Dehai News

(ሓዳስ ኤርትራ ) ‘ደምህት’ ቃልሱ ብሰላማዊ መንገዲ ንምቕጻል ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 10 October 2018

‘ደምህት’ ቃልሱ ብሰላማዊ መንገዲ ንምቕጻል ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ

Tigray People Democratic Movement -TPDM - Ethiopia - TPLF


ሓዳስ ኤርትራ  10 ጥቅምቲ 2018 

ንኣስታት 17 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ዝጸንሐ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት)፡ ቃልሱ ብሰላማዊ መንገዲ ክቕጽል ምስ መንግስቲ ደሞክራስያዊት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ብዝበጽሖ ስምምዕ፡ 3,200 ኣባላት ሰራዊቱ ትማሊ 9 ጥቅምቲ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም።

ብመሰረት’ቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ሳምንታት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተኻየደ ርክብ፡ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ መጺኡ ንዘሎ ለውጢ ብምድጋፍ፡ ንምሕያሉ ናብ ሃገሩ ኣትዩ ቃልሱ ብሰላማዊ መገዲ ከካይድ ኣብ ምርድዳእ ምብጽሖም ይዝከር።

ንትግባረ ናይ’ቲ ብ28 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብዝምልከት ድማ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ‘ደምህት’፡ ኣቐዲሙ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዉ ይዝከር።
ወትሃደራት ደምህት ናብ ኢትዮጵያ ይምለሱ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቐዲሙ ምስ ዝተፈላለያ ኣብ ቃልሲ ዝጸንሓ ምንቅስቓሳትን ውድባትን ኢትዮጵያ ብዝኸተሞ ተመሳሳሊ ስምምዓት፡ ከም ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኣምሓራ፡ ኣርበኞችግንቦት 7፡ ከምኡ’ውን ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን ካልኦትን፡ ቃልሶም ብሰላማዊ መንገዲ ንምቕጻል ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ይዝከር።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘምራሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ ምስ በጽሐ፡ ሓንቲ ሰራዊት ጽዒና ዝነበረት ዓባይ መኪና ብምግምጣላ 4 ከምዝሞቱ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ቊሱላት ድማ ኣብ’ቲ ከባቢ ናብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ከምእተወስዱ፡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

ወትሃደራት ደምህት ናብ ኢትዮጵያ ይምለሱ
Haddas Ertra_10102018.pdf  

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events