Dehai News

(ቢቢሲ) ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 13 November 2018

ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም

  • ሰሉስ 13 ሕዳር 2018 

ጀነራል ክንፈ ዳኘውFBC/FACEBOOK

ዋና ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ሓጺነ መጺንን ኢንጅነሪንግን ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓሉ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ገሊጸን።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ንፋና ከምዝበሎ፡ እቶም ጥርጡር ኣብ ከባቢ ሑመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ይጉዓዙ ኣለው።

ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ፡ ኢቢሲን ኤፍ ቢሲን ከም ዝፀብፀብኦ፡ እቶም ጀነራል፡ ብሑመራ ኣቢሎም ካብ ሃገር ክወፁ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን'ዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ ኪኢሎም።

ተጠርጣሪ ሜጀር ጀነራል ክንፈ፡ ብምዕራባዊ ዞባ ትግራይ፡ ባዕኸር ብዝተበሃለ ከባቢ ኣቢሎም ካብ ሃገር ክወፁ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ፍሉይ ፖሊስ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከም ዘውዓሎምን፡ ናብ ኣባላት ፀጥታ ፌደራል ከም ዘረከቦምን ፀብፃብ ኤፍ ቢ ሲ የመልክት።

እቶም ጥርጡር ጀነራል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝወዓልሉ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ትጽቢት ይግበር።

ብገበን ግዕዝይና ዝተጠርጠሩ 27 ሰራሕተኛታት እቲ ኮርፖሬሽንን ካልኦትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ትማሊ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረቡ ዝፍለጥ'ዩ።

ትማሊ መግለጺ ዝሃበ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፡ ብገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግዕዝይናን 63 ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም'ዮም ኢሉ ነይሩ።

ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብወለንተኦም ካብ መዝነቶም ከምዝለቐቑ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ክንደኦም፡ ዶክተር በቀለ ቡላዶ ዋና ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ሓጺነ መጺንን ኢንጅነሪንግን ኮይኖም ተሸይሞም እዮም።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events