Dehai News

(ሓዳስ ኤርትራ) ፍልይቲ ዕለት - ፍሉይ ታሪኻዊ ፍጻመ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 14 September 2018


ፍልይቲ ዕለት - ፍሉይ ታሪኻዊ ፍጻመ



ብ  ጳውሎስ ነታባይ

11 መስከረም 2018 ፈረንጂ፡ ከም ዕለት ፍልይቲ እያ። እቲ ምንታይሲ፡ 1 መስከረም 2011 - ሓድሽ ዓመት ግእዝን 1 መሓረም 1440 - ሓድሽ ዓመት ህጅሪያን ዝተጋጠማላ ብምዃና። መዝጊባቶ ዝሓለፈት ታሪኻዊ ፍጻመ እውን ፍልይቲ ይገብራ። ምኽንያቱ፡ ብሰንኪ ኲናት ንኣስታት 20 ዓመታት ተረጊጡ ዝጸንሐ፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ክልተ መስመራት መጐዓዝያ ምድሪ ደባይሲማ - ቡሬን ሰርሓ - ዛላምበሳን ዳግም ንኣገልግሎት ህዝብን ንብረትን ብወግዒ ዝተኸፍተላ እያ። 

ኣብ ከባቢ ቡሬ ንዝካየድ ታሪኻዊ ፍጻመ ንምቅላሕን ንምስናድን ዝተመዘዘ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና፡ ሰዓት 4፡00 ወጋሕታ’ዩ ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ገስጊሱ። ብድሮ ብርቱዕ ዝናብ ወቒዑ ስለዝነበረ፡ ሓያል ቊሪ’ዩ ነይሩ። ዘድሊ ቅጥዕታት ኣማሊእና ድማ ንምብጋስ ተዳለና።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዘሳፈረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኤርትራ፡ ሰዓት 5፡15 ናብ ዓሰብ ነቐለት። ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓደ ሰዓት በረራ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብ ኣብ ዝበጸሓትሉ፡ ሰማያት ሰግለለት’ኳ እንተነበሮ፡ ራህዲን ጸቕጢን ዝዓብለሎ ኩነታት ክሊማ’ዩ ተቐቢሉና። ወርሓቱ መስከረም ብምዃኑ ድማ፡ መምስ ዝተቘጽረት ደቒቕ፡ ዳህሪ ብሓደ ዲግሪ ሰንቲ-ግሬድ ዝውስኽ እንክመስል፡ መመሊሱ ክዓርግ ተፈለጠና።

ሰዓት 7፡15፡ ብሸነኽ ምብራቕ መዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብ፡ ቦዪንግ 737-800 ዝዓይነታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትሒታ ተቐልቀለት። ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ኣብ መሐምበቢ ጽርግያ፡ መውረዲ ኣስካላ ናብ’ታ ነፋሪት ተጸግዐ። ጒራ-ጒራ ዝሕብሩ ወተሃደራዊ ልብሲ ዝወደየ ላዕለዋይ በዓልስልጣን ኢትዮጵያ ክወርድ ተራእየ። ቀዳማይ ሚኒስተርን ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊትን ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ። ኤታ ማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኰነንን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኰነንን እውን በብሓደ ሰዓቡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስን ምስኡ ሓቢሮም ዝተጓዕዙ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራን ድማ፡ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ’ቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝጸንሓ ሰለስተ ሄሊኮፕተራት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ብቕጽበት ሓንቲ ድሕሪ ሓንቲ ሞቶረታተን ኣተንስኣ። መዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብ፡ ብድምጺ ተናወጸ። ነፍሲ-ወከፍና ናብ ዝተመደበትሉ ሄሊኮፕተር ምስ ተሰቕለ ድማ፡ ጒዕዞ ናብ ‘71’ - ከባቢ ቡሬ ኰነ። ኣብ ጒዕዞና፡ ኣብ’ቲ ጻሕ ዝበለን ዝዀነ ህይወታዊ ዝነብሮ ዘይመስልን ብመስኮት ዝረኣየና ቀላጥ ጐላጉል፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ልኡላውነት ሃገር ክደፍር ንዝመጸ ወራራት ዘፍ ዘበሉሉ፡ ምልክት ሓያል መኸተን ዘይተጸዓድነትን ዝዀነ ዝተኣሳሰረ ድፋዓት፡ ብንጹር ይርአ። 

እተን ሰለስተ ሄሊኮፕተራት፡ ሰዓት 8፡10 ኣብ’ቲ ናይ መወዳእታ መከላኸሊ መስመር ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝነበረ ከባቢ ቡሬ ከከም ኣበጋግሳአን ምስ ዓለባ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከብ ሰራዊት ኤርትራ፡ ብዘይካ’ታ ምልክት ቃልስን መስዋእትነትን ዝኾነት ጥውዮ ነጸላን ብራሾ ማይን፡ ብዘይዝኾነ ዕጥቂ ብኽልቲኡ ሸነኽ ናይ’ቲ ብቕጥራን ዝተለበጠ መስመር ንኣስታት ሰለስተ ኪሎሜተር ተዘርጊሑ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ብኽብሪ ተቐቢልዎም። ክልቲኦም መራሕቲ እውን፡ ካብ’ቲ ብሸነኽ ኤርትራ ነቲ ጽምብል ዝተተኽለ ዳስ ክሳብ’ቲ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ንተመሳሳሊ ዕላማ ዝተተኽለ ካልእ ዳስ ብእግሪ እናተጓዕዙ፡ ነቲ ታሪኻዊ ፍጻመ - ኣብታ ፍልይቲ ዕለት ንምጽምባል ንዝተኣከበ ህዝብን ሰራዊትን ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን ኣቕሪቦም። 

ኣብ’ቲ ንምቕባል ክልቲኦም መራሕትን ምብሳር ዳግመ-ምኽፋት ናይቲ መስመርን ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ ስዒድ ማንታይ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ካልኦት ሰበ-ስልጣንን፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ኤታ ማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነንን፡ ከምኡ’ውን ሱልጣን ረሓይታ ዓብዱልቓድር ዳውድ ዝርከቦም ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ብኣማኢት ዝቚጸሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኢትዮጵያን ተረኺቦም ነይሮም።

ድሕሪ’ቲ ጽምብል፡ ወለንታዊ ምትሕውዋስ ሰራዊት’ዩ ተራእዩ። ሓመዳዊ ወተሃደራዊ ክዳንን ሽዳን ዝለበሱ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ቀጠልያ ወተሃደራዊ ክዳንን ጸሊም ‘ጃዝማ’ን ዝወደዩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ክተሓቛቘፉን ናይ መዘከርታ ስእሊ ብእኩብን ብንጽልን ክስንዱን እዮም ተራእዮም። ‘ታች’ ሞባይላት ምልሕ - ምልሕ በላ። ኣማን ብኣማን - ፍቕሪ ይስዕር! 

ዝተወከስናዮም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሓላፊኦም - ተራኦም፡ ንእሽቶኦም - ዓቢኦም፡ ጓሎም - ወዶም፡ ቃሎም ሓንቲ’ያ ነይራ። “እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም፡ ፍረ ጽንዓት፡ ሓያል መኸተ፡ ረዚን መስዋእትነትን ዘይተጸዓድነትን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ መንእሰይ ወለዶ ድማ ብፍላይ፡ ከምኡ’ውን ልቦና መሪሕነትና እዩ’ሞ፡ ንዝጠፍአ ዕድላት ብልምዓት ንምኽሓሱ ወትሩ ድሉዋት ኣሎና።” ብምባል፡ ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ፡ ሓድሽ ዓመት ግእዝ፡ ሓድሽ ዓመት ህጅሪያን ሰናይ ክራማትን ተመንዮም። 

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ምስኦም ዝተጓዕዙ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ክልቲአን ሃገራትን ድሕሪ’ዚ ዳግመ-ምኽፋት መስመር ደባይሲማ - ቡሬ ዝተበሰረሉ ስነስርዓት፡ ናብ ኣስመራ ብምምላስ፡ ንተመሳሳሊ ዕላማ ናብ ነቚጣ ዶብ ሰርሓ - ዛላምበሳ እዮም ኣምሪሖም። ብኽልቲኡ ወገን ኣብ ዝተኻየደ ብሳዕስዒትን ምግላብ ስሉማት ኣፍራስን ዝተሰነየ ስነ-ስርዓት ድማ፡ ምኽፋት ናይ’ዚ ንኣስታት ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣገልግሎት ኣቋሪጹ ዝጸንሐ ምስ ወደብ ባጽዕን ካልኦት ከተማታት ኤርትራን ዝተኣሳሰር መስመር ኣበሲሮም።

እቲ ብ9 ሓምለ 2018 ዝተኸተመ “ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን”፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መጐዓዝያ፡ ንግዲን ቴሌኮሚኒኬሽንን ርክብ እንደገና ክጅምር ዝብል ነጥቢ ይርከቦ። በዚ መሰረት፡ ቀጥታዊ ኣገልግሎት ቴሌኮሚኒኬሽን ብ9 ሓምለ፡ ኣገልግሎት መጐዓዝያ ኣየር 18 ሓምለ፡ ኣገልግሎት መጐዓዝያ ባሕሪ ድማ 5 መስከረም ከምዝጀመረ ይዝከር። 

እዚ፡ ምስ ዳግመ-ምኽፋት መስመራት መጐዓዝያ ምድሪ ደባይ-ሲማ - ቡሬን ሰርሓ - ዛላምበሳን ተደሚሩ፡ “ክልቲኦም መንግስታት፡ ህያው ረብሓታት ህዝብታቶም ንዘገልግልን ዘሳጒምን ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን ምትሕብባር ክሰርሑ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት፡ ናይ መጐዓዝያን ንግድን ቴሌኮሚኒኬሽንን ርክብ እንደገና ኪጅመር” ዝብል ካልኣይን ሳልሳይን ዓንድታት “ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን”፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ምሉእ ብምሉእ ምትግባሩ ዘረጋግጽ’ዩ። 





6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events