Dehai News

(ሓዳስ ኤርትራ) ንዓዋተ ዘዐወተ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 21 September 2018

ንዓዋተ ዘዐወተ



ብ ሃብቶም ኢዮብ   21 መስከረም 2018 - ሓዳስ ኤርትራ

ነዚ ዓንቀጽ ከዳሉ ዝቐሰበትኒ እታ ብኣቶ ሃይለስላሰ ወልዱ እተዳለወት ኣብ ቅንያት ፈስቲቫል ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ እተመረቐት ‘ሓምድ እድሪስ ዓዋተ 1915 – 1962’ እትብል መጽሓፍ’ያ። ‘ንዓዋተ ዘዐወተ’ ማለት ንሓምድ ዘዐወተ፡ ዕዉት ክኸውን ዘኽኣለ ዝብል ትርጒም ሂበዮ ኣለኹ። ኣብተን ቀዳሞት 20 ገጻት ናይታ መጽሓፍ ምርኩስ ብምግባር ዝተዳለወ’ዩ። ሓምድ ወዲ ዕስራታት እንከሎ ዝነበረ ግዜ!

እዚ ተመስጦኣዊ ዓንቀጽ’ዚ፡ ‘ሓምድ ብረታዊ ቓልሲ ንምጅማር ብቕዓት ነይርዎዶ?’ ንዝብል ሕቶ ዝምልሽ’ዩ።

ብወገነይ ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊሩ ብዘሎ ጭብጢ ዘሰነዮ ሓቅታት ንሓምድ ‘ፈላሚ ብረታዊ ቓልሲ’ ክኸውን ዘኽእሎ’ዩ። ሓሳበይ ብነጥብታት እናኣሰነኹ ክገልጾ’የ። 

ድሕረ ባይታ፡ 

ስድራ ሓምድ፡ ካብ ኣበሓጎታቱ ጀሚርካ ተበኣስቲ ምንባሮም፡ ካብኡ ናብኡ ድማ ኣቦኡ ኣቦይ እድሪስ ዓዋተ ከም ፊን ዝበሎ ዝገብር፡ ከም ሰቡ ግብሪ ዘይከፍል፡ ንመንግስቲ ይኹን ንመራሕቲ ቐቢላ ዘይምእዘዝ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ተመሳሲልካ ምሕዳር ዘይምእምኦ ዓይነት ሰብ ምዃኑ ዝገልጽ ትሕዝቶ ኣብ ገጽ 3 ናይታ መጽሓፍ ሰፊሩ ኣሎ። ሓምድ እምበኣር ምስ ከምዚ ዓይነት ኣቦ’ዩ ዓብዩ። ከም ሰብ ተመኩሮ ስድራኡ ክጸልዎ ባህርያዊ ስለዝዀነ ‘እምቢ ኣይንብርከኽን’ ናይ ምባል ባህሪ ከማዕብል እትጽበዮ ነገር’ዩ። ብዘይካ እዚ ናይ እምቢታ ድሕረ ባይታ ካልእ ካብ ድሕረ ባይታኡ፡ ኣተዓባብያኡ ዝበቘለ ክኸውን ዝኽእል ኣገዳሲ ጽልዋ’ውን ኣሎ። ኣብ ገጽ 11 ነዚ ካልእ ጽልዋ ዝገልጽ ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ንረክብ።

‘ጎቢዙ ኣብ ርእሲ እቲ ናይ በረኻ ሂወቱ ጽልዋ ኸተማ ተናኺፍዎ፡ ኣብ መዓስከራት ጣልያን እናተመላለሰ ሽጋራ መሳሊ ክሸይጥ ጀመረ። . . . በዚ ኸኣ ምስ ጣልያን ጽቡቕ ተላልዩ፡ ንሶም’ውን ስለ ዝፈተውዎ ካን ለጊብዎም ቋንቊኦም ክፈልጥ ጀመረ’ ይብል። እቲ ናይ ከተማ ጽልዋ ምስቲ ናይ በረኻ ሂወቱ ተወሲኹ ሓደ ድሓን ኣመለኻኽታ ዘለዎ ቈልዓ ክኸውን ጽቡቕ መንቋሕቋሕታ ከጥሪ ሓጋዚ’ዩ። ቋንቋኦም ክፈልጥ ምኽኣሉ ዝያዳ ኽፈልጦምን ክርድኦምን የኽእሎ። እቶም ገዛእቱ ዝነበሮም ኣመለኻኽታ መረዳእታ እንተ ፈሊጡ ስቕ ኢሉ ምስኦም ክነብር ከም ዘይክእል ክትግንዘብ ቀሊል’ዩ። ኣይ ካብ ተመሳሲልካ ምሕዳር ዘይምእምኦ ኣቦ እንድዩ ተወሊዱ። ኣቦይ እድሪስ ብዘይካ ናይ ሕርሻን ጥሪትን ናይ ሸቐጥ መነባብሮ’ውን ይውንን ብምንባሩ ንሓምድ ምስ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ክራኸብ ኣኽኢልዎ። እዚ ሓደ ካልእ ንመንቋሕቋሕታ ሓምድ ዘበረኸ ኩነት ከም ዝዀነ ክትወስዶ ትኽእል። 

በዘን ዝተጠቕሳ ነጥብታት ሓምድ ዘይተጸዓድነት፡ ሽቐጥ፡ ርክብ ምስ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሰባት፡ ተወሳኺ ቋንቋታት ኽድልብ ከም ዝኸኣለ ርኢና። ካብዚ ተበገሲካ ተቓላሳይ ክኸውን ብብረት ኣንጻር ገዛእቱ ክለዓል ተኽእሎ ከም ዝነብሮ ብዘይደምዳሚ መንገዲ ኽትፈልጥ ይከኣል።

1) ውልቃዊ ባህሪ፥

‘ንፉዕ ሕማቕ እንተ ወለደ ተዘምተ፡ ሕማቕ ንፉዕ እንተ ወለደ ተቐልተ’ ዝብል ብሂል ቀዳሞት ኣሎ። እዚ ኸኣ ውሉዳት ግድን ናይ ወለዶም ባህሪን መንፍዓትን ከም ዘይወርሱ የርኢ። ከም ወለዶም እንተ ዘይኰይኖም እምብኣር ከም ነብሶም’ዮም ክዀኑ። ስለዚ እቶም ውሉዳት ናይ ባዕሎም መለለዪ ይህልዎም።

‘ሓምድ ዝነበሮ ውልቃዊ ባህሪ ተቓላሳይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመት ዝህብ ዲዩ ነይሩ?’ ነዛ ሕቶ ንምምላስ ባህሪ ናይ ሓምድ ምፍላጥ የድሊ። ንገለ ካብ ባህርያቱ (ኣብ ገጽ 4 ናይታ መጽሓፍ ዘሎ) ምጥቃስ ነዛ ሕቶ ኣብ ምምላስ ሓጋዚ ኰይኑ እስመዓኒ። 

‘. . . . . እንተ ኣንቂሉ ግን፡ ኣያ ብሓይሉ፡ ንሓደ የውድቕ፡ ንሓደ ይሃርም፡ ነቲ የብኪ። ብዝዀነ ኣይደንን፡ ኣይጸዓድን። ካብኡ ዝዓብዩ ጸፊዖሞ ስቕ ኣይብልን። እንተ ሓመቐ ይሕንሕን ይድንድን። እንተ ነዲሩ ኣይተሓዝን፡ ዋላ ሞት ትምጻእ ኣይለቅቕን። . . . .’

ኣብዚ ግዜ’ዚ ነይርካ እሞ ድማ ነዚ ባህሪ ናይ ሓምድ ክትግንዘብ ዝኸኣልካ በሊሕ እንተ ኮይንካ ‘ካብቶም ቃልሲ ከልዕሉ ዝኽእሉ’ዩ’ ዝብል ግምት ክህልወካ ኣይክእልንዶ?

ብዘይካ እዚ ዝተገልጸ ‘ናይ ዘይተንበርካኽነት’ ውልቃዊ ባህሪኡ እዚ ዝስዕብ ምስ እተስተብህል መጻኢኡ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ንምግማት ነቢ ዘይኰነ ተራ ሰብ ምዃን የድሊ ምነበረ።

‘ . . . . ከዕልል እንተዀይኑ ታሪኽ ጀጋኑ ዝደግመሉ’ዩ ዝፈቱ። ኣድናቖቱ ኣብ ጀጋኑ ጥራይ ነበረ።’ 

2) ጕዕዞ ሂወቱ

ሓምድ፡ ብዘይካ’ቲ ዝተገልጸ ድሕረ ባይታኡን ውልቀ ባህሩን እቲ ካብ ቊልዕነት ስዒቡ ዝመጽአ ጕዕዞ ሂወቱኸ ጽልዋኡ ከመይ ይመስል?

ኣብ ዝዀነ ጕዕዞ ወይ ስራሕ መንቋሕቋሕታ፡ መረዳእታ ስለ ዘለካ ጥራይ ዕዉት ክትከውን ትኽእል ኢኻ ክበሃል ኣይከኣልን። ሓምድ ርኡይ ወተሃደራዊ ብቕዓት ነይርዎ’ዩ። ‘ብቚዕ ወተሃደር ዝበሃል ከመይ ዝበለ’ዩ’ ንዝብል ሕቶ ብልክዕ ንእኡ ዝግባእ ምላሽ ክህብ ይኽእል’የ እኳ እንተዘይበልኩ ዓቃል (ገጽ 6 -7)፡ ሕሉፍ ናይ ጨመተ ተኹሲ ክእለት ዘለዎ፡ ንኻልኦት ክዕልም ዝኽእልን ብእኦም ድማ ከም መምህር ቅቡል ዝዀነን፡ ብጻያዊ ሓልዮት ዘለዎ፡ ውፉይ እንተዀይኑ ተራ ወተሃድር ከም ዘይኰነ ክጠራጠር ኣይክእልን’የ። ናይ ምውጋእ ክእለቱ ካብ ናይ ሽፍትነት ሓሊፉ ኣብ ስሩዕ ውግእ’ውን ክሳብ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ኣመስኪሩ፤ ‘ክንዲ ዓሰርተ’ ኣቢሉ’ዩ። ከም መርኣያኡ ኸኣ መዓርግ ክረክብ በቒዑ። እዚ ከኣ እንታይ ዓይነት ሰብ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘጒልሕ ካልእ ኣብነት’ዩ። 

3) ተቐባልነት፡

ተቐባልነት ሓምድ ዝገልጽ ነጥብታት እታ መጽሓፍ እልቢ የብሉን። ከምኡ ስለ ዝነበረ ከኣ’ዩ ኣበየ በታኡ ‘ርድኣና’ ዝበሃል ዝነበረ። ኣብ ልዕሊ ብጾቱ ሓልዮት የርኢ ብምንባሩ ሓደ ካብቲ ተቐባልነቱ ዘበረኸ ረቛሒ’ዩ። ኣብ ገጽ 17 ዘሎ፡ መቛርስቱ ገንዘቦም ክሕሽሽዎ ስለ ዘይደለየ ንቘልዓ ሰበይቲ ዝዀኖም ገንዘብ የጠራቕመሎም ብምንባሩ ከም ሓላፊ ጥራይ ዘይኰነ ከም ዓቢ ሓዎም ይርእይዎ ምንባሮም ዝገልጽ ትሕዝቶ ምስ እንምልከት ንብጾቱ ኣብ ኵሉ መዳያት ሂወት ክሕግዞም ድሌት ከም ዝነበሮን ክሳዕ ክንደይ ሓልዮት የርኢ ምንባሩን ኽንርዳእ ኣይክንጽገምን ኢና። እዚ ብህዝቢ ዝነበሮ ተቐባልነት ሓምድ ብረት ከልዕል ከም ዝኽእል ከም ኣመት ክውሰድ ይኽእል’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ንናተይ ዝብሎ፡ ዝኣምኖ ጥራይ’ዩ ከም ዘብ ክብርን ተቐባልነትን ዘርእዮ። ኣብ ትሕቲ ጭቆና ዝነበረ ህዝቢ ከኽብረካን ክኣምነካን እንተ ዀይኑ ጨቈንቱ ከተልግሰሉ ከም ኣትኽእል እንተ ወሓደ ወሓደ ኸኣ ብቓንዛኡ እትቕንዞ ክትከውን ኣለካ። ምስ ጨቈንቱ ኰይንካ እናኣጋፋዕካዮ ከም ሰብ ክርእየካ ኣይክእልን’ዩ። 

ኣብ መወዳእታ ዛጊት ተጠቒሱ ዘሎ ነጥብታት ሓምድ ዘይጸዓድ ተባዕ፡ ብሉጽ ወተሃደራዊ ብቕዓት ዝውንን፡ ንቕሓቱ ክብ ዝበለ፡ ንብጸቱ ዝሓልን ልዑል ተቐባልነት ዘለዎን ምንባሩ የብርሃልና። እዚ ‘ፈላሚ ሰውራ ክኸውን የኽእሎዶ?’ ንዝብል ሕቶ መልሱ ‘እወ’ ምዃኑ ኣየማትእን።

እዚ ትሕዝቶ ‘ጭልፋ ካብ ባሕሪ’ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። እምበር ‘ትብዓቱ’፡ ‘ወተሃደራዊ ብቕዓቱ’ ካልእን እናበልካ ብዙሕ ዓንቀጻትን መጽሓፍትን ክጸሓፍ ይከኣል’ዩ። 



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events