ነገር እዩ። ዋሕስ ሰላምና ሓይልናን ሓድነትናን ውሽጣዊ ጽሬትናን እዩ። ሃገራት ክወራኻ ወይ ሰላምካ ክዘርጋ ዶብ ኣይክልክለንን እዩ። ብዝኾነ፡ ብዛዕባ ግዝኣታዊ ልኡላውነት ኣብ ንዛረበሉ እቲ ቀዳማይ ዝመጽእ ዶብ ስለዝኾነ ክግበር ኣለዎ፡ ክግበር እዩ። እዚ ንምግባር ድማ፡ መንግስቲ ትግራይ ካብ ተጻባእነቱን ተቓናቓንነቱን ክዝሕል ኣለዎ። ኣራእእይኡ ከስፍሕን ንነዊሕ ክጥምትን ኣለዎ።

-ስለ'ዚ፡ ናይ ግድን እዩ ናይ ትግራይን ናይ ኢትዮጵያን ኩነታት ናብ ሓደ ንምምጻእን (ንምትዕራቕ) ንምርግጋእን ዝግበር ጻዕርታት ክቕድም። እዚ ድማ ብሓይሊ ወይ ታህዲድ ዘይኮነስ ብሞጎትን ግብርን እዩ ክከውን ዘለዎ። ህዝቢ ትግራይ ምስ ኤርትራ ኣብ ሕግን ፍትሕን ዝተሰረተ ጽቡቕ ዝምድና ምግባሩ ንዕኡ ዝያዳ ከምዘረብሕን ኤርትራ ምስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቂምን ሕነ-ምፍዳይን ክትነብር ከምዘይትደልን ብግብሪ ብምርኣይ እዩ ክግበር ዘለዎ።

- ስለ'ዚ እዩ ኸኣ ነቐፌታይ ኣብቲ ጸቢብ ጉጅለ መራሕቲ ወያነ ጥራይ ዘተኮረ ዝከውን። ምኽንያቱ፡ ንሱ እዩ ሕጂ ካብቲ ዘጓይዮ ዘሎ ንገበናት ዘጻሪ ፈደራላዊ ሓይሊ (ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ብዝውስኖ) ከምልጥ ክብል ኣብ ውሽጢ ስምዒታት ህዝቢ ትግራይ ተሸጒጡ ሰላም ሱር ከይሰድድ ዓጊቱ ዘሎ።

ኣባይ ጸሃየ ከኣ ተዛሪቡ (ጽቡቕ ጅማሮ፡ ግን መለኣዮ ደኣ)

ኣብ BBC ትግርኛ እዩ ወጺኡ ዘሎ። ብሎኮታት ኦምሓጀርን ባድመን ክኽፈቱ፡ ክንተሓዋወስ፡ ዘጻልእ ከምዘይብልና ገሊጹ። ጽቡቕ። ወሲኹ ድማ ንትግራይ ጎሲኻ ዝግበር ዝምድናታት ነቒፉ። ኣባይ ጸሃየ ዘይደፈራ ነገር እንተላ እዛ ትስዕብ እያ፦ መራሕቲ ትግራይን ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዘይተራኸቡሉ ምኽንያት ወያነ ነቲ ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ዶባትን ብዝምልከት ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝተፈራረሞ ናይ ምሕግጋዝን ምሕዝነትን ውዕላት ምሉእ ብምሉኡ ብዘይምቅባሉ እዩ። እቲ ሓቂ ቶግ ምባሉ ጽቡቕ እዩ።

ኣባይ ጸሃየ ክሳድና ረጊጹ "ሓውኻ እየ ወይ እሓልየልካ እየ" ክብለና ኣይክእልን። ሕውነት ኣብ ፍትሒ ዝተሰረተ ምስ ዝኸውን እዩ ትርጉም ዝህልዎን ነባሪ ዝኸውንን። ንመስርሕ ሰላም እንዳ ዓንቀጽካስ ሰላም እደሊ ምባል ብሱሩ ዘይሰማማዕን ዘይጋጠምን እዩ። ነዛ ዶብ ክትጥረር ግደፍዋ'ሞ ሽዑ (ተዘወሪ መኪና ተዘወሪ’የ ኣስመራ መቐለ ተሓምበቢ’የ” ክበሃልን ህዝቢ ይቕረ-ይቕረ ተባሂሉ ናብ ብሩህ መጻኢ ክስጉም። እምበር ኣባይ ጸሃየ “ዝሓለፈ ንረስዕ” ስለዝበለ፡ ክርሳዕ እዩ ማለት ኣይኮነን። ሕሉፍ ምርሳዕ ማለት ነቲ ሕሉፍ ገጋታት ክትደግም ከም ምንባር ማለት እዩ። ዝሃረመ እንተረሰዐ፡ እቲ ዝተሃረመ ግን ኣይርስዕን እዩ። ልኡላዊ ግዝኣትና ብሰንኪ እምቢታ በዓል ኣይተ ጸሃየ ክሳብ ሕጂ ኣይተመልሰን፡ ዶባትና ኣይተሓንጸጸን፡ ኣብ ዝባንና እንከሎ “ኣሕዋት ኢና” ይብለና ኣሎ ኣይተ ኣባይ ጸሃየ። ካብ ዝባንና እሞ ውረድን እቲ ቅኑዕ ነገር ግበርን ድሕርኡ ብዛዕባ ሕውነት ትዛረብ።

ነቲ ኣብ ግዜ ገድሊ ተጋደልቲ ወያነ ካብ ተጋደልቲ ሻዕብያ ዝቐድሕዎ ሳዕስዒት “ተወደብ” ብሓባር ክንስዕስዕ እውን ይዕድመና ኣሎ። ጽቡቕ፡ ግን ልብታትና ከይሰመረ ‘ዶ ጓይላና ክሰምር ኮይኑ። መጀመርያ ደኣ ልብና ነስምር። ድሕርኡ ጓይላና ክዕምር እዩ።

ብወገነይ፡ እቲ መስርሕ ክርደኦ እፍትን እየ። ግን ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝበልክዎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ክፉት ክኸውንን ብልክዕ እንታይ ይግበርን ይሕሰብን ከምዘሎ ምስ ህዝቡ እሂን-ምሂን ክበሃሃልን ኣለዎ። እመኑና ጥራይ ኢልካ ምኻድ ኣየዋጽእን እዩ። እምነት ንሃይማኖት ይምልከት። ፖለቲካ ተሓሳሲብካ እዩ፣ እቲ ጉዳይ ካብ መዓሙቕ ዓዲ-ሃሎ ወጺኡ ጉዳይ ህዝቢ ክኸውን ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ልኡላውነቱ ከረጋግጽ ኣዝዩ ከቢድ ሕሰም ተጻዊሩ እዩ። ነዚ ዝምልከትን ምስኡ ዝተኣሳሰርን ጉዳያት፡ ይዕበ ይንኣስ ንህዝቢ ክግለጽ ኣለዎ።

ዕላማና ወያነ ንምውዳቕ ጥራይ ኣይነበረን። ዕላማና ነቲ ኣሽሓት ዝተኸፍልዎ ኲናት ብሕጋዊ መገዲ ምዝዛሙ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ብይን ዶባት ኣብ ባይታ ክረጋገጽ ኣለዎ። ንወያነ ዝተቓለስና፡ ወያነ ነዚ መዳይ እዚ ይዕንቅጽ ስለዝነበረ እዩ። ሕጂ እውን ንወያነ እንቃወሞ ነዚ መዳይ እዚ ይዕንቅፍ ስለዘሎ ጥራይ እዩ።

እዚ ጉዳይ እዚ ድማ ናይ ኽሉ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ እዩ። ንዝተወሰኑ መራሕቲ ወይ ካድረታት ዝምልከት ኣይኮነን። "ይስራሕ ኣሎ" ምባል ንበይኑ እኹል ኣይኮነን። ይስራሕ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ጭብጥታትን መግለጺታትን ንህዝቢ እንተዝቐርብ ዝበዝሕ ካብ ጽቡቕ ምንዮት ዜጋታት ዝብገስ ስግኣታት ምነከየ ነይሩ። ኣነ ብወገነይ ኣብ ትሕቲ "ቅልውላው" ዝብል ኣርእስቲ ተኸታታሊ ጽሑፋት ኣቕሪበ እየ፡ መንግስቲ እውን ክፉትን ግሉጽን ክኸውን ደጋጊመ ጸዊዐ እየ። መራሕቲ መንግስቲ ነዚ ኣገዳሲ ኩርናዕ’ዚ ብዝያዳ ክሰርሑሉ ጽቡቕ እዩ።

እሞ ኣላታን የብላን ቶግ’ዶ ከብላ፡ በሉ ናብቲ ፈተና ክንኣቱ፥

ዶብ ኣይኮነን ጽባሕ፡ ትማሊ ተጠሪሩ እንተዝነብር ግርም ምኾነ። ብዙሓት ሰባት ካብ ጽቡቕ ድሌት ወይ ክቱር ስግእት ተላዒሎም፡ " እዛ ዶብ እንተዘይተወደአት" ክብሉ እሰምዕ እየ። እቲ መስርሕ ተጀሚሩ ከምዘሎ ዘስተብሃሉ ኣይመስለንን። ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ርክባት ነቲ ዶብ ንምሕንጻጽ ዘድሊ ባይታ ንምምድማድ ዝግበር ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ። ኣባይ ጸሃየ ኣብ ባድመ ኣራጢጡን ንኸይወጽእ ዕጭ ሓንፊፉን እንከሎ፡ ብሎኮ ባድመ ክኽፈተሉ ይጽውዓና ኣሎ!!!

ስለ'ዚ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓቅታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንስኻ መንግስቲ ኤርትራ ወይ ፕረሲደንት ኢሰያስ እንተትነብር እንታይ ምገበርካ?

ሀ- ዶክቶር ዓቢ ነቲ ምሕንጻጽ ዶብ ተሎ ቢሉ ብዘይ ምፍላሙ (ሰራዊቱ ካብቲ ንኤርትራ ዝተበየነ መሬት ብዘይምስሓቡ) ካብቲ ሰላም ምስሓብ

ለ- ንዶክቶር ዓቢ ኣሕመድ ናይ ግዜ ገደብ ብወግዒ ምሃቡ (ድሕርኡ ኸ?)

ሐ- ናብ AU & UN ምኻድ

መ- ብሓይሊ ንምምንዝዑ ኲናት ምኽፋት

ሰ- ንወዲ ኣፎም ካብ ዓዲ ሃሎ ወጢጥካ ናብ ፎርቶ ኣደዪብካ፡ ማይክሮፎን ሰቒልካሉ፡ “ሃየ ነዚ ህዝቢ ዘሎ ኩነታት ደርጎሓሉ፡ ብዘይኮለል-መለል ነታ ኣብ ኣኼባ ስዊድን ‘እዛ ጉዳይ ዶብሲ ትሃስስ ኣላ’ ዝበለት ኣደ እሕጽር ኣቢልካ ግለጸላ። ናብ ዝሑል ኲናትን ዝሰዓበ ዕንክሊልን ከይተኣለኻ ማለተይ እዩ። ሓጺርን ንጹርን መልስታት ይምረጽ ኣቶ ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ” ምበልኩ።

ሸ- ካልእ ምርጫ (ዘርዝር)

ምስ ሰላምታ፡

ነቶም ብ Email ክትረኽቡኒ እትደልዩ፥ shiedeli95@gmail.com

MAHMUD SALEH

December 2018.

 
295098-ቶግ 'ዶ ከብላ!.pdf

Dr. Fikrejesus Amahazion at the XXIX International Rosa Luxemburg Conference in Berlin on January

Dehai Events