Dehai News

Serawr.com: ንምንታይን ብኸምይን ቁልጡፍ ለውጥን ምውቕ ምሕዝነትን ፕረሲደንት ኢስያስን ቀ/ሚ ኣቢን? ካበይ ናበይ- ዕድላትን ስግኣታትን ናይዚ ሓድሽ ሞዕራፍ እንታይ እዮም?

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Monday, 23 July 2018

By Serawr

July 22, 2018

ብድምጺ ስምዕዎ።

https://www.youtube.com/watch?time_continue=2&v=6cvv9tEm-CU

http://www.serawr.com/wp-content/uploads/2018/07/20180719_201852.jpg

ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል

ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ነዚ ሓድሽን ሃንደበት ዝመስል ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ሓዲሽ ምዕራፍን፣ ኣብ ታሪኽ ናይ ኢትዮጵያ መዘና ዘይብሉ ኣቀባብላ ናይ ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፍወርቂን፣ ንባንዴራ ኤርትራ ዘርእይዎ ክብሪን፣ ምውቕ ሕውነት ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ብኸመይን ንምንታይን እዩ መጽዩ? እዚ ቁልጡፍ ለውጢ ንምንታይ ንቡዝሕ ህዝብን፣ ፍሉይ ኣፍልጦ ኣብዚ ጉዳይ ኣለና ዝብሉን ዘሰንበደን ዘገረመን ኮይኑ? ናይዚ ሓዲሽ ምዕራፍ ዕድላትን ስግኣታትን ወይ ብድሆታትን ንኽልቲኤን ሃገራት እንታይ ይመስሉ? ከምዚ ዓይነት ስምምዕ ንምንታይ ምስ ወያነ ዘይተኻእለ? ዝብሉ ሕቶታት ክንድስስ ኢና።

ብመጀመርያ ንዓበይቲ ለውጥታት በተን ናይ መወዳእታ መዓልታት ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ዘጋጠሙ ነገራት ጥራይ ሪኢኻ ወይ ገምጊምካ መልሲ ክተረክብ ተፈቲናካ ናብ ጉጉይን ፈኹስን መደምደምታን እዩ ዝወስደካ። እዚ ብቡዙሓት ተራ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ፍሉይ ሞያ ኣብዚ ዓውዲ ኣለና ዝብሉውን ኣብዚ ዓበይቲ ናይ ዜና ማዕከናት ናይ ምዕራብ በዚ ፎኩስን ጉጉይን ኣገባብ ታሪኻት ክጥምዝዙ ይርኣዩ ኣለው።

እዚ ድማ ገሊኡ ኮነ ኢልካ ዝግበር እምበር ሓቂ ጠፊእዎም ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ንዕስራ ዓመታት ኩሉ ዓይነት ወፍርታት ዝገበርሉ ናይ ምንግስቲ ምቕያር ዝብልዎ ኣጀንዳ ኣብ ኤርትራ ብኣንጻር ናይቲ ዝሓሰብዎ ስለዝኮነ ውጽኢት ናይቲ ነዊሕ ምርብራብ ዝተኻየደሉ ቃልሲ እዩ።

ዓበይቲ ለውጥታት ነቶም ዉሕዳት ዝርእይዎ ገዲፍካ ነቲ ዝበዘሐ ህዝቢ ብሃንደበትን ዘይተጸበዮን ስለዘጋጥም ምድንጋራትን ስንባደታትን ወይውን ዘይሓሰቦ ታሕጓስ ይፈጥረ። ሃንደበት ምውዳእ ናይ ዝሑል ኩናትን ምውዳቕ ሕብረትሶቭየት ሓደ ካብቲ ሃንደበትን ዘሰንብዱ ቁልጡፋት ለውጥታት ክግለጽ ይክኣል። ኣብዚ ለውጢ ጎርባቸው ናይ ሽዑ መራሒ ኣገዳሲ ተራ ኔርው። ነቲ ዝመጸ ለውጢ ብጽብብ ዝበለ ኣብ መወዳእታ ዝተገብረ ለውጥታት እንተሪእኻዮ እቲ ናይ በሓቂ መልሲ ክትረኽቦ ኣይትኽእልን። ሶቭየት ሕብረት ኣብ ዝተናወሐ ዝሑል ኩናት ምስ ምዕራብ ተዳኺማ፣ ካብ ኣፍጋኒስታ ብኣመሪካ ዝሕገዙ ዝነበሩ ሞጃሂድ ተሳዒራ፣ ስነሓሳብ ናይ ኮሚኒዝም ተዳኺሙ፣ እቲ ምዕራባውያን ዘካይድዎ ናይ ፕሮፓጋንዳን ናይ ሓሳብ ቃልስን ውጺኢታዊ ስለዝነበረ፣ በዞም ተጠቒሶም ዝለውን ካልኦት ረቛሒታትን ዝሑል ኩናት ብዓወት ናይ ምዕራብውያን ተወዲኡ።

ብተመሳሳሊ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ምዕራባውይን ዝሑል ኩናት ብዓወት ናይ ምዕራባዊ ናይ ቁጠባን ፐለቲካ ስንሓሳብ ስለዝተወደአ፣ ናይ መወዳእታ ናይ ታሪኽ ኢሎም ብምእዋጅ ናቶም ፖለቲካዊን ቈጠባዊን ስነሓሳባውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ብምስግዳድ ሓደ ናይ ስርዓት ዓለም ክምስርቱ ፈቲኖም። እዚውን ኣብ 2008 ብዘጋጠመ ናይ ፍይናንስያዊ ቅልውላው ነቲ ታሪኽ ተወዲኡ እዩ ዝበልዎ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ምዕርባዊ ፖለቲካውን ቁጠባዊን ስርዓት ኣብ ምልክት ሕቶ የእትዩን መሰረታውያን ሓሳባት ከምስስዐ ጽቡቕ እዩወይ” Greed is good” ንምዕባለ ዝብልዎ ዝነበሩን ካልኦት መሰረታውያን ሕቶታት ናይ ኣረዳድኣ ናይ ምዕራብ ሓጎስ ወይ ምሕጓስ እንታይ ማለት እዩ ዝብሉ ሕቶታት ብናይ ሓሳብ think-tank ውድባት መጽናዕትታት ክገብራ ተኣዚዙ። እቲ እንኮ ፖለቲካዊ ስርዓት ቡዙሕነት ፓርቲ እዩ፣ ተራ ናይ መንግስቲ ካብ ቁጠባን ኣገዳሲ ማሕበራዎ ኣገልግሎታት ክህልው የብሉን ዝበሃሉን ኣብ ቡዙሓት ድኻታት ሃገራት ዘስገደድዎ ከቢድ ማህሰይቲ ኣብ ኣህዛብ ኣውሪዱ።

ኣብ ናይ ሕጂ ዓለም ቅድሚ ገለ ዓመታት ዘይሕሰቡ ዝነበሩ ምዕባለታት ይርኣይ ኣሎ። ካብ ሃገር ዝገፈሐ ናብ ቡዙሓት ሃገራት ቁጠባን ፖከቲካን ብሓደ ስርዓት ዝኸዳሉ ከም ኣውሮፓዊ ሕብረት ብኣብነት ዝራኣይ ዝነበረ፣ ሕጂ ሃገርን ሃገራውነትን እቲ ኣገዳሲ ዉዳበን ስነሓሳብን ኮይኑ ከም ብርጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮፓ ይወጻ ኣለዋ። ኣመሪካውን ኣመሪካ ፈርስት ብዝብል ኣተሓሳስባ ናይ ዓለም ፖሊስ ኣይኮንኩን ኩለን ሃገራት ብፍላይ ከኣኒ ኤውሮፓ ሃገራት ተረኣን ክጻወታ ከምዘለዎን ብዝብል ኣተሓሳስባ ካብ ዝተራእዩ ክምዕብሉ እዩም ተባሂሎም ዘይሕሰቡ ነገራት ዓለም በጺሓ።

ኣብ ጉዳይና ምስንምለስ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991 ክመጽእዩ ወይ ብኽንድኡ ቕልጣፈ ክመጽእዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይነበረን። መራሕቲ ኤርትራ ነቲ መሰረታዊ ረቛሒ ናይ ናጽነት እቲ ዓበይቲ ዓወታት ኣብ መጨረሽታ ዝተመዝገበ ጥራይ ዘይኮነ ዝገልጽዎ፣ ብመንጽር ኣብ ናቕፋ ዝተኻየደ ናይ ቃልሲ ኤርትራ ሓንሳብን ንሃዋሮን ኢሎም ብቀጻሊ ንዓሰርተ ዓመታት ከቢድ መስዋእትን ዝተኻየደ ምርብራብ ህዝባዊ ግንባር ሲዒሩ ዝወጸሉ ይገልጽዎ። ምኽንያቱ ህዝባዊ ግንባር ሽዑ እንተድምሰስ ወይ ከምቲ ኣብቲ ግዝየ ዝቀርብ ነበረ ሓሳባት፥ ካብ ምጥፋእ ናብ ሱዳን ንኪድ ዝብል፣ ህዝባዊ ግንባር መርየቱ ገዲፉ እንተ ዝወጽእ እቲ ናጽነት ውን ክዉን ኣይምኾነን። ስለዚ ኣብ ኩሉ ገምጋማት እቶም ወሰንቲ ረቛሒታት ገዲፍካ በቶም ብልጭ ብልጭ ዝብሉን ናይ መወዳእታ ኣጋጣሚታት እቲ ናይ በሓቂ ስእሊ ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ።

እዚ ሕጂ ናይ ሰላም ሓዲሽ ምዕራፍ ካብ ሓደ ጫፍ ናይ ኩናት ሃዋሁ ናብ ዝለዓለ ሕውነትን ጉርብትናን ብኽንድዚ ቅልጣፈ ምምጽኡ ንቡዙሕ ስጋብ ሕጂ ሕልሚ ኮይኑ ዝስምዖን ገለውን ጥርጣረ ዘሕደረሉን ዉሑድ ኣይኮነን።

ናይ ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፍወርቂ ኣብ ታሪኽ ናይ ኢትዮጵያ መዘና ዘይብሉ ኣቀባብላውን ንዝበዘሐ ሰብ ዘሐጎሰን ዘገረመን ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ንምርዳእውን ብናይ መዓልታት ወይ ሰሙናት ዘጋጠመ ዘይኮነ ብነዊሕ መስርሕ ዝመጸ እዩ። ነዚን ብዓቢኡ ድማ ነዚ ሓድሽ ምዕራፍ ታሪኽ ርክባት ናይ ክልቲኤን ሃገራት ከመይ ኢሉ ናብዚ ከምዝበጸሐ ናበይ ገጹ ከምርሕ ይኽል ንዝብሉ ሕቶታት ንምርዳእ ናብ ድሕሪት ተመሊስካ ምርኣይ የድሊ።

ኣብ 1991 ድሕሪ 30 ዓመታት ከቢድ ቃልሲ ንምስፍሕፋሕ ስርዓት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ኢትዮጵያውን ብምትሕግጋዝ ምስ ሕዋሓትን ናይ ኦሮሞን ካልኦት ውድባትን ተሓግሒጉ ጠፊኡ።

እዚ ሓዲሽ ምዕራፍ ከም ቀብሪ ናይ ምስፍሕፋሕን ምዕብላልን ዘይናትካ ምድላይን ተርእዩ፣ ድሕሪ ከቢድ ስቃይን ናይ መቅዘፍቲ ዘመን ዝተውሰደ ትምህርቲ ካልእ ናይ ምስፍሕፋሕ ጎነጽን ኣተሓሳስባ ዘለዎ ስርዓት ክመጽእ እዩ ዝብል እምነት ኣይነበረን።

ኮይኑኸኣ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ምዕራፍ ተጀሚሩ፣ ህዝቢ ከምዝደለዮ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብቲ ሓንቲ ይኸይድ፣ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ዘይኮነ ብሰላም ንወደባት ኤርትራ ከምድላያ ትጥቀም ኔራ። ቁጠባታት ናይ ክልቲኤን ሃገራት ጽቡቅ ይኸይድ ኔሩ።

እዚ ግን ነዊሕ ኣይከደን፣ ምኽንያቱ ሕዋሓት ልክዕ ከም ናይ ዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ ናይ ምስፍሕፋሕ ኣጀንዳ ሒዙ መጽዩ። ንኢትዮጵያ ነቶም ብዙሓት ብዓሌት መቃቂሉ ክዕብልሎም የኽእለኒ እዩ ዝብሎ ስርዓት ሰሪሑ ተበጊሱ። ኣብዚ ስርዓት ድማ ንመጻኢ ካብ ኢትዮጵያ መገንጸሊ ዘኽእሎ ዓንቀጽ 39 ሕጋዊ መውጽኢ ቀሪቡ።

እቲ ዝዓበየን ቀንዲ ምኽንያት ሕጂ ኣብ መቃብር ሸሚምዎ ዘሎ ድማ ብዋጋ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ማለት፥ ጸጋታት ናይታ ሃገርን ሂወት ኣሸሓት ኢትዮጵያውያን ምስፍሕፋሕ ናብቲ መጋድልቱን በሓደ ዝደመየ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከካይድ ወሲኑ።

እዚ ብቁጠባ ዘሳበቦ ማለት ድሕሪ ምሕታም ናይ ናቅፋ ባጤራ ኣክንዲ ክልቲኤን ድኻታት ሃገራት ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘለውን ብዶላር ዝነግዳ ብናተን ባጤራ ክቀያየራ ዝብል ሓሳብ ነጺጉ ብዶላ ጥራይ ኢና ንገድ ብምባል ኣብዩ። ነቲ ስጋብ 97 ዝተራእየ ናይ ቁጠባ ምዕባለ ናይ ኤርትራውን ኣይተዋሕጠሎምን።

ድሕሪ ናይ ነዎሕ ዓመታት ዝተላፋለፍሉ እቲ ባእሲ ናይ ዶብ ዘይኮነ ናይ ቁጠባ እዩ ዝበልዎ፣ ኣብ መጀምርያ ግን ናይ ዶብ ወራር ኢሎም ውግእ ኣዊጆም ናይ ኢትዮጵያ ሃገራውነት ተጠቂሞም ንኹሉ ኣኽቲቶም ብምውራርን ምብታትን ናይ ኤርትራ ነቲ ብንጹር ዘይፍለጥ ዕላምኦም ከካይዱ ፈቲኖም።

እቲ ዓብላሊ ናይ ስራዓት ዓለምውን ነዚ ከም ዕድል ተጠቂሙ ካብቲ ሓዲሽ ስርዓት ናይ ዓለም ወጻኢ ሃገረይ ክሃንጽ ዝብል መንግስቲ ንምጥፍኡ ሓያል ሓገዝ ንወያነ ስጋብ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ንኽወድቕ ሰንከልከል ዝበለሉ ሓገዝ ጌርሉ።

ኹናት ናይ ባድመ ኢሉ ዝጀመሮ ባድመ ተውዲኡ ተበልካ ናብ ኩሉ ግንባራት የስፍሖ፣ ብድሕሪ ውን ሕውሓት ንኽልተ ዓመት ዝኣክል ምቅርራብ ጌሩ ዓቢ ወራራት ኣካይዱ ንጀነራላቱ ዘብከየ 123 ሽሕ ናይ ሰራዊቱ ተቀዚፉ ተሳዒሩ። እዝውን ከይኣክል እቲ ዶብ ብሕጋዊ መንገዲ ምስተወሰነ ኣክንዲ እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ ሽዑ ኣክንዲ ዝግበር፥ ብኣይሰላም ኣይ ኩናት ጸቕጥታት ከም ዲፕሎማስያዊ፣ እገዳ ሰብኣዊ መሰላት፣ ታሪኽን ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ምርኻስ፣ ቁጠባዊ ሸርሕታት፣ ዲፕሎማስያዊ ተንጽሎ ኣብ ላዕሊ ኤርትራ፣ ምዓስከራት ኣብ ኢትዮጵያ ከፊትካ ሃገር ምጽናትን ኩሉ ንምብትታን ናይ ኤርትራ ፈቲኑ።

ብኣንጻሩ ኤርትራ ድማ ሓያል መኸተ ናብ ናይ ነዊሕ ምርብራብ ተዳልያ ነቲ ሓድሽ ዝሑል ኩናት ኣትያቶ። ካብ ግዝየ ናብ ግዝየ ንሕወሓት ተስፋታት ዝህብ ከም ምውጻእ ብዝሒ ናይ ሰብ ካብ ኤርትራ እንተነበረ፣ ንወያነ ኤርትራ ምጅማር ናይ መጀመርያ ናይ ወርቂ ዕደና ክትጅምር ተስፋታት ምስገበረት፣ ንሕወሓት ከቢድ ሻቕሎት ፈጢርሉ። ናይ ኢትዮጵያ ወጻኢ ሚንስተር ዝነበረ ስዮም መስፍን ናብ ኣመሪካ ሰበስልጣን ብምኻድ እዛ ዕደና ጠጠው ከብልዋ ከምዘለዎም ብትሪ ተዛሪቡ። ኣብ ሚስጥራዊ ሰነዳት ናይ ዊኪሊክስ ቃል ብቃል ከምዚ ክብል ገሊጽዎ “if you think Eritrea is a problem now with no economy, wait until it is flush with cash” እዚ ማለትኤርትራ ሕጂ ብዘይ ወለሓደ ቁጠባ ከም ጸገም ትሓስብዋ ተኾንኩም፣ ተጸበዩ ከመይ ከምትኸውን ሓንሳብ ብገንዘብ ብሪቕሪቕ ምስበለት

ኣመሪካውን ኣይሓመቁን መስርሕ ናይ እገዳ ምኽንያታት ኣሳቢቦም እገዳ ክገብሩ ጀሚሮም። ኤርትራ ነቲ ዕደና ክትጅምር እቲ ካሞፓኒ 60 ሚልዮን ስለዘድለዮ፣ ኤርትራ ንጀርመን ብጹቡቕ ዘርብሕ ኢንተረስት ረይት ለቓሕ ምስተሳማምዓት፣ ኣመሪካ ንጀርምን ጠጠው ክተብሎ ኣዚዛታ። ጀርመን ውን ጠጠው ኣቢላቶ። ናይ ሽዑ ናይ ጀርመን ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ ብሕርቃን ስልጣኑ ክገድፍ ምዃኑ ከምዘፋራረሐን ናይ ጀርመን ሃገራዊ ረበሓ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታዉን ከምዘቆጠዖ ምስጢራዊ ሰነዳት ናይ ዊኪሊክስ ሰፊሩ ይርከብ።

ኤርትራ ንዝነበራ መኸተ እንዳገጠመት ኣብ ናይ ሓዋሩ ወይ ዘላቒ መፍትሒ ዘምጽእ ማለት ነዚ ናይ ሕዋሓት ካብ ስልጣን ምእላይ ጥራይ ዘይኮነ ብዓቢኡ እቲ ግናይ ሓሳባቱ ካብ ኢትዮጵያ ዝሕከኸሉ ክትሰርሕ ጸኒሓ። እዚ ድማ ናይ ሓባር ቃልሲ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ግዝያዊ ጥቅሚ ዘይኮነ ኣብ ስይራየጂካዊ ረበሓን ሰናይ ጉርብትናን ምክብባርን ዝተሞርኮሰ ናይ ሓባር ቃልሲ ኣካይዳ።

ሕወሓት ብባዕዳውያንን ሃሱሳት ኤርትራውያንን ኤርትራ ክበታትን ክፍትን ከሎ፣ ህዝባዊ ግምንባር ድማ ነዚ ከቢድ መኸተ ንዘላቒ መፍትሒ ከምጽእ ዘኽእል፣ ነዚ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ዝረኣናዮ መንፈስ ናይ ሓባር ቃልሲ ምስኩሎም ኣህዛብ ኢትዮጵያ ኣካይዱ። ዓለም ብምልኡ እንዳ ተቀተሉ ስቕ ኢላ ክትርእይ በጀካ ኤርትራ ካልእ ኣይነበሮን። ሓደ ዓቢ ነገር ክንዕዘቦ ንኽእል ኣብዚ ናይ ሓባር ቃልሲ እዞም ጸልውቲ ኣካል ናይቲ ሕብረተሰብ ስጋብ ክንደይ ንነብሶም ቀይሮም ንህዝቦም ከምዝቐየሩ ዘርእይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ባንዴራ ኤርትራ ምንብልባል ጥራይ ዘይኮነ ገለ ቁሩብ ገዲፍካ ዘሎ ለውጢ ናይ ኣተሓሳስባ እዩ።

ሕውሓት ኣብ ፍልልይ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሸይሸይ ዝብል ዝነበረ፣ ኣብቲ ናይ ሓባር ቃልሲ ምስ ኤርትራ ዘካየድዎ ፍልልዮም ኣጽቢቦም፣ ኦሮሞ ካብ ምፍላይ ሓሳብ ወጽዮም ምስቶም ካልኦት ተቃራሪቦም፣ ዳግማይ ወዳበ ብምግባርን ኣቃላልስኦም ስትራተጂ ብምብላሕ ምስዋእትኦም ተሓዊስዎ ንወያነ ኣዛሕቲሎም ከምዘየሎ ጌሮም።

እዚ ተራ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ከም ለማ መገርሳን ካልኦት ኣብ ናይ ኦሮሞን ኣምሓራን ተሓዊሱ በቲ ንጸወታ ኢሉ ዝሰረሖ ቅርጺ ተሳዒሩ ካብቲ ጸወታ ወጽዩ። እዞም ብህዝቢ ትግራይ ዓቢ ጠላዕ ዝተጻወቱን ንነብሶም እዚ ዘይብሃል ሃብቲ ዝገበሩ ሕጂ ብዘይጠቅም ዘረባታት ንህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሓዲሽ ሁመት ሰላም ከይኣቱ ጅሆ ክሕዝዎ ይፍትኑ ኣለዉ።

እቲ ኣገዳሲ ሕቶ እዚ ዘሎ ናይ ኣቢ ስርዓት ልክዕ ከም ሕውሓትን ቅድሚኡ ዝነበረ ስርዓታት ኣስፋሕፋሒ ድዩ? ዋላስ ነዚ ካብዚ ቀዛፊ ዘመናት ተማሂሩ ድልየት ሰላም ናይ ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘንጸባርቅ እዩ ከኸውን? እዚ ሓዲሽ ምዕራፍ እንታይ ዕድላት ክፈጥር እዩ? እንታይ ዓይነት ብድሆታትን ስግኣታትን ኣለዎ?

ከምቲ ኣብ 1991 ሕውሓት ምስፍሕፋሕ ናይ ስርዓት መንግስቱ ዝቀጸሎ፣ እዚ ናይ ኣቢ ስርዓት በዚ ስጋብ ሕጂ ብቑልጡፍ ከትግብሮም ዝጸነሐ ፕሪግራማት ሓደ ናይ ብይን ዶብ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ምቕባልን ምትግባርን ጀሚርካ ነቲ ርክባት ናብ ዝለዓለ ንምውሳዱ ብዝገበሮ ዘሎ ስርሓት እምነት ናይ ብዙሓት ብፍላይ ከኣ ኤርትራ ረኺቡ ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ሒዝዎም ዝመጸ ራኢታት ካብቲ ህዝባዊ ግንባር ካብ ሜዳ ዝጀመሮ ቃልስን ብተግባር ካብ 1991 ክሰርሓሉ ዝፈተንን፣ ብድሕሪኡውን ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ምስ ኢትዮጵያውያንን ካልኦት ናይቲ ዞባ ተቓለስቲ ክሰርሖ ዝጸነሓ ናይ ምትሕብባርን ሰናይ ጉርብታናን ራእይኡ ዘይፍለ ኢዩ ሒዙ መጽዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ምስ ፕረሲደንት ኢስያስ ብዝቐልጠፈ ሓያል ርክብን ሕውነትን ካብዘግበሮምን ረቛሒታት ሓደ እዩ።

ካብቶም ናይ ቅድም ስርዓታት ብፍላይ ከኣኒ ሕዋሓት ብናይ ጎረባብቱ ብዝኾነ ነገር ክጥቀሙን ክምዕብሉን ጥራይ ኣይኮነን ዝጸልእ ብዋጋ ስቕያቶምውን ክምዕብልን ሓይልን ክገብር ይደሊ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ግን ብኣንጻሩ ምዕባለ ናይ ኤርትራ ናይ ሶማልን ካላኦትን ከምስግኣት ዘይኮነ ዝርእዮ ከም ጸጋ እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ ሰውርዊ ለውጢ እዩ ብመንጽር ታሪኽ ናይ ኢትዮጵያ። ስቅያት ናይዝ ኮነ ዜጋ ናይዚ ዞባ ድማ ብመዓረ ከምዘሕሞ ይገልጽ። ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቓ ከም ሓደ ካብቶም ዝሃብተሙ ዞባታት ናይ ዓለም መስሓቂ ናይ ዓለም ከምዃኑ ውን ከምዘሕዝኖ ብተደጋጋሚ ገሊጹ።

እዛ ዘላ ኢትዮጵያ ነቲ ዘሎ ህዝቢ እኽልቲ ምዃና ኩናት ከምዘይድሊውን ብተደጋጋሚ ዝገለጾ ጉዳይ እዩ። ኣብቲ መሰረታዊ ራኢ ናይ ህዝባዊ ግንባር ዝሰማማዕ መራሒ ምርካባ እቲ ሓደ ብልጫ ናይዚ ዝተኻየደ ቃልሲ ናይ 20 ዓመት እዩ እምበር ናይ ሕወሓት ስርዓት ኣብቂዑ እዩ ኢሉ ፕረሲደንት ካብ ዘበስር ነዊሕ ጌሩ እዩ።

ስለዚ እዩ ኸኣ ህዝባዊ ግንባር ነዚ ሓድሽ ስርዓት ኣብ ምድጋፍ ዝተኻእሎ ዝገብር ዘሎ። ከምቲ በኣሲ ምስ ኤርትራ ንወያነ ዝቐበሮ፣ ምትሕብባር ምስ ኤርትራ ድማ ነዚ ሓዲሽ ስርዓት ዕውት ጌሩ ከውጾ ከምዃኑ ዶክተር ኣቢ ኣጸቢቁ ፈሊጥዎ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ንናይ ኤርትራ ጉዳይ ከም ቀዳምይ ኣጀንዳ ሰሪዑ ዝሰርሓሉ ዘሎ ጉዳይ እዩ።

ነዚ ሓዲሽ ስርዓት ናይ ኢትዮጵያ ከበድቲ ጸገማት ዘለዎ ሃገር ኣዩ ተቐቢሉ። እታ ዝዓበይት ጸጋኡ ደገፍ ናይ ህዝቢ እያ። ናይ ቁጠባዊ ጸገማት ብመንጸ ብዝሒ ህዝቢ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። መለስ ንዓሰብ መስተይ ግመል ክገብር ቢልዮናት ዶላራት ናይ ጁቡቲ መጻወቲ ኮይኑ ኢትዮጵያ ኣቑሑት ኣፍርያ ኣብ ዓለም ክትወዳደረሉ ዘይትኽእል ጌሩ።

ናይ ሕወሓት ዓሌታዊ ፖሊሲ ኣብ ቡዙሕ ከባቢታት ምትፍናን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፈጢሩ ድሕሪ ኣቢ ኣብ ስላጣን ዝመጻሉ ልዕሊ ሚልዮን ካብ ገዛውቶም ከምዝተፋናቐሉን ቡዝሓት ከምዝተቀትሉን ይሕበር። ነዚ ምቅባል ናይ ፕረሲድንት ኢስያስ ነዚ ንምፍትሑ ንኽሕግዞ ውን ተጠቒምሉ እዩ። ቡዙሕ ካብ መልእኽትታቱ ኣብዚን ካልኦት ናይ ውሽጢ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዘተኮረ ኔሩ።

መራሕቲ ሕወሓትን ጸለውቲ ክፋል ናይቲ ሕብረተሰብ ክብልዎ ከምዝጸንሑ ብጋህዲ ብናቶም እምነት ኢትዮጵያ ኣብ ቅልውላው ምእታዋ ስለዘይተርፋ ንግዚኡ ዓቅሊ ጌሮም እንተጸኒሖም ኣብ ኢትዮጵያ ዕድላት ክፍጠር እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። ካልእ ርክባቶም ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘይኮነ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ርክብና ኣማሓይሽና ክንጸንሕ ዝበሃል ናይ ምጽባይ ጸወታት ይጻወቱ ከምዘለዉ እዮም ዝሕብሩ። ስለዚ ገይም ኦበር ንጊዝዩ ኣምበር ክምለስ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።

ነዚ ሓዲሽ ስርዓት ዋላ ከምዚ ዓይነት ብድሆታት ኣንተሃለውዎ፣ ኣብቲ ሒዝዎ ዘሎ ራእይ ብሓያል ምትሕብባር ናይ ኤርትራን ዘለዎ ናይ ዓቢ ናይ ፖለቲካ ካፒታል ክሰግሮ ከምዝኽእል ዓቢ ኣንፈት ዝህብ እዩ።

እቲ ካልእ ዝዓበየ ህያብ ካብ ኤርትራ ዋላ ካብተን ዝሃብተማ ሃገራት ክረኽቦ ዘይክእል ንዓሰብ ብብር ተጠቂሙ ቢልዮናት ዶላራት ንኻልእ ኣገዳሲ መዓላታት ከውዕሎን እቲ ዘሎ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ምቕላል ዓቢ ተራ ክጻወት እዩ። ኤርትራ ብወገናውን ንነዊሕ ዓመታት ምንቅስቃ ዘይጸነሖ ወደብ ዓሰብ ዓቢ ቁጠባዊ ንጥፈታት ፈጢሩ ንመንእስያትን ናይ ዕድል ስራሕ ንኣውፈርቲ ኤርትራውያን ድማ ዓቢ ዕድል ዝፈጥር እዩ። ብተወሳኺ ምኽፋት ናይ 105 ሚልዮን ዕዳጋ ንኤርትራ ዝዓበየ ጸጋ ፍርያታ ትሸጠሉን ብዘይ ናይ ወጻኢ ሸርፉ ቡዙሕ ፍርያት ትገዛኣሉን ዕድል እዩ።

ናይዚ ሽርክነት ተጠቀምቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮና ሃገራት ከም ሶማል ናይ ሕወሓት ግዳይ ኮይነን ዝጸናሓን ዓቢ ባህሪውን ናይ ሰብ ሃብቲ ዘለወን ተጠቀምቲ ክኾና እየን። ስለዚ እዚኦምን ካልኦት ዘይተዘርዘሩ ዓበይቲ ናይ ሓባር ስትራተጂካዊ ራኢን ጥቕምታትን እምበር ንዝተቀብረ ስርዓት ኢልካ ኣይኮነን እዚ ሓዲሽ ምዕራፍን ኣዝዩ ሕውነታዊ ርክብ ናይ መራሕቲ ሃገራት ተመስሪቱ ኣብ ምምራሽ ዝርከብ ዘሎ።

እዚ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍሎ ናይ ሰላም ሃዋሁ ንምንታይ ምስ ሕውሓት ዘይተኻእለ ዝብል ሕቶ፣ ብቀዳምነት ናይቲ ውድብ ፖለቲካዊ ባህሊ ናይ ምግልባጥ ዝእመን ኣይኮነን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሶሙናት ጥራይ ክንደይ ተጋላባጢ መግለጽታት ከውጽእ ጸኒሑ። ብዓቢኡድማ በዚ ካብ ናይ ምስፍሕፋሕ ዕላማታት ዘይወጸን ብሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተነጸገ ስርዓት ፈጺምኻ ዘላቒ ወይ ናይ ሓዋሮ ሰላም ከመጽእ ኣይኽልን እዩ።

ውጺኢት ናይዚ ስትራተጂ ድማ እንሆ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ፖለቲካዊ ደገፍ ዘለዎ መራሒ መጽዩ። ነዚ ስምምዕ ናይ ዶብ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት ዘተግብርን ሓሳባት ናይ ምስፍሕፋሕን ልዑላውነት ናይ ኤርትራ ዘኽብርን ስምምዕ ኣብ ምትግባር ይርከብ። እዚ ስምምዕ ዓቢ ፖለቲካዊ ደገፍ ዘለዎ መሪሕነት ምዃኑ ውጺእት ናይ ህዝባዊ ግንባር ሒዝዎ ዝጸነሐ ምንዳይ ናይ ሓዋሮ ወይ ዘላቒ ሰላም እዩ።

እዚ ድማ ሕጂ ዘይኮነ ህዝባዊ ግንባር ገና ንእስ ከሎ ኣብ መጀመርያ 1980ታት ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ ናይ ሰላም ዘተ፣ ኣብ ናይ ፕረሲደንት ጂሚ ካርተር ዝተኻየደ ናይ ሰላም ዘተ ኣብ መጨረሽታ ሰማንያታት፣ ኣብ ከባቢ ነጽነት ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ዘተ ኣመሪካ ናይ መጨረሽታ ፈተን ምጥምዛታት ዝፈተነትሉ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመት ናይ ኩናትን ድፕሎምሳይውን ከበባታት፣ ካብ መትከላቱን ረበሓ ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእትዩ ኣይፈልጥን ጥራይ ዘይኮን፣ ናይ ካልኦት ረበሓታት ውን ክምንዝዕ ዕድል እንዳሃለዎ ሳዕቤናቱ ፈሊጡ ብናይ ዋጋ ረበሓታት ናይ ካልኦት ተጣሊዑ ኣይፈልጥን። እዚ ስለዝኾነ እዩ ኸኣ ሕጂ ምስ መትከላቱ ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ብዓወት ዝወጽእ ዘሎ። ሳላዚ መትከላዊ ኣካይዳ ኤርትራውያን ኣብ ሶማል ይኺዱ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ይኺዱ፣ ኣብ ሱዳን ይኺዱ፣ ብኽብርን ፍቕርን ዝእንገዱ ሳላ እዚ መትከልን ውዕለትን ኩሉ እንዳጠሎሞም ህዝባዊ ግምባር ጠጠው ስለዝበለ ብጎኖም እዩ።

ኣብ መደምደምታ ናይ ሓባር ራኢን ኩሉ ኣህዛብ ዝረኽቦ ጥቕምታት ናይ ምትሕብባርን ናይ ሞዕባለን እዩ እቲ ዘላቒ ሰልም ዘምጽእን ነቲ ናይ ምስፍሕፋሕን ዘይናትካ ምድላይን ሓሳባት ከጥፍእ ዝኽእል። እዚ ኮይኑ እቲ ሓቂ ኣብዚ ሰናይ ጉርብትና ምስ ጎረባብትና ንቕሓት ናይ ህዝባንን ብፋልይ መናእሰያትናን ኣብ ታሪኽናን ባህልናን ክብርታትናን ምዕቃብን ሃገራዊ ረበሓታትናን ክመጹ ዝኽእሉ ስግኣታት ምርዳእን ኣገዳሲ ሮቛሒ እዩ። ብተወሳኺ ሰናይ ድልየት ንበይኑ እኹል ስለዘይኮነ ንዝኾነ ምስፍሕፋሕ ዝሓስብ ምዕገቲ ዝኸውን ትሕጃ ኣብ ናይ ነዊሕ እዋን ስትራተጂ ሓያል ምዕብሉን እቲ ዝለዓለ ቴክነሎጂ ዝዓጠቀ ምክልኻል ከድልየና እዩ።

Jul 19, 2018Serawr

 


Dr. Fikrejesus Amahazion at the XXIX International Rosa Luxemburg Conference in Berlin on January

Dehai Events