Dehai News

(ቢቢሲ) ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፡ መጥቃዕቲ ቦንባ 16 ሰነ፡ ብሓላፊ ድሕንነት ዝተመርሐ እዩ ኢሉ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 12 November 2018

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፡ መጥቃዕቲ ቦንባ 16 ሰነ፡ ብሓላፊ ድሕንነት ዝተመርሐ እዩ ኢሉ


የፌደራል ጠቅላይ አቃቢ ሕግ አቶ ብርሀኑ ጸጋዬላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል አቶ ብርሀኑ ጸጋዬ

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣይተ ብርሀኑ ጸጋዬ፡ 16 ሰነ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ቦንባ፡ ብሓላፊ ኤጀንሲ ሃገራዊ ድሕንነትን መረዳእታን ዝተመርሐ እዩ ኢሉ።

ካብ ጋዜጠኛታት "ብኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ድዩ? ወይስ ተስፋየ ኡርጌ?'' ተባሂሎም ዝተሓተቱ ኣይተ ብርሃኑ፡ "ሓላፊ ድሕንነትን መረዳእታን፡ መን ከምዝኾነ ፍሉጥ እዩ" ብምባል ስም ከይፀርሑ ሓሊፎም።

ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓላፊ ፀጥታ ክልል ትግራይ ኮይኖም ከምዝተሸሙን ብኸመይ ናብ ሕጊ ከምዝቐርቡን እውን ሕቶ ቐሪቡ ነይሩ።

"ኣሸምባይዶ ናይ ሓደ ክልል ሓላፊ ቢሮ ፀጥታስ፡ መራሒ ሃገር እውን እንተኾነ ትሕቲ ሕጊ እዩ" ክብሉ መሊሶም ኣይተ ብርሃኑ።

እቲ መጥቃዕቲ ቦንባ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብህዝቢ ኦሮሞ ተቐባልነት የብሉን ዝብል መልእኽቲ ንምሕላፍ ከምዝተፈፀመ ዘርኢ መረዳእታ ከምዘለዎም ገሊፆም።

"ነቲ ገበን ዝፈፀምዎ ብብሄሮም ኦሮሞ እዮም። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኦሮሞ ኮይኑ እናሃለወ፡ እቲ ተግባር ብኦሮሞ እንትፍፀም፡ ብህዝቢ ኦሮሞ ተቐባልነት የብሉን ዝብል መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝተዋደደ እዩ" ኢሎም።

ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉ 63 ተጠርጠርቲ

ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ግዕዝይናን ፈፂሞም ዝተብሃሉ 63 ተጠርጠርቲ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ እውን እቶም ሓላፊ ኣብቲ ሎሚ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም እዮም።

ካብዞም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰባት፡ እቶም 36 ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተጠርጠሩ እዮም።

ነባራት ኣመራርሓን ሰብሞያን ኤጀንሲ ድሕንነትን መረዳእታን ኢትዮጵያ፡ ሓያሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈፂሞም ይብል እቲ መግለፂ።

ዝተሓብኡን ዝተሰወሩን ተጠርጠርቲ'ውን ኣለዉ ዝበሉ ኣይተ ብርሃኑ፡ ስእሊ ናይዞም ተጠርጠርቲ ንህዝቢ ክዝርጋሕ እዩ ኢሎም።

ሕቡእ ቤት ማእሰርትታት

ቅድም ክብል ብግብረ ራዕዲ ተጠርጢሮም ዝእሰሩ ሰባት፡ ናብ ስሩዕ ቤት ማእሰርትታት ቅድሚ ምእታዎም፡ ናብ ዘይፍለጡ ሕቡእ ቤት ማእሰርትታት ይውሰዱ ነይሮም ኢሎም ኣይተ ብርሀኑ።

እዞም ሕቡኣት ቤት ማእሰርትታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ከምዝኾኑ ድሕሪ ምግላፅ "ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ፡ ሸውዓተን ልዕሊኡን [ሕቡኣት] ቤት ማእሰርትታት ኣለዉ" ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ እሱራት፡ ኣካላዊ ጉድኣት ካብ ምብፃሕ ብተወሳኺ፡ ኣብ ከይዲ ምርመራ ዝሞቱ ሰባት ኣለዉ፡ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

ደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ፆታዊ ዓመፅ ተፈፂምዎም እዩ ክብሉ'ውን ወሲኾም።

ጉዳይ ሜቴክ

ምፅራይ ክገብር ሓሙሽተ ወርሒ ከምዝወደአሉ ዝተዛረበ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፡ ኣብ ኮርፖሬሽን ሓፂንመፂንን ኢንጅነሪንግን ኢትዮጵያ (ሜቴክ) ናይ 37 ቢልዮን ብር ዕድጊት ብዘይ ጨረታ ከምዝተፈፀመ ገሊፁ።

ሜቴክ ንሽድሽተ ዓመታት ዕድጊታት ብዘይ ጨረታ ይፍፅም ከምዝነበረ ዝተዛረቡ ኣይተ ብርሃኑ፡ ኣብዚ ዕድጊት፡ ኣዝማድ ሓለፍቲ ናይቲ ኮርፖሬሽን ተሳተፍቲ ነይሮም ኢሎም።

ሜቴክ ንክትትል ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ነፈርቲ የድልያ እየን ኢሉ፡ ካብ ሓደ ናይ እስራኤል ኩባንያ ሓሙሽተ ነፈርቲ ዓዲጉ ከምዝነበረን፡ ካብዘን ነፈርቲ እተን ኣርባዕተ ስራሕ ደው ከምዘበላ እታ ሓንቲ ድማ ዛጊድ ኣበይ ከምዘላ ኣይትፍለጥን ኢሉ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ መግለፂኡ።

እተን ነፈርቲ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ዘገልገላ፡ ብዙሕ ነዳዲ ዝወስዳን፡ ቴክኒካዊ ፀገም ዘለወንን ኮይነን፡ ካብቲ ዝተዓደጋሉ ዕላማ ወፃኢ፡ ንኣገልግሎት ንግዲ ይውዕላ ከምዘነበራ እውን ተሓቢሩ።

እንታይ ግብረመልሲ ተዋሂቡ?

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ 36 ቀንዲ ሓለፍቲ ፀጥታ ምእሳሮም፡ ኣብታ ሃገር ተሓታትነት ንምስፋን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ኢሉ።

"ቅድም ክብል ንዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታትነት ክህሉ፡ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ተወሳኺ ስጉምትታት ክወስድ ንፅውዕ፤ ማዕረ ማዕርኡ ከኣ፡ እቶም ዝተኣሰሩ ውልቀሰባት ፍትሓዊ ዳይነት ክረኽቡ ይግባእ" ኢሉ ዳይረክተር ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጆኣን ኒያንዩኪ።





EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events