Dehai News

(ቢቢሲ) ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፈሪቃ፡ ኤርትራ ኣርባዕተ ወርቂ መዳልያታት ረኺባ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 22 November 2018

ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፈሪቃ፡ ኤርትራ ኣርባዕተ ወርቂ መዳልያታት ረኺባ


22 ሕዳር 2018 
ሎሚ ንካልኣይ መዓልቱ ኣብ ዝቐጸለ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ብናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ብክልቲኡ ጾታታት መዳልያታት ረኺባ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ንመጀመርታ እዋን ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ብናይ ደቂ ተባዕትዮን ብናይ ደቂ ኣንስትዮን ቀዳመይቲ ብምውጻእ ብዝሒ ዝረኸበቶም መዳልያታት ክብ ከተብሎ ክኢላ ኣላ።

ኣብ ናይ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ ዝተኻየደ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሲራክ ተስፎም፡ ኣሮን ደብረጽዮን፡ ዳንኤል ሃብተሚካኤል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኮይኖም ተኸታቲሎም ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት'ውን፤ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ብተቐዳደምቲ ዳንኤል ሃብተሚካኤልን ሄኖክ ምሉብርሃንን ኣቢላ ወርቅን ብሩርን መዳልያ ክተረክብ ከላ፡ ኢትዮጵያዊ ተቐዳዳማይ ሳልሳይ ብምዃን ነሓስ መዳልያ ረኺቡ።

ብተወሳኺ፡ ኤርትራ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ግዜ ውድድር፡ ብኣድያም ተስፍኣለም ኣቢላ ኣብ ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ክልተ ወርቂ መዳልያ ረኺባ።

ኣብ ናይ ዓበይቲ ተወዳደርቲ ደቂኣንስትዮ ንኤርትራዊት ኣድያም ተስፋኣለም ስዒበን፡ ተወዳዳሪት ሃገራውያን ጋንታታት ደቂኣንስትዮ ኢትዮጵያ ምህረት ኣስገደ ካልኣይቲ፡ ደቡብ ኣፈሪቃዊት ሊዘል ጆርዳን ሳልሰይቲ ብምዃን ብሩርን ነሐስን መዳልያ ረኺበን።

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ውልቂ ውድድር'ውን ፡ ኢትዮጵያውያን ተወዳደርቲ ምሕረት ኣስገደን ብርሃን ፍቓዱን ንኤርትራዊት ኣድያም ተስፍኣለም ብምስዓብ ካልአይትን ሳልሰይትን ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።

ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር፡ ኤርትራ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ወርቂ መዳልያ ምርካባ ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ ብዩሲኣይ ኣፍለጦ ረኺቡ፡ ብምትሕብባር ፌደሬሽን ብሽክለታ ኤርትራን ኮንፈደሬሽን ብሽክለታ ኣፍሪቃን ዝተዳለወ ቅድድም፡ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ርዋንዳ፡ ግብጺ፡ ናይጀርያ፡ ሲሸልስ፡ በኒንን ደቡብ ኣፋሪቃን ይሳተፋ ኣለዋ።

እዚ ቅድድም ብሽክለታ፡ ጽባሕ'ውን ዝቕጽል ኮይኑ፡ ሰንበት ብዝካየድ ናይ መወዳእታ ውድድር ክዛዘም'ዩ።


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events