Dehai News

**ጎብለል ኢቲ ቀደም ተከቢቡ ብብጾቱ** ብብጻይ ሕሩይ ክብረኣብ ካብ ከተማ ኡልም (ጀርመን)

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Tuesday, 21 August 2018



*ጎብለል ኢቲ ቀደም ተከቢቡ ብብጾቱ *

ገለ ኣያታቱ
ገለ ኣቦታቱ
ገለን ዓያታቱ

     ቀጺሎም ደቁ ንኣሽቱ
      ኮይኖም መማክርቱ
      ብጾት መሳርሕቱ
      ናብ ሓጽቢ መጋይይቱ
 
ውፉይ ወዲ ህዝቢ
ንጽህ ጻዕራም ነቢ
*ብደቂ ደቅካ ክቢ*
ምርቃ 'ዩ  ስርቢ
ትምኒቶም'ዩ ብልቢ

      ተተወለደ ንዓካ ዝሓሪ
 ስለ ትውንን ፍሉይ ባህሪ
ስለ ውዕሎካ ስራሕ ግብሪ
ስለ ዘውሓስካ ስላም ነባሪ
ካይተሓለልካ ብትዕግስቲ ጻዕሪ፡
ዕድመ ጥዕና ይሃብካ ፈጣሪ፡

*ጎብለል ወዲ ኣፎም ወናን ዓቅሊ*
      ዓወት ንሓፋሽ 
      ሕሩይ,

Dr. Fikrejesus Amahazion at the XXIX International Rosa Luxemburg Conference in Berlin on January

Dehai Events