Dehai News

(ሚኒስትሪ ዜና) እቲ ሕቶ “ምልዓል እገዳ ዘይኮነ - ብቐደሙ’ኸ ስለምንታይ እገዳ’ዩ?

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 14 November 2018

MOI Eritrea
14 ሕዳር 2018



ጋዜጣዊ መግለጺ

እቲ ሕቶ “ምልዓል እገዳ ዘይኮነ - ብቐደሙ’ኸ ስለምንታይ እገዳ’ዩ?

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ሎሚ መዓልቲ፣ ነቲ ኣብ ታሕሳስ 2009 ከምኡ’ውን ኣብ ታሕሳስ 2011 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘስገደዶ ዘይፍትሓዊ ውሳነታት እገዳ ኣልዒልዎ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ንኣስታት 10 ዓመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምኹኑይ ጉድኣት ዘውረደ ኢፍትሓዊ ውሳነ ንምእራም ዝተወስደ ስጉምቲ ደንጉዩ እውን እንተመጸ ብሓጎስ ይቕበሎ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፣ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዝርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ምስኩር ናይ መኸተ ያታኡን ዓቕሉን፡ ነዚ ጽንኩር እዋን ብጽንዓት በዲሁ፡ ብዓወት ምውጽኡ ልዑል ክብሪ ይህቦ። ከምኡ’ውን ንኹሎም ብሞራልን ዝተፈላለየ መገዲታትን፣ እዚ ዘሕፍር ውሳነታት እገዳ ንኽልዓል ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣዕሩኽ ኤርትራ ምስጋናኡ ይገልጽ። ዮሃና ንኹሎም!

ነዚ ጸሊም ምዕራፍ’ዚ ብምዕጻው፣ ናብ መጻኢ ኣብ እንጥምተሉ ዘለና ኣጋጣሚ ግና፣ ካብዚ ተሞኩሮ’ዚ ዝተጋህደ ሓቅታት ከነስተንትኖ ግቡእ እዩ። ኤርትራ ስለምንታይ እያ ግዳይ ኮይና? ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተፈጸመ ላግጺ ዝደገፈ ኩነታት’ከ እንታይ’ዩ? . . .እቲ ሓቂ፡ ጽሩይ ከም ማይ ንግሆ እዩ፦

ተኸታተልቲ ምምሕዳራት ዋሽንግቶን - ክሊንተን፣ ቡሽ፣ ኦባማ - ብዝሃንደስዎ ዝምቡዕ ናይ ዕብለላ እንኮ-ቐጽራዊ ስትራተጂን ናይ መልሕቓት ሜላን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ስርዓት ወያነ፡ ሓደ ካብ መልሕቓቶም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገይሮም ብምቑጻር (ብምዕሳብ) ካብ ዝተኸተልዎ ሜላታት፦

- ዶባዊ ግጭታት ምስዋርን ኲናት ምውላዕን ሓላሊኽካ ምምሕዳርን 

- ኤትኒካዊ፡ ፈንጋዊ (factional) ምግምማዕ ምንጋስን ተቚዋማዊ ምግባርን
 
- ዞባዊ ጥምረትን ምትሕግጋዝን እናሸራሕካ ንምትእትታዋት ባይታ ምውዳድ. . . . . . .ከም ቀንዲ፡ ክጥቀሱ ይኽእሉ። 

ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ከም ሳዕቤን ናይቲ ሓድጊ በጨቕ ኪብል እንዕዘቦ ዘለና ኤትኒካዊ ረጽሚን ምምዝባላትን፣ ኣብ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ነጊሱ ዘሎ ምግምማዕን ሕልኽላኻቱን ግድማዊ ምትእትታዋትን ከም ውጽኢቱ ንኣሸበርቲን ሓንከርቲን ፈጢርዎ ዘሎ ድዃ ባይታ፣ ዕላመታት ናይቲ ዝሩግ ሳዕቤናት እዮም። 

ናይዚ ዝምቡዕ ስትራተጂን ሜላታቱን ኣዕናዊ ሳዕቤናት፣ ኣብ ህልቂት ሰባትን ምምዝባልን፣ ስደትን ጥሜትን ቁጠባዊ ዕንወትን፣ ልዕሊ ኹሉ ከኣ ንኣስታት 150 ሚልዮን ህዝቢታት ናይዚ ዞባ ዘኽሰሮ ናይ ልምዓትን ዕብየትን ዕድል፡ እልቢ የብሉን።

እቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝተፈብረኸን ዝተሳወረን ትርጉም-ኣልቦ ዶባዊ ግጭታት፣ ቅሉዕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲታት፣ ፖለቲካዊ ሽርሒታት፣ ቀጻሊ ናይ ምንጻልን ጸለምን ስነ’እምሮኣዊ ዘመተታት፣ ዘይዓርፍ ኣዕናዊ ቁጠባዊ ዕፈና፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ፣ ብዘሕንኽ ናይ ሓሶት ፍብረኻ፡ ብምርዓም ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ 2009 እተስገደደ እገዳ፣ ካብ መቓን ናይቲ ዝምቡዕ ስትራተጂያዊ ሕርያን ሜላታቱን ወጻኢ ዝርአ ኣይኮነን። ዝወረደ ዕንወት ከኣ፡ መዳርግቲ የብሉን። 

ካብቲ ዝተፈጸመ በደል ንላዕሊ፡ ሓሶት ተቓሊዑ፡ ሓቂ ተጋሂዱ እናሃለወ፡ ዕምሪ እገዳ ንምምጣጥ ኪቐርብ ዝጸንሐ ምስምሳት ዘዛየዶ በደል’ውን ቀሊል ኣይነበረን። 

ባይቶ ጸጥታ እምበኣር፡ ኪኖ እገዳ ምልዓል፡ ናይ ዘውረዶ በደል ካሕሳ እውን ተሓታቲ እዩ። መንግስቲን ህዝቢን ኤርትራ ከኣ፡ መኸተኦም ንሓቂን ንፍትሒን፡ ብምልዓል እገዳ ጥራይ ኣይከቋርጽዎን እዮም።

ሚኒስትሪ ዜና
ኣስመራ
14 ሕዳር 2018



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events