Date: Tuesday, 11 September 2018
ንከባቢ 20 ዓመታት ሲቪላዊ ምንቅስቓስ ሓሪምዎ፡ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፋጢጦም ዝተሓላለዉሉ ዝነበረ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሎሚ ሓድሽ ምዕራፍ ተኸፊትሉ ኣሎ።ዛላምበሳ ንኢትዮጵያዊት ከተማ ኣዲግራትን ኤርትራዊት ከተማ ሰንዓፈን እተራኽብ ኣገዳሲት ዶባዊት ከተማ ኢያ።
ትማሊ ነቲ ናይ እምኒ ድፋዓት ብምፍራስን ኣብ ምድሪ ተተኺሉ ንዝነበረ ፈንጅታት ብምጽራይ ዝጀመረ በዓል ቅዱስ ዮዉሃንስን ሓድሽ ዓመትን፡ ሎሚ ዓበይቲ ዳሳት ተተኺሉ ካብ ክልቲኡ ወገን ህዝብን ሰራዊትን ተኣኪቡ ብድምቀት የብዕል ኣሎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሎሚ ኣንጊሆም ኣብ ግንባር ቡሬ ብምርኻብ ንመስመር ቡሬ ማንዳ ብወግዒ ከፊተምዎ ኣለዉ። ኣብዚ ናይ ዛላምበሳ ዓብይ ህዝባዊ በዓል ድማ ተረኺቦም።
ኣብቲ በዓል ናይ ክብሪ ጋሻ ኾይኖም መደረ ዘስምዑ፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረ ሚካኤል፡ እዚ ሰላም ክውን ክኸውን ዝገበሩ ዝበሉዎም ክልቲኦም መራሕቲ ሃገር ዝያዳ አመስጊኖም።
'ን20 ዓመተታት ናይ ቀረባ ርሑቕ ኮይንና፡ እናሃለና ከምዘየለና ኮይና ፀኒሕና። ነዚ ቀይርኩም መገዲ ሰለም ስለዝኣወጅለኩም፡ ምስጋና ይግበአኩም።" ኢሎም።
ክመኡ'ውነ፡ እዚ ናይ ሰላም ዕድል ተጠቒምና ናብ ዝለዓለ ልምዓትን ብልፅግናን ክንሸጋገር ኢና ክብኡ ወሲኾም ተዛሪቦም።
"ዛዕባና ዛዕባ ዳግም ምትህልላቕ ኣይኮነን። ዳግም ሰላም እዩ። ኣቱም መናእሰይ ንክትቀታተሉ ድፋዕ ኣይነውርሰኩምን። ዕድመኹም ዘንውሕ ሕውነትን ምትሕልላይን ኢና ክነውርሰኩም።"
"ብዘተ ዘይፍታሕ ፀገም ኣይህሉን። ካባና ዘድሊ ካብ ኣፍንጫኻ ኣርሒቕካ ምሕሳብ ጥራሕ'እዩ" እውን ኢሎም።