Dehai News

Shabait.com፡ ትስፉው ንቕሎ-ንሓባራዊ ዕቤት!

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 09 September 2018

8 መስከረም 2018 ዓም ፈረንጂ

http://www.erigazette.org/wp-content/uploads/2018/05/MOIeritrea-150x150.jpg

መራሕቲ ሃገራት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን፡ 5 መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ፡ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ፡ ንኣጠቓላሊ ዞባዊ ምትሕብባር ሓባራዊ ኣዋጅ ምኽታሞም፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዝርከብ ሓድሽን ትስፉውን ምዕባለ ተወሳኺ ሓይልን ድርኺትን ዝህብ ዓቢ ብስራት ንህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ እዩ። ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ንሰላምን ጸጥታን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክንዮኡን ብሓባር ክሰርሑ ዝበጽሕዎ ስምምዕ ትግባረኡ ንምክትታል ዘቘምዎ ሓባራዊ ኮሚተ፡ ብኡ ንብኡ ኣብ ጅቡቲ ዝፈጸሞ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ድማ፡ ምጅማር ናይዚ ሰናይ ንቕሎ ዝኣመተ ዓቢይ ፍጻመ ትስፉው ንቕሎንሓባራዊ ዕብየት ናይዚ ሰሙን እዩ።

መራሕቲ ሃገራት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ናይ ህዝብታቶም ጥቡቕ ጂኦግራፊያዊ፡ ታሪኻዊ፡ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ምትእስሳር፡ ከምኡውን ናይ ሓባር ረብሓታትን መጻኢ ዕድልን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ከም መበገሲ ንዝበረኸ ዕላማ ብምውሳድ፣ ሃገራዊ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሓድሕድ ብምክብባር፡ ብሓባር ክሰርሑ ወሲዶሞ ዘለዉ ተበግሶ፡ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ባህጊ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

ራእይ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፡ ሰላምን ፍትሒን ዝሰፈና ሃገር ልምዓትን ቀጻሊ ዕብየትን ምህናጽ እዩ። እዚ ዘቤታዊ ራእይ ክሰምር ከኣ፡ ህላወ ርጉእን ተመላላእን ጎዶቦ፡ ቅርዕው ዞባዊ ዝምድናታትን ሽርክነትን ወሳኒ ምዃኑ፡ ብዓንተቦኡ ጽኑዕ እምነት ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ እዩ ነይሩ። ካብዚ እምነት ብምብጋስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን ደማዊን ሓርነታዊ ኲናት ልኡላውነቱ ምስ ኣረጋገጸ፡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ጉርብትናን ምሕዝነትን ክፈጥር እዩ ብሂጉ። ዕላማ ናይቲ ክቡር መስዋእቲ ዚኸፈልሉ ቃልሲ፡ ምርግጋጽ ሰላም፡ ሰናይ ጉርብትና፡ ምርግጋእን ሓባራዊ ዕብየትን ስለዚነበረ።

በዚ ሰፊሕ ልቦናዚ፡ ዚሓለፈ ጸሊም ምዕራፍ ተዓጽዩ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሓጺር ግዜ ረባሕቲ ናይቲ ዝተፈጥረ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ኪኾኑ በቒዖም ነይሮም። ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዚሰፈነ ናይ ሰላምን ምትሕብባርን ሃዋህው ድማ ንምሉእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዚጸለወ ምዕባለታት ወሊዱ። ኣብ ምክልኻል ደርቂ ጥራይ ኣተኲሩ ዚነጥፍ ዚነበረ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ዕላማታቱ ናብ ልምዓትን ምትሕግጋዝን ሃገራት ናይዚ ዞባ ከምዚሰፍሕ ተገይሩ። በዚ ከኣ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምሉኡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ሓባራዊ ዕብየት ከማዕዱ በቒዑ ነይሩ። እንተኾነ በቲ ስዒቡ ዝመጸ ዘይተደልየ ኩነታት፡ እቲ ባህጊ ክሰምር ኣይከኣለን። እዚ ሕጂ ብሰለስቲኦም መራሕቲ ሃገራት ተወሲዱ ዘሎ ተበግሶ እምበኣር ናብቲ ዝተዀልፈ ቅዱስ ዕላማን ራእይን ዝመልስ፡ ተስፋ ዝህብ ንቕሎ እዩ። እዚ ተበግሶ ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ከይተሓጽረ ንካልኦት ሃገራት ናይዚ ጎደቦ እውን ዝጽንብር እዩ።

ሽርክነትን ተመላላእነትን ደረኽቲ ቁጠባዊን ባህላዊን ስልጣነ እዮም። ክንዲ ዝኾነ፡ ናይ ሓባር መጻኢን ዕድል ዝጠምሮም ህዝብታት፡ ዘለዎም ሓባራዊ ረቛሒታት ብምድማቕ፡ ንልምዓትን ምዕባለን ሓነቕቲ ዝኾኑ ፍልልያት ብምህሳስ፡ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሓድሕድ ብምክብባር፡ ባህላዊን ቁጠባዊን ምትእስሳር ዜደልድል፣ ሕውነት፡ ማዕርነትን ምትሕብባርን ዜማዕብል፣ ሓባራዊ ቁጠባዊ ምዕባለን ሽርክነትን ዜደንፍዕ ባይታ ክፈጥሩ፡ ጉዕዞ ዕብየት ዘሐንብብ ልክዕ ሕርያ እዩ። ነዚ ሓቂ ብምግንዛብ እምበኣር ኩሎም መንግስታትን ህዝብታትን ዞባናን መሻርኽቲ ልምዓት ወገናትን፡ ነዚ ብመራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ተበጊሱ ዘሎ ሃናጺ ዞባዊ ጽምዶ ክስዕብዎን ክድግፍዎን ትጽቢት ናይ ኩሉ ደላይ ሰላምን ምዕባለን እዩ።

 


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events