Dehai News

(ሓዳስ ኤርትራ) ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳ ተላዒሉ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 15 November 2018

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳ ተላዒሉ



ሓዳስ ኤርትራ  ሓሙስ 15 ሕዳር 2018 

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወርሓት ታሕሳስ 2009ን 2011ን ብዓሎቝ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተስገደደ ዘይፍትሓዊ ብይናት እገዳ ክለዓል፡ ትማሊ 14 ሕዳር ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ። እቲ ተላዒሉ ዘሎ ውሳነታት እገዳ፡ ኣብ 2009 ዝሓለፈ ቊጽሪ 1907፡ ከምኡ’ውን ኣብ 2011 ዝሓለፈ ቊጽሪ 2023 ኮይኑ፡ ናይ ኣጽዋር እገዳ፡ ከምኡ’ውን ካልእ ብዘይቀጥታዊ መንገዲ ንቚጠባ ኤርትራ ንምድኻም ዝሃቀኑ ውሳነታት ዘጠቓለለ’ዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ስለ’ቲ ኣብ ዓወት ዘብጸሖ ሓያል ናይ መኸተ ያታኡን ዓቕሉን - “ዮሃና” እናበለ፡ እቲ እገዳ ንኽለዓል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣዕሩኽ ኤርትራ ምስጋና ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዛዕባ’ዚ ምልዓል እገዳ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ታሕቲ ረአ። 

ጋዜጣዊ መግለጺ

 እቲ ሕቶ “ምልዓል እገዳ” ዘይኮነ - ብቐደሙኸ ስለምንታይ እገዳ’ዩ?

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ትማሊ መዓልቲ፣ ነቲ ኣብ ታሕሳስ 2009 ከምኡ’ውን ኣብ ታሕሳስ 2011 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘስገደዶ ዘይፍትሓዊ ውሳነታት እገዳ ኣልዒልዎ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ንኣስታት 10 ዓመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምኽኑይ ጉድኣት ዘውረደ ኢፍትሓዊ ውሳነ ንምእራም ዝተወስደ ስጉምቲ ደንጉዩ እውን እንተመጸ ብሓጎስ ይቕበሎ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፣ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዝርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ምስኩር ናይ መኸተ ያታኡን ዓቕሉን፡ ነዚ ጽንኩር እዋን ብጽንዓት በዲሁ፡ ብዓወት ምውጽኡ ልዑል ክብሪ ይህቦ። ከምኡ’ውን ንኹሎም ብሞራልን ዝተፈላለየ መገዲታትን፣ እዚ ዘሕፍር ውሳነታት እገዳ ንኽልዓል ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣዕሩኽ ኤርትራ ምስጋናኡ ይገልጽ። ዮሃና ንኹሎም! 

ነዚ ጸሊም ምዕራፍ’ዚ ብምዕጻው፣ ናብ መጻኢ ኣብ እንጥምተሉ ዘለና ኣጋጣሚ ግና፣ ካብዚ ተሞኩሮ’ዚ ዝተጋህደ ሓቅታት ከነስተንትኖ ግቡእ እዩ። ኤርትራ ስለምንታይ እያ ግዳይ ኮይና? ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተፈጸመ ላግጺ ዝደገፈ ኩነታትከ እንታይ’ዩ? . . እቲ ሓቂ፡ ጽሩይ ከም ማይ ንግሆ እዩ።

ተኸታተልቲ ምምሕዳራት ዋሽንግቶን - ክሊንተን፣ ቡሽ፣ ኦባማ - ብዝሃንደስዎ ዝምቡዕ ናይ ዕብለላ እንኮ-ቐጽራዊ ስትራተጂን ናይ መልሕቓት ሜላን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ስርዓት ወያነ፡ ሓደ ካብ መልሕቓቶም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገይሮም ብምቑጻር (ብምዕሳብ) ካብ ዝተኸተልዎ ሜላታት፦

- ዶባዊ ግጭታት ምስዋርን ኲናት ምውላዕን ሓላሊኽካ ምምሕዳርን 

- ኤትኒካዊ፡ ፈንጋዊ (factional) ምግምማዕ ምንጋስን ተቚዋማዊ ምግባርን 

- ዞባዊ ጥምረትን ምትሕግጋዝን እናሸራሕካ ንምትእትታዋት ባይታ ምውዳድ. . . . ከም ቀንዲ፡ ክጥቀሱ ይኽእሉ። 

ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ከም ሳዕቤን ናይቲ ሓድጊ በጨቕ ኪብል እንዕዘቦ ዘለና ኤትኒካዊ ረጽሚን ምምዝባላትን፣ ኣብ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ነጊሱ ዘሎ ምግምማዕን ሕልኽላኻቱን ግዳማዊ ምትእትታዋትን ከም ውጽኢቱ ንኣሸበርቲን ሓንከርቲን ፈጢርዎ ዘሎ ድዃ ባይታ፣ ዕላመታት ናይቲ ዝሩግ ሳዕቤናት እዮም። 

ናይዚ ዝምቡዕ ስትራተጂን ሜላታቱን ኣዕናዊ ሳዕቤናት፣ ኣብ ህልቂት ሰባትን ምምዝባልን፣ ስደትን ጥሜትን ቁጠባዊ ዕንወትን፣ ልዕሊ ኹሉ ከኣ ንኣስታት 150 ሚልዮን ህዝቢታት ናይዚ ዞባ ዘኽሰሮ ናይ ልምዓትን ዕብየትን ዕድል፡ እልቢ የብሉን።

እቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝተፈብረኸን ዝተሳወረን ትርጉም-ኣልቦ ዶባዊ ግጭታት፣ ቅሉዕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲታት፣ ፖለቲካዊ ሽርሒታት፣ ቀጻሊ ናይ ምንጻልን ጸለምን ስነ-እምሮኣዊ ዘመተታት፣ ዘይዓርፍ ኣዕናዊ ቁጠባዊ ዕፈና፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ፣ ብዘሕንኽ ናይ ሓሶት ፍብረኻ፡ ብምርዓም ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ 2009 እተስገደደ እገዳ፣ ካብ መቓን ናይቲ ዝምቡዕ ስትራተጂያዊ ሕርያን ሜላታቱን ወጻኢ ዝርአ ኣይኮነን። ዝወረደ ዕንወት ከኣ፡ መዳርግቲ የብሉን። 

ካብቲ ዝተፈጸመ በደል ንላዕሊ፡ ሓሶት ተቓሊዑ፡ ሓቂ ተጋሂዱ እናሃለወ፡ ዕምሪ እገዳ ንምምጣጥ ኪቐርብ ዝጸንሐ ምስምሳት ዘዛየዶ በደል’ውን ቀሊል ኣይነበረን። 

ባይቶ ጸጥታ እምበኣር፡ ኪኖ እገዳ ምልዓል፡ ናይ ዘውረዶ በደል ካሕሳ እውን ተሓታቲ እዩ። መንግስቲን ህዝቢን ኤርትራ ከኣ፡ መኸተኦም ንሓቂን ንፍትሒን፡ ብምልዓል እገዳ ጥራይ ኣይከቋርጽዎን እዮም።

ሚኒስትሪ ዜና 
ኣስመራ 
14 ሕዳር 2018


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events