Dehai News

(ቢቢሲ) ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን በዓል ቅዱስ ዮዉሃንስ ብሓባር የብዕሉ ኣለዉ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 11 September 2018

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን በዓል ቅዱስ ዮዉሃንስ ብሓባር የብዕሉ ኣለዉ

ክልተ ኣዴታት

ንከባቢ 20 ዓመታት ሲቪላዊ ምንቅስቓስ ሓሪምዎ፡ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፋጢጦም ዝተሓላለዉሉ ዝነበረ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሎሚ ሓድሽ ምዕራፍ ተኸፊትሉ ኣሎ።ዛላምበሳ ንኢትዮጵያዊት ከተማ ኣዲግራትን ኤርትራዊት ከተማ ሰንዓፈን እተራኽብ ኣገዳሲት ዶባዊት ከተማ ኢያ።

ትማሊ ነቲ ናይ እምኒ ድፋዓት ብምፍራስን ኣብ ምድሪ ተተኺሉ ንዝነበረ ፈንጅታት ብምጽራይ ዝጀመረ በዓል ቅዱስ ዮዉሃንስን ሓድሽ ዓመትን፡ ሎሚ ዓበይቲ ዳሳት ተተኺሉ ካብ ክልቲኡ ወገን ህዝብን ሰራዊትን ተኣኪቡ ብድምቀት የብዕል ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሎሚ ኣንጊሆም ኣብ ግንባር ቡሬ ብምርኻብ ንመስመር ቡሬ ማንዳ ብወግዒ ከፊተምዎ ኣለዉ። ኣብዚ ናይ ዛላምበሳ ዓብይ ህዝባዊ በዓል ድማ ተረኺቦም።

ኣብቲ በዓል ናይ ክብሪ ጋሻ ኾይኖም መደረ ዘስምዑ፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረ ሚካኤል፡ እዚ ሰላም ክውን ክኸውን ዝገበሩ ዝበሉዎም ክልቲኦም መራሕቲ ሃገር ዝያዳ አመስጊኖም።

ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

'ን20 ዓመተታት ናይ ቀረባ ርሑቕ ኮይንና፡ እናሃለና ከምዘየለና ኮይና ፀኒሕና። ነዚ ቀይርኩም መገዲ ሰለም ስለዝኣወጅለኩም፡ ምስጋና ይግበአኩም።" ኢሎም።

ክመኡ'ውነ፡ እዚ ናይ ሰላም ዕድል ተጠቒምና ናብ ዝለዓለ ልምዓትን ብልፅግናን ክንሸጋገር ኢና ክብኡ ወሲኾም ተዛሪቦም።

"ዛዕባና ዛዕባ ዳግም ምትህልላቕ ኣይኮነን። ዳግም ሰላም እዩ። ኣቱም መናእሰይ ንክትቀታተሉ ድፋዕ ኣይነውርሰኩምን። ዕድመኹም ዘንውሕ ሕውነትን ምትሕልላይን ኢና ክነውርሰኩም።"

"ብዘተ ዘይፍታሕ ፀገም ኣይህሉን። ካባና ዘድሊ ካብ ኣፍንጫኻ ኣርሒቕካ ምሕሳብ ጥራሕ'እዩ" እውን ኢሎም።


ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤለ፡ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣቶ ደመቀ መኮነን
ናይ ምስሊ መግለጺ -TIGRAY TVዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤለ፡ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣቶ ደመቀ መኮነን
እቲ ዕርቀ ሰላም ምሰተኣወጀ፡ ኣቐዲሙ ብናይ ኣየር በረራ ዝጀመረ ርክብ እዘን ክልተ ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፍርያት ቢሻ ናብ ቻይና ንምጉዕዓዝ ብጨረታ ዝተዓወተ ትካል መራኽብ ንግዲ ኢትዮጵያ፡ 'መቐለ' ዝተሰምየት መርከቡ ኣብ ወደብ ባጽዕ ክዕሽግ ክኢሉ ኢዩ።





EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events