Dehai News

ECSS-Online.com፡ ገምጋም መጽሓፍ፣ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ 1915-1962

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 30 September 2018

The book is available for sale on Amazon.com
Other Hdri Publishers books are available on HdriMedia.com

ብሳላሓዲን ዓሊ

መስከረም ዕለት 29, 2018 ዓም ፈረንጂ

መጽሓፍ ሃምድ እድሪስ ዓዋተ 1915-1962፡ ታሪኽ-ህይወት ናይቲ ኣብ ሓባራዊ ዝኽሪ ኤርትራውያን ትእምርቲ ሃገራዊ ጅግንነት ዝዀነን ኣብ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረን ሓምድ እድሪስ ዓዋተ እተዘንቱ መጽሓፍ ኰይና፡ ውጽኢት ናይቲ ን35 ዓመታት ዝተካየደ ዝተኻየደ ንማሕበራዊ፡ ወተሃደራዊትን ፓለቲካዊን ተመኲሮ ሓምድ ዝምልከት ትሕዝቶ ዘጠቓልልት ፈላሚት ውጽኢት ዓሚቚን ዕቱብን መጽናዕቲ እያ። ኣብዛ መጽሓፍ፡ ታሪኽ-ህይወት ሓምድ ኣብ 12 ምዕራፍትን ሓደ ድሕረ-ጽሑፍን ዝተዘርዘረ ኮይኑ፡ ካብ ስድራቤታዊ ድሕረባይታኡ፡ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ማሕበራዊ ከባቢ፡ ኣብ ዕስክርና ጣልያን ንዘሕፍለፎ ውግኣትን ዘጥረዮ ወተሃደራዊ ተምኲሮን፡ ኣብ 1940ታት ኣብ ኤርትራ ግኑን ዝነበረ ሽፍትነት ዝተጸንበረሉ ኲነታትን፡ ብምሕረት ናብ ሰላማዊ ህይወት ክሳብ ዝምለስ ዝፈጸሞም ተግባራትን ብዝርዝር ቀሪቡ`ሎ። ኣብ ግዜ ፈደረሽን ከም ሓረስታይ ኰይኑ ዘሕለፎ ህይወት ብሓጺር ብምዝንታው ድማ፡ ንመስርሕ ኣጀማምራ ብረታዊ ቃልሲ ብመንገዲ ህይወት ሓምድ ተዘንተ።ጸሓፊ ንታሪኽ-ህይወት ሓምድ እድሪስ ዓወተ ብምጽናዕ፡ ክምልሶም ዘንቀደ ሕቶታት ኣብ መቕድም ብኸምዚ ዝስዕብ ኣስፊሩዎም ኣሎ።.......................

.........ምንባብ ቀጽል


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events