Dehai News

(ሰራውር) ናይ ኣመሪካ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ናብ ኤርትራ ንግዳዊ ምትእስሳር ንምሕያል ዑደት ከካይድ እዩ።

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 22 November 2018

ናይ ኣመሪካ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ናብ ኤርትራ ንግዳዊ ምትእስሳር ንምሕያል ዑደት ከካይድ እዩ።

 
ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል 22 ሕዳር 2018

ናይ ኣመሪካ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናጊ ናብ ኤትርራን ሃገራት ናይ ምስራቕ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ከካይድ እዩ። ዕላማ ናይ ዑደቱ ከም ኣካል ጻዕርታት ናይ ኣመሪካ ዝሓየለ ናይ ንግድን ንግዳዊ ምትእስሳር ንምሕያል ምዃኑ መግለጺ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ርክባት ናይ ኤርትራን ኣመሪካን ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ድሕሪ ምጽናሑ፣ እቲ ብኹሉ መዳያት ትሕብሕቦን ትሕግዞን ዝነበረት ስርዓት ወያነ ኣብ ኢዳ ምስ ሓወያ፣ ነቲ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ብዕሊ ድዛረብሉ ዝነበሩ ፖሊሲ ምቅያር መንግስቲ ናይ ኤርትራ ገዲፋ ዝሓሸ ርክባት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ጀሚራ።

ብተወሳኺ ንኤርትራ ከም ምንጪ ናይ ዘይምርግጋእን ዕግርግርን ትገልጻን በዚ ምኽንያት እገዳ ድሕሪ ምጽናዕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ እዚ ሕጂ ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ በዓል ስልጣን ኤርትራ ኣብ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ዓቢ ተራ ትጻወት ከምዘላን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሪሕነታዊ ተራ ክትጻወት ከምትኽእል ገሊጹ ኔሩ። ብተወሳኺ ኣመሪካ ዋላዃ እገዳ ብገለ መልክዕ ክትቅጽሎ ድልየታታ ገሊጻ ተነበረት ኣብ መወዳእታ ግን ሙሉእ ብሙሉእ እገዳ ክልዓል ድምጺ ሂባ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events