Dehai News

Serawr.com: ናይ ዓዲ ጥልያን ጋዜጣ ኣባ ሙሴ ሓሹሽ ዝሸይጥ ገበነኛ ከምዝነበረ ኣቃሊዑ – ንገበነኛታት መለኣኽቲ መሲሎም ክቀርቡ ዕድል ዝፈጠረ ሕማቕ ዘመን

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 20 September 2018

19 መስከረም 2018

ኣባ ሙሴ ዮስየፍ ዘርኣይ ከም ቀሺ ናይ ካቶሊክ ቤተክርስታይን ምዃኑ ዝግለጽ፣ ብስም ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣብ ምስግጋር ስደታኛታትን፣ ኣብ ፖለቲካዊ ጎስጓስን ዉዳበ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ንጡፍን ማእከላይ ተራ ክጻወት ዝጸነሐ ሰብ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይ ዓዲ ጥልያን ጋዜጣ ኣብ 1994 ብዝገበሮ ገበን ምሻጥ ናይ ሓሹሽ ንኽልተ ዓመትን ማእሰርትን ዓሰርተ ሚልዮን ሪለ ተፈሪዱ ከምዝነበረ ተቓሊዑ።

ነዚ ሓቒ ዝድግፍ ሰነዳት ዝርዝራቱ እቲ ጋዜጣ ኣቕሪቡ። ናይቲ ገበን ሰነድ ጽብጻብ ብዘርኣይ ፋይል 6939 ናይ 1994 ኣብ ናይ መርመራ ቤት ፍርዲ ቤት ጽሕፈት 7307/94 ብምሻጥ  2.2 ኪሎ ሓሽሽ ተኸሲሱ ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኽበን ዝተወሃቦ መቕጻዕትን ዘርዚሩ።

እቲ ጽሑፍ ብተወሳኺ እዚ ሰብ ኖብል ሽልማት ናይ ሰላም ኣብ 2015 ተሓጽዩ ከምዝነነረን፣ ብስም ግብረ ሰናይ ምሕጋዝ ሰደተኛታት ኢሎ ዝመስረታ ኤጀንሲ ባዕሉ ፕረሲደንታ ዝኾነን ሓበሻ ናይ ሓበሬታ ኤጀንሲ ትብሃል ንተሳገርቲ ስደተኛታት ናይ ቴለፎን ሓገዝ ትገብርን ንሰብ መዚ ድማ እተን ጃልባታት ምስተበገሳ ሓበሬታን መጠንቀቕታን ከምትህብን ይገልጽ።

ኣብ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስጋር ናይ ስደተኛታት ዝተገብረ መርመራ እዚ ዘርኣይ ዝበሃል ሰብ ምስ ትካሉ ስደተኛታት ምሕጋዝ ዘይኮነ ኣብ ገበን ተሓባባሪ ከምዃኑ ክሲ ከምዝቀበረሉ ዘርዚራ።

እዚ ኣብ ዝተሓተ ሓሹሽ ምሻጥ ዝተጨማለቐ ሰብ ብኸመይ መንገዲ ቀሺ ክኸውን በቒዑ? ምሲ ከምዚ ዓይነት ድሕረ ዝተሰነደ ድሕረ ባይታ ዘለዎ ሰብ ከመይ ኢሉ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር መስሪቱን ምስ ዓበይቲ ትካላትን ሰባት ናይቲ ሃገር ጥቡቅ ዝምድና መስሪቱ? ዝብሉ ርኡያት እቶታት እዮም።

ብተወሳኺ እዚ ዝሓለፈ ከቢድ ኩነታት ስጋብ ክንደይ ንገበነኛታት ምቹእ ከምዝነበረን ብኡ ምጠን ድማ ሕብሮም ቀቢኦም መለኣኽቲ ናይ ግብረ ሰናይ፣ ተጣበቒቲ ናይ መሰል ደቂ ኣዳምን ዲሞክራስን፣ ሓለይቲ ሃገርን ኮይኖም ብፖለቲካን ሃገርን ንግዲ ክነጥፉ ዘኽኣለ ከምዝነበረን እዚ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ኣብነት እዩ።

ንኹሉ ግን ግዜ ስለዘለዎ ሕጂ ኣብዚ ሓዲሽ ናይ ሰላም ዘበን ዝቃልዑሉን እዋን ምዃኑ ዘርእይ እዩ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events