Dehai News

BBC.com: ዕርቀ ሰላም ክሳብ ክንድዚ ቀሊል እንተነይሩ፡ ስለምንታይ ኣሽሓት መንእሰያት ጠፊኦም?

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Wednesday, 08 August 2018

ሓጺር ርእይቶይ ኣብዚ ዛዕባ፡ እዚ ኣርእቲ`ዚ ብመሰረቱ ዶንቆሮን ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣርእስቲ እዩ። ቀጺሉ ዝስዕብ ገምጋም ድማ፣ ሃንድስቲ ናይ`ዚ ኣርእስቲ ዶናቑርን ሓላፍነት ዝጎዶሎምን እዮም። ምኽንያቱ ብቐሊሉ ዝመጽእ ሰላም ኮነ ዕርቀ-ሰላም ፍጹም የሎን። ሰውራ ኤርትራ ንሰላም ክደልያን ከምጽኣን ን30 ዓመት ተዋጊኡን ከቢድ ናይ ሂወት መስዋእቲ *ልዕሊ 65 ሽሕ ተጋደልቲ* ከፊሉን እዩ ኣብ መደምደምታ  ሰላም ኣምጺኡዋን ረኺቡዋን። ብድሕሪ ነጻነት`ውን መንግስቲ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ዳግመ-ህንጸት ሃገር ተጸሚዶምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፣ እቲ ጠላምን ዓሌታውን ዓማጽን ብህውሓት ዝምራሕ ሰርዓት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንምጉባጥ ኣብ ዘበገሶ ቅሉዕ ወራር፣ ህዝብን መንግስቲ ኤርትራን ንሃገሮም ካብ ዓማጽን ወራርን ባዕዲ ንምክልኻልን ንምድሓንን ከቢድ ዳግማይ መስዋእቲ *ኣስታት 20 ሽሕ ዕጡቓት * ከፊሎም እዮም። በቲ ጸቢብን ኣረሜናዊ ህውሓት ዝምራሕ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ዓውደ-ውግእ ምስ ፈሸለን ምስ ተሳዕረን`ውን ነቲ እግባይ ዘይበሃሎን ናይ መወዳእታ ቀያዲ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ኣህጉራዊ ብይን ተሓሲምዎ ንኤርትራ ከም ሃገር ንምቕሃምን ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ንምብትታንን ብእዉጅ ከም ዕላማ ንኣስታት 16 ዓመታት ክሰርሓሉ ጸኒሑን እዩ።
 
ሳላ እቲ ሓቀኛ መትከላዊ መንግስቲ ኤርትራን ጽኑዕን ዓቃልን ህዝቢ ኤርትራን ጀግና ሰራዊት ምክልካል ህዝቢ ኤርትራን ዘካየድዎ ዘይሕለል ቃልስን ዝኸፈልዎ ከቢድ መስዋእትን ድማ ስርዓት ቦኽባኽ ህውሓት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቂዑን ኣብ ገረወኛ ተጓሒፉን ኣብ ኢትዮጵያ ካልእ መሪሕነት ስለ ዝመጸን ነቲ ኤርትራ ን16 ዓመታት ምእንቲ ሰላም ዝተቓለሰትሉን ከቢድ ኩለንተናዊ መስዋእቲ ዝኸፈለትሉ ብይን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ስለተቐበለ ኣፈናዊ ሃዋህው ሰላም ክመጽእ ክኢሉ። እምበኣርከስ ሰላም ብዘይ ክቡር ዋጋን ጽንኩር ቃልስን ፍጹም ኣይመጽእን እዩ። ስለዚ እዚ "ዕርቀ ሰላም ክሳብ ክንድዚ ቀሊል እንተነይሩ፡ ስለምንታይ ኣሽሓት መንእሰያት ጠፊኦም?" ዝበልካዮን/ዝበልኩሞን ንሕሱር ሸቐጥን መደናገርን ዘቕረብካዮ/ዘቕረብኩሞን ኣርእስቲ ዕሙት ድንቁርናን ሓላፍነት ዝጐደሎን ኣምር እዩ።
 
ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም
ነሓሰ 08, 2018 ዓም ፈረንጂ
https://ichef.bbci.co.uk/news/660/cpsprodpb/11BC6/production/_102864627__96804935_bfa7a324-f48d-4579-aa8c-447e413a2ffc.jpg
Image copyright Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘበን፡ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ጂቡቲን ኤርትራን፣ ኤርትራን የመንን ብዶባት፡ ሱዳንን ኤርትራን፣ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ሶማል ኣብ ንሓድሕዶም፡ ሰሜንን ደቡብን ሱዳን፡ ክልተ ሱዳን ኣብ ነንሓድሕዶም፡ ብስነ-ሓሳባዊ ፍልልይን ብውድድር ስልጣንን ተዋጊአን።

ብሰንኪ ኲናትን ኲናት ዘስዓቦ ምምዝባልን ኣሻሓት ንጹሃት መንእሰያት ጠፊኦም፣ ማእለያ ዘይብሉ ጸጋ-ሃገር በሪሱ፣ ክንደይ ዕድላት ተኾሊፉ፣ ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ተመዛቢሉ። እቲ ዝፈሰሰ ደም ድማ ሓያል ጽልኢ ኣኸቲሉ፡ ኣሻሓት መንእሰያት ፈቐድኡ ተሰዲዶም።

ብዙሓት ካብቶም ዝተሰዱ፡ ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ብጥሜትን ጽምእን ሞይቶም፡ ደቂ ኣንስትዮ ብሸፋቱ ሰሃራን ሲናይን ተደፊረን መንእሰያት ብጥሩፋት ሓይልታት ተሰይፎም፡ ብሓደጋ ማዕበል ሜዲተራንያን ተቐዚፎም።

እቶም ንናጽነቶምን ብሄራዊ መሰሎምን ሓቢሮም ዝተቓለሱ፡ ተሰፋ ኣፍሪቃ ተባሂሎም ዝተሞጎሱ፡ መለስ ዜናውን ኢሳይያስ ኣፍወርቅን፡ ሻብዓይ ዓመት ዓወቶም ከይጸምበሉ ብዶባት ብዘሳበቡዎ ኩናት ተዋጊኦም።

ደራሲ፣ ጋዜጠኛን ተመራማሪ ታሪኽን ዳን ኮኔል "ክኸውን ዘይነበሮ፡ ኣዕናዊ ኲናት" ክብል ዝገለጾ ኣስካሕካሒ ኩናት ኣሕሊፎም።

ክልቲኦም መራሕቲ ሓያሎ ፈተውትን መሓዙትን በጃኹም ተዓረቑ እናበሉዎም፡ ዕጭ ሓንፊፎም፡ ኣስታት ሚእቲ ሽሕ መንእሰያት ኣጥፊኦም፤ ብኣሃዝ ዘይግለጽ ዕድላት ህዝቢ ኮሊፎም።

እቲ ዘሰሓሓበ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ፈትየን ረድየን ብዝሓረይኦ ኮሚሽን ተበይኑ ክነሱ፡ ኢትዮጵያ ቅድም ንዛተ ክትብል፡ ኤርትራ ኸኣ ፍርዲ ዝሃበና ንቀበል ክትብል ን18 ዓመታት ኣብ ኣይ-ሰላም፡ ኣይ-ኩናት ጸኒሐን።

ክልቲኦም ስርዓታት፡ "ጸላኢ ጻላኢየይ ፈታዊየይ" ብዝብል መትከል እቲ ሓደ ውድቀት መቐናቕንቱ ክርኢ፡ ብኹለንትናኦም ሰሪሖም።

ኤርትራ ንተቓወምቲ ውደባት ኢትዮጵያ፡ "ኦነግ፡ ደምሒት፡ ግንባር ሓድነት ኦጋዴን፡ ግንቦት ሸውዓተን" ካልኦትን ኩለንትናዊ ደገፍ ሂባ።

ኢትዮጵያ ብወገና ኣስታት ንኹሎም እቶም ኣብ መሬታ ክንቀሳቐሱ ዝፈቐደትሎም ተቓወምቲ ውድባት ሓጊዛ፤ እቲ ምትህልላኽ ኣብኡ ኣየብቀዐን።

https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/142D6/production/_102864628__102586399_cry.jpg
Image copyright Reuters

ኤርትራ ሶማል

ኤርትራ፡ ሞራላዊ ሓላፍነተይ ንኽፍጽም ኢላ ነቶም፡ ብሰንኪ ምትእትታው ሓይልታት ግዳም ተመቓቒሎም" እትብሎም ጉጀለታት ሶማል፡ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ተዛትዮም ናይ ሓባር ማእከላይ መንግስቲ ንኽምስርቱ ኣብ ኣስመራ ክጋብኡ ዓዲማቶም።

ህዝብን ሓይልታት ሶማል፡ ሞራላዊ ደገፍ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ከምዘይፍለዮም ከኣ ብማዕከናት ዜናኣ ከይተረፈ ብወግዒ ገሊጻ።

ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ሓሰን ኣሕመድ ደሕሊ "መልሲ ንዓማጺ ክሲታት ባይቶ ጸጥታ" ኢሉ ዝጸሓፎ ዓንቀጹ፡ ባይቶ ጸጥታ፡ "ኤርትራ፡ ሰላምን ዕርቅን ሶማል ንምዕንቃፍን ዞባዊ ርግኣት ንምህዋኽን ንዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ፖለቲካዊ፡ ፋይናንሳውን ሎጂስቲካውን ሓገዝ ትህብ ኣላ" ክብል ንዘቕረቦ ክሲ፡ "ኤርትራ ኩሎም ሶማላውያን ኣብ ሓደ ሃገራዊ ፕሮግራም ተሰማሚዖም ሽግሮም ንኽፈትሑ፡ ንኹሎም ሓይልታት፡ እንተላይ ንምሁራትን ወከልቲ ሲቭላዊ ሕብረተሰብን ከምዝሓገዘት ጽሒፉ።

ኣይዶንጎየትን፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ብሶማል ሓዲሽ ግንባር ከፊታ ብውክልና ትዋጋኣኒ ኣላ ክትብል ከሲሳ። ኤርትራ ግን ጠቐነ እዩ ክትብል መሊሳ።

እቲ ክሲ፡ ብኢጋድ ገይሩ፡ ናብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ካብኡ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሰጊሩ። ሕቡራት ሃገራት ነቲ ክስታት ዘጻሪ መርማሪ ኮሚሽን ኣቚሙ ጭብጥታት ክኣኻኽብ ጽዒሩ።

ዛንታታት ተጸብጺቡ ከኣ ኤርትራ ምስ ኣልቃዒዳ ምትሕብባር ንዘለዎ ኣልሸባብ በጽዋርን ታዕሊምን ትድግፍ እያ ተባሂላ ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ተበይኑላ።

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን " እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ምኽንያታት ኣብ ሓቂ ዝተሞርኮሰ ኣይንበረን። ግን ኤርትራ ድሮ ካብ ኢጋድ ስሒባ ስለዝነበረት ነብሳ ክትከላኸል ኣይከኣለትን" ክብል ይገልጾ።

ኤርትራ፡ እቲ ክሲ ኣብ ኢጋድ ምስቀረበ ኮነ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክሰግር እንከሎ ክትምክቶ ዕድል ኣይነበራን። ብሰንኪ ዲፕሎማሲያዊ ድኽመታ ከኣ፡ ነቲ ጉዳይ ውዒላቶ እያ ተባሂላ ግዳይ ማዕቀብ ኮይና።

ዳሕራይ ድሕሪ ክንደይ ዓመታት ግን እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ኣጻራይ ኮሚሽን ጭብጢ ከምዘይረኸበ ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ኹሉ፡ ሞራላውን ታሪኻውን ሃስያ፡ ኤርትራ ምስ ጥሩፋት ትተሓባበር ምንባራ ዘረድእ መርትዖ ኣይተረኽበን ምስተባህለ፡ እቲ ማዕቀብ ደኣ ኣብ ምንታይ ተሞርኪሱ እዩ ተፈጺሙ ዝብል ሕቶ ከልዕል ባህሪያዊ እዩ።

አሕመድ ኣልቀይሲ ንፖለቲካ እቲ ዞባ ብዕምቆት ዝከታተል ኤርትራዊ ፖለቲከኛ ፡ ሕቡራት ሃገራት ኩሉ ሳዕ ፍትሒ ከምዘየሳሲ፡ እቲ ጉዳይ ዘለዎ ንጉዳዩ ባዕሉ እንተዘይመኪቱዎን እንተዘይሰሪሑሉን እቲ ዲፕሎማሲያዊ መሓውርን መርበብን ዘለዎ ክዕወተሉ ከምዝኽእል ይሕብር።

ኤርትራን ጅቡትን

ኣብ 2008 ኤርትራን ጂቡቲን ብዶባት ተሰሓሒበን - ተዋጊኦን፤ ሞትን መውጋእትን ምምራኽን ስዒቡ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/354E/production/_102864631__89964756_img_3205.jpg

ኣብ 2010 ቐጠር ንኽልቲአን ሃገራት ብመንጎኝነት ሸምጊላተን፡ ኣብቲ ዘሰሓሕብ ዶባት ከኣ ሰራዊታ ከም ዓቃብ ሰላም ኣስፊራ።

እንተኾነ ቐጠር፡ ምስቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ምስተሰሓሓበት፡ ጂቡቲን ኤርትራን ምስ ስዑዲን ኢመሬትን ስለዝወገና ቐጠር፡ ሽምግልና ዶባት ኤርትራን ጂቡቲን ሓዲጋ ኣብ ሰነ 2017 ዓቃብ ሰላም ሰራዊታ ስሒባ ምውጽኣ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኤርትራን ሱዳንን

ኣብ ጥሪ 2018 ስርዓት ሱዳን፡ ኤርትራ ምስ ሰራዊት ግብጺ ኮይና ብምብራቕ ትህድደኒ ኣላ ብምባል ምብራቓዊ ዶባታ ዓጽያቶ።

ምስ ኤርትራ ዝነበራ ዝምድና ከኣ ሓርፊፉ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ጋዜጣታት ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ብቕዓት ተዋሳእቲ ዝጎደሎ ፖለቲካዊ ድራማ ክብል ነቲ ክሲ ነጺጉዎ።

በንጻሩ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ስምምዕ ተፈራሪመን፡ ብምብራቓዊ ዶባት ወተሃደራተን ከምዝኣኻኸባ ኤርትራ ገሊጻ።

ብ14 ግንቦት እውን ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ "ክልቲኦም መንግስታት፡ [ኢትዮጵያን ሱዳንን] "ንዕጡቓት ተቓውምቲ ኤርትራ፡ ዝብልዎም፡ ብዝግባእ ተርኦም ምእንቲ ከሰላስሉ፡ ኣብ ደዶባቶም ምሉእ ደገፍ ኪህብዎምን ኣብ ዶባቶም ካብን ናብን ብሓርነት ኪንቀሳቐሱ መሳለጥያታት ከዋድዱሎም ከምእተሰማምዑን ኣብቲ ጉዳይ፡ ቐጠር እውን ትዋሳእ ምህላዋ ብወግዒ ሓቢሩ።

እንተኾነ ድሕሪ ወርሒ ኣቢሉ፡ ድሕሪ 20 ዓመታት ሰብኣውን ንዋታውን ብኽነት፡ ናይ ግዜን ዕድልን ክሳራ፡ ፈጻሚ ስራሕ ኢሂወደግ ንብይን ኮሚሽን ዶባት ምሉእ ብምሉኡ ከምዝተቐበሎ ሓቢሩ። ኣይዶንጎየን ብወገን ኤርትራ ተቐባልነት ረኺቡ።

ፈለማ ብልኡኻት ዳሕራይ ግን መራሕቲ ሃገር ኤርትራን ኢትዮጵያን ተበጻጺሖም፡ ዕርቀ ሰላም ተፈራሪሞም ኩነተ-ኩናት ምብቅዑ ኣዊጆም።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ኩነታት፡ ብዋሺንግተን ዝተደፍአ ወያን ብኽድምና ዝዓየሉ ንኤርትራ ንምዕናው ዝካየድ ዘሎ ውዲት እዩ ክብል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ፡ ብትዕቢት ልዕልናን ኢሳይያስ ዝተፈጥረ ዝርገተ ሰላም እዩ ክብሉ፡ ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ወጥሪ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ዕርቅን ሰላምን ኮይኑ።

በቲ ኩነታት ዝተገረመ ምሁር ኣፈታትሓ ግርጭት ኤልያስ ሃብተስላሰ፡ "ሰላም ምግባር ክሳዕ ክንድኡ ቀሊል ክነሱ፡ ስለምንታይ እዩ እዚ ኩሉ መንእሰይ ጠፊኡ" ንድሕሪት ዚጥምት መጐተ ዀይኑ፡ ዝብል ሕቶ ብምቕራብ በቲ ዝጠፍአ ህይወትን ዝተኸስረ ዕድልን የስተንትን።

እንተኾነ፡ ይብል ኤልያስ፡ " ሰላም መወዳድርቲ ዘይብሉ ህያብ'ዩ" ብምባል፡ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኣብ ዝብጻሕ ንኪበጽሕ፡ ኩሉ ሰብ በብዓቕሙ ክድግፎን ክሕብሕቦን ይምሕጸን።

ድሕሪ እቲ ኣገራምን ቅልጡፍን መስርሕ ሰላም፡ ኣይዶንጎየትን ጂቡቲ፡ ምስ ኤርትራ ክትዕረቕ ከምእተደሊ ናብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ልኢኻ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ብዘርኣዩዎ ናይ ሰላም ጻዕሪ፡ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኒሻን ዛይድ ተሸሊሞም፤ ኣቢይ ንኣመሪካ ኢሳይያስ ንኣስመራ ኣምሪሖም።

ኣብ ሳልስቱ፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማል፡ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ ኣብ ኤርትራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ምስ ኤርትራ ኣብ ዓውድታት ጸጥታ፡ ቁጠባዊ ምዕባለ ከምኡ'ውን ኣብ ዞባዊ ውህደትን ርግኣትን ሓቢሮም ክሰርሑ ተሰማሚዖም።

እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ልምዓታዊ ቦታታት ዝበጽሐ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ፡ ንዶክተር ኣቢይ ተኸቲሉ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ ውህደት ክረጋገጽን ናጻ ንግዳዊ ስምምዓት ክህሉን እንተኾይኑ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል ሓቲቱ።

እንተኾነ እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምስ ኤርትራ ንክዕረቕ ናብ ሕቡራት መንግስታት ደብዳበ ዝለኣኸ መንግስቲ ጂቡቲ፡ ፕረዚደንት ሶማል ንዘቕረቦ ምልዓል እገዳ ብትሪ ተቓዊሙዎ።

ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ፡ ንፖለቲካ እቲ ዞባ ብዕምቆት ዝከታተል ኤርትራዊ ፖለቲከኛ አሕመድ ኣልቀይሲ፡ ጂቡቲ፡ "እቲ ኣብ ዓሰብ ተኸዚኑ ዘሎ ዕጥቅን ኣጽዋርን ሕቡራት ኢመሬይት ዓረብ፡ ኣብ መወዳእትኡ ኣብ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ እንተኣትዩ ስግኣት ስለዝፈጥረላ'ያ እቲ ማዕቀብ ክለዓል ዘይትደልዮ!" ክብል ርእይቶኡ ይህብ።

ብተወሳኺ እቲ ብወደባታ እተእትዎ ዝነበረት ሚልዮናት ኣታዊ እውን ምስ ምኽፋት ወደብ ዓሰብ ክግማዕ ስለዝኽእል ካልኣይ ሻቕሎት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር ጂቡቲ እውን ባዕላ ነቲ ሰላም ስለእትደልዮ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ምስ ኤርትራ ዝምድናኣ ዘመሓየሸት ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራን ጂቡትን ንምትዕራቕ ትሰርሕ ምህላዋ፡ ኣምበሳደር እታ ሃገር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተቀዳ ኣለሙ ምሕባሩ ይዝከር።

ነዚ ምዕባለታት ዝከታተሉ ዘለዉ ፖለቲከኛታትን ምሁራትን እቲ ዞባ እምበኣር፡ "ዕርቀ ሰላም ክሳብ ክንድዚ ቀሊል እንተነይሩ፡

ስለምንታይ ኣሽሓት መንእሰይ ጠፊኦም? ዝብል ሕቶ እኳ እንተልዓሉ፡ ሰላም ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣገዳሲ ምዃኑን ፍጻሜኡ ክርእዩ ከምዝብህጉ ይገልጹ።


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events