Dehai News

"ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ዝተፈጸመን ዝወረደን ኣረሜናዊ ግፍዒ ክርሳዕ ይከኣል ዲዩ?".................

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 09 December 2018

 

ታሕሳስ ዕለት 8 2018 ዓም ፈረንጂ

"ዘይሓፍር ድሙስ ገብረማርያም ሽሙ" ይበሃል። እዚ ዘይሓፍርን ነውራምን መራሒ መስፍናዊትን ዓሌታዊትን ጭፍራ ሕውሓት እየ ኢሉ ረኣዩኒኡ ስምዑኒ ዝብልን ናይ መንፈስ ርግኣት ዘይብሉን ሎሚ ዝበሎ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ዘይደግሞን ካልእ ኣይብላዕ ኣይስተ ሒዙ መጺኡ ዝጸዊን ውልቀሰብ ኣይተ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፣ ያኢ ንኤርትራውያን ሓላዪ ኮይኑ መደረ ከስምዕን ክዋራዘን`ሲ ብጣዕሚ እዩ ዘገርም።

 

ናይ ብሓቂ ሰብኣይ እንተዝኸውን፣ እቲ ብውሕዱ ንህዝቢ ኤርትራ ክብሎ ዝግባእ ዝነበረ "በቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝገበርናዮ ግጉይን እዉጅን ወራር ንሱ ዘስዓቦ ሰብኣውን ንዋታውን ሞራላውን ዕንወት፣ ልዕሊ 80 ሽሕ ንጹሓን ኤርትራውያን ንብረቶምን ብረሃጾም ሰሪሖም ዘጥረይዎ ንዋዮምን (ገንዘቦምን ሃፍቶምን) ዘሪፍና ከም ደቂ ሕድርትና ብለይቲ በቲ ሓደገኛ ናይ ውግእ ግምባራት ስለ ዝሰጎግናዮም ይቕሬታ ክትግብሩልና ብትሕትና ንልምነኩም" እዩ ክብል ኔሩዎ። እንተኾነ ግን መሃይማን መራሕቲ ጉጅለ ሕውሓት ልቦናን ሰብኣውነትን ኣይተዓደሎምን፣ ገና ኣብ ሓሶትን ጃህራን ፈኸራን ዘይጭበጥ ሕልምን እዮም ዝነብሩ ዘሎዉ።

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም (ወዲ ቐሺ)

YOUTUBE.COM
 
Can past wrongdoings be forgotten? Dr Debrestion Axum Tigray Ethiopia
 
 

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events