Dehai News

EriGazette.org: ኤርትራ ባብ ንባሕሪ ኣርሕያ ንኢትዮጵያ ገዚኣታ. . . ……

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Monday, 23 July 2018

Cherunnet Tesfazghi

Jul 22, 2018

 

http://www.erigazette.org/wp-content/uploads/2018/07/massawa-150x150.jpg

download as a pdf file download as a pdf file Download this page in PDF format

እዚ ንኽልቴና ዝለከመ ንኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ኣበሳ ኮይኑ ዘሎመግዛእታዊ ዶባትሲዒቡ ጠንቂ ውግእን ወረ ውግእን ኣብዛ ዓለምና ከም ዝወለደ ፈሊጥና ኣሎና። ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ 177 ብሄራት ወይ ቀቢላታት (ምንጪ The Mail & Guardian a South African weekly newspaper) ንማሕበራዊ ኣቋውመአን ኣብ ግምት ዘየእተወ (መግዛእታዊ) ዶባተን ናብ 54 ሃገራት መቃቂሉ (ወታቲፉ) ነቲእዉጅ ሞትዝኾነጅኦግራፊካዊ ምልክነትካብ ዘንግስ እነሆ 55 ዓመት ኣቊጺሩ ኣሎ። ርሑቅ ከይከድና ህዝብታት ዓፋር ኣብ ሰለስተ ሃገራት፣ ህዝብታት ትግራይ ኣብ ክልተ ሃገራት እናበልና 177 ብሄራት ኣፍሪቃ ብኸመይ ከም ዝተመቃቀላ ክንርዳእ ንኽእል።

 

ዶብ (ውግእ) ኢትዮ ኤርትራ ካብዚ ክጠቅሶ ዝጸናሕኩ ጅኦግራፊካዊ ምልክነት ነጻ ክኸውን ኣይክእልን። ሽሕ እኳ እዚ ዝጸንሐ ኲናት ፍሉይ ትርጉምን ኣሉታዊ ትሕስቶን ይሃልዎ፡ እቲ ኣብ መዛግብ ዓለምና ሰፊሩ ዘሎ ሓቂ ብሰንኪመግዛእታዊ ዶብእዩ። 20 ዓመት ከኣፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ሻርነትዝተደመሮ ኣብ ዕንወትን ብርሰትን ሃገራትናን ሰብኣዊ ሃብትታትናን መጻኢ ዕድላቱን ተሰጢሑ ጸኒሑ። እቲ ዘሕዝን! ስንብራቱ ጌይና ንነዊሕ ግዜ ኣብ ቅድሜና ክጸንሓና ምዃኑ እዩ። ሎሚ እዚ ጎንጺ ብሰንኪ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ሻርነት ጥራይ ክፍታሕ ንርእዮ ኣሎና። ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ሕቶ ዶብ ዝረሓቀ በዓል ቤት ናይቲ ባእሲ ዝኾነ ምኽንያት (ውድብ) “ሳግላ ብላዕ ኣይትቅላዕኢላቶ ኣላ። ኤርትራ ከኣ ምስ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ካብ መቅርብ መን ይቀርብ ከይበለት ኣብ ረብሓኣ ክትውግን መሪጻ ኣላ። እዞም ክልተ መራሕቲ ኣቢን ኢሱንኣብ ዝደልይዎን ዝጸልእዎንተሰማሚዖም ኣለዉ።

እንተ እዞም ንኽትርእዮም ዘብህጉ ሰላማዊ ሰልፍታት ንዲፕሎማስያዊ ፕሮፖጋንዳ መታን ክጠቅሙ ንዓ ተሰለፍ ተባሂሎም ቅድመ ምድላዋት ዝተገብረሎም ፍጻሜታት እንበር በዓል ቤት ናይቲ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውንለውጢኣይኮኑን። መራሕቶም ክበኣሱ ዝበኣሱ፡ መራሕቶም ክዕረቁ ዝዕረቁ ሰልፍታት እዮም። ንውሰድ ብዛዕባወዲ ኣፎምክሳብ ትማል ኢህወደግ ብኣተሓሳስባ ደቂ ኦሮሞ ዝበሓት፡ ሽሕ እኳ ወያነ ዘንበድብድዎ ይኹን ኩሉ ዝተሰመማዓሉ ጉዳይ እንተነበረ ኢሳያስ ኣፈወርቂናይ ሰይጣን ጠበቃ” (The devils’ advocate) ብዝብል ኣሚኑ ዝነበረ ህዝቢ እዩ። ሎሚ ግን ከም 8 ንጉስ ኢትዮጵያ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ የህዛብ ብሓጎስ እናበኸዩ ክቅበልዎ ሪኢና። እቲ ዘስደምም ከኣ ብፍላይ ንዓና ነዞም ኣብ ኢትዮጵያ እንቅመጥ ኤርትራውያን ተቃወምቲ፡ ካብቲ ብሰንኪ ውሽጣዊ ጉዳይና ንወዲ ኣፎም ዝተቃወምናዮ ወይ ዝጸላእናዮ ንላዕሊ ኢትዮጵያውያን ዘባኣሱና ወይ ዘጻልኡና ይዓቢ። መብዛሕትኡ ከምዛ ንወዲ ኣፎም ቀሪቡ ዝፈልጦ ገሊኡ ንኢትዮጵያውያን ብፍላይ ንወያነ ከሐጉስ ክብል፡ ገሊኡ ነዛ ነብሱ ከዕግብ ክብል ዝፈልጦን ዘይፈልጦን ዛዕባታት እናዕለለ ተባህለ ክብል መን ኣሎ ንኢሱ ክጸልእ ዘይከረመ። ትማል ንወዲ ኣፎም ባንዴራና ሒዙ ዝተቀበሎ ኢትዮጵያዊ እንበር ኤርትራዊ ተቀማጣይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮነ ኣዋሳ ኣይነበረን። ወዮ ደኣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመት ተጋሩ (ወየንቲ) ንኤርትራ የሕሊፎም ሂቦማ (ሸይጦማ) ዝበሃል ዝነበረ ናይ ኣምሓሩ ኣተሓሳስባ ዝረትዐ፡ መላእ ኢትዮጵያ ንልእላውነት ኤርትራ ዝመስከረትሉ ሃዋሁ (ድባብ) ምፍጣሩ ደኣ ፍሽኽ ዘብል እዩ ነይሩ እንበር፡ ርእስኻ ዘነቅንቅ ጉዳይ እኮ ! ዘስደምሙ ህዝቢ! ንወያነ ዋጋ ከም ዝኸፈለት ኣምሲሎም፡ ምሳና ኣጻሊኦም ንሶም ተዓሪቆም። እዚ ባዕላዊ ትዕዝብተይ እዩ። ክምለስ ናብቲ ጉዳሜኛ ዛዕባ. . . .

ደንበ ተቃውሞ 20 ዓመት ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከየምጽአ ዘጥፍኦ ግዜ ከቢድ ዋጋ ከምዝኸፈለ ነዛ ውሽጡ ከይገምገመ፡ ውልቀ መላኺ ሃገር ይሸጣ ኣሎ እናበለ፡ ነዛ ዓርሱ ክጥብር ይርአ ኣሎ። ልክዕ እዩ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ዓሰብ ምድላይ ፎብያ፣ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጀኦ ፖለቲክ ቀይሕ ባሕሪ ክረኽብሉ ዝደልዩ መኽሰብን፣ ኣብ ኤርትራ ክተኽልዎ ዝደልዩ ዘለዉ ናይ economy ባይታን፣ እቶም ኣብብላዕ ስተብመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ክዝረብ ዝሰማዕናዮምሓደ ህዝቢ ኢና፡ ምድማር ማለት ድልድል ምስባር ማለት እዩዝብሉ ናይ ዲፕሎማሲ ፕሮፖጋንዳውያን ቃላትን፣ ብሓፈሽኡ ኤርትራ ኣብዞም ጉዳያትን እቶም ኣብ ኣስመራ ዝተኸተሙ ናይ 5 ነጥብታት ስምምዕን ዝሃበትሎም ዝርዝራዊ መረዳእታ ዘይምህላዉን ተደማሚሮም ብቀሊሉቅድመ ፍርዲሂብካ እዩ ሃገር ተሸይጣ ዝበሃል ዘሎ።

ብፍላይ እዛ ጥቅሲህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓደ ኣይኮኑን ዝብል ሰብ እንተሎ ዓሻ እዩእትብል ክንደይ ጫቁጫቅ ኣቢላትና እያ። እዛ ዘረባ ቅድሚ 10 ዓመትመገዲ ኣርባዓታሸርተሰነይዓሊጊድርከሰላ ክምረቅ ከሎ ወዲ ኣፎም ብቋንቋ ዓረብ ኢልዋ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እዚ ኣበሃህላ እዚ ብኣሉታ ጠላሕ ዝበሎ ሰብ ወዲ ኣፎም ንኤርትራ ናብ ዓረብ ገጹ ይሸጣ ኣሎ ዝብል ዝነበረ ውሑድ ኣይኮነን። ስለዚ እዘን ክልተ ሃገራት ሓደ ህዝቢ ክኾና ባህርያዊ ቅብሉነት ስለ ዘይብለን እዚ ኣበሃህላታት እዚ ካብ ጥዑም ናይ ዲፕሎማሲ ቋንቋ ምዃኑ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን።

ይትረፍ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓደ ክኾና ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮነ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣብ ውሽጡ ብብሄራትን ቀቢላታትን ዓሌታትን ቋንቋታትን ዝተመቃቀለ ኮይኑ፡ ተኸባቢሩ ኣብ ሓደ ዝነብር የህዛብ እዩ። ክሳብ ብብሄራትን ብቋንቋታትን ብዓሌትነትን ዝተመቃቀልና ሕብረተሰባት ዝኾና ከኣ ሓደ ክንከውን ኣይንኽእልን። ንጅኦግራፊካዊ ምልክነት ግዙኣት ስለዝኾና ግን ኣብ ሓደ ከም ሓደ ኮይና ኤርትራውያን ወይ ኢትዮጵያውያንዜጋታትተባሂልና ክንነብር ግዱዳት ኢና።

እወ! እዚ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ሱዳንን፣ ጁቡትንፈልስን ዘርእን ከምኡ ከኣ ዕጫናን ምርጫናን ዘለዎ፡ ምስ የህዛብን ታሪኻቱን ዝተኣሳሰር ቀሌቤትእዩ። ኣብዚ ቀለቤት እዚ ኢትዮጵያ ኮነ ሱዳን ሕልፊ ሕውነት ንዓና የብለንን። ስለዚ እዚ የሕዋት ዝኾነ ሓደ ህዝቢ እዮም ዝብል ኣተሓሳስባ ንዲፕሎማስያዊ ቁንጅናን ንኦሪታዊ ሕላገት ናይዚ ዞና ዝጸዊ ዛንታ ጥራይ እዩ፡ ነዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ኮነ ኢትዮጵያ ወይውን ሱዳን ዝምጥን ጭብጢ ሃሰስ ኢልካ ጥራይ ኢኻ ትረኽቦ።

እንተ እዛ ምድማር ዝብልዎ ዘለዉ፡ መነን እያ ምስ መን ትድመር ዘላ?
ምድማር በቲ ልሙድ ናይ ቁጽሪ ትርጉሙ ዝተረድኦ ሕያዋይ ሰብና ደኣ በዚሑና ኣሎ እንበር ኣብ ፖለቲካስ ብቀሊሉ እንክንርድኦ ኣብጽምዶወይ ከምማእዶማለት እዩ። ሃገራት Scandinavia ስለ ዝተደመራ እየን cultural-linguistic region ዝተባህላ። ሃገራት Benelux ስለ ዝተደማመራ እየን Customs union ዝብል ጽምዶ ዝልለያ። ኣብ ስልጡን ሕብረተሰብ ምድማር ማለትካብ ምድግጋፍ ነጻ ዝወጽእ ናጽነት የሎንማለት እዩ። ስለዚ እታ ምድማር እትብል ኣምር ኣብ ፖለቲካ ዓለምናጋሻኣይኮነትን። ንኪዳን ሃገራት IGAD ክምስረት እጃምና ከነብርክት ከሎና እዚ ምድማር ዝብል ኣምር ስለ ዝኣመንናሉ እዩ። ናይ ሎሚ ናይ ቀረባ ዛንታ ኤርትራ ኣብ ኪዳን ዓረብ ምስ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ስለ ዝተደመረት እያ፡ ካብ ማሕለኻ እገዳን ጅኦ ፖለቲካዊ ጸቅጢ ኢትዮጵያን ምዕራባውያንን (ዝሃደመት) ዝወጸት። ጉጅለ ለማ መቐርሳ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ንማይን ዘይትን እዩ ክድምር ሓኾት ዝብል ዘሎ፡ እንተ ኣብ ጅኦ ፖለቲክ ቀይሕ ባሕሪ ግን ንሕና ዘይኮና ንሳቶም (ኢትዮጵያውያን) እዮም ምሳና ክድመሩ ዝደልዩ ዘለዉ። ተደመርቲ ንሳቶም እንበር ንሕና ኣይኮናን። ኣብቲ መጨበጢ ዘይብሉ ናይ ባራት ዘረባኤርትራ ባብ ንባሕሪ ኣርሒያ ንኢትዮጵያ ገዚኣታእዩ ክበሃል ዘለዎ።

ብዓቢኡ ከኣ ነዚ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ብሃገራት ዓረብ ከቢድ ድፊኢት ዝግበረሉ ዘሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሑቅፊ ሃገራት ዓረብ ከም ሓዳስ ዝተወልደት እስላማዊት ህጻን እርሩ ከብልኣ ስለ ዝደልያ ዘለዋ እዩ። እታኳ ንዘመናት ብሰንኪ ክርስትና ዘቅበጥበጥናያ ሃገር (ኢትዮጵያ) እስላማዊ እምነት ክዕብልላ ናይ ፍርቂ ዘመን ግዜ ጥራይ እዩ ተሪፍዋ ዘሎ፡ Ambassador Herman Cohen ኣቀዲሙ ኣብ ኢንቴርቪው ዝበሎ እዩ። ብወገነይ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ንወያነዘግለለጥራይ ዘይኮነ ካብ ደገ ዝተደፍአ ንደገዘስገለዓረባዊ ስልቲ እውን እዩ በሃላይ እየ።

ኣብ መደምደምታ ሓሳበይ! ሃገርና ኤርትራ መሊኹ ዘማሓድራ ስርዓት ትርከብ እንበር: ተመሊኹ ሃገር ዝሸይጥ ህዝቢ ከም ዘይብላ ከስተውዕሉ ዘይክእሉ ብዙሓት ዜጋታት ኢና ኣጥሪና ዘሎና። መብዛሕትኦም እዞም ዜጋታት እዚኣቶም ትማል ምስ ወያነ ኮይኖም ድልየት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ከንግሱ ዝምነዩ ዝነበሩ ሰባት እዮም። እታዝለወሰቶ ዘይተመለሰቶምስ ኮነ ጉዳዮም ግን እነዉ ሃገር ተሸይጣ እናበሉ ንበይኖም ይዛረቡ ኣለዉ።

እዚ ንርእዮ ዘሎና ናብ ንቡር ጉርብትና ዝወስድ ሰላማዊ ለውጢ ተሰማሚዕኻ ምንባር ዝብል ሕጋውን ብጽሒታውን ቅብሉነት ዘለዎ ነጥቢ ጥራይ እዩ። ዘላቂ ሰላም ተሳትፎ ህዝብታት ዘለዎ መስርሕ እንበር ናይ ወልቀሰባት ዕማም ኣይኮነን። ነዛ መመሊሳ ትርሕቅ ዘላመቅርብ ቀራቢትና” (ትግራይና) ብኸመይ ንኸስባን ትኸስበናን? “ካብ ብሕንጻጻት ዘፈላልዩና ዶባት፡ ብልቢ ዘረሓሕቁና ሓሳባት ስለ ዝዓምቁብኸመይ ንፈትሖም ወይ ንኣልዮም እዩ ዛዕባና ክኸውን ዘለዎ። ኩነታትና ነታ ብውሩይ ተዓዋቲ ኖቬል ስነጽሑፍ Gabriel Garcia Marquez ዝጸሓፋ One Hundred Years of Solitude እትብል ውርይቲ መጽሓፉ እዩ ዘዘክረካ። ነዞም ናብቲሚኢቲ ዓመት ተነጽሎክመልሱና ዝደልዩ ዘለዉ ሽርክነታት ከብድን ሕቆን ኮይና ክንስዕሮም ኣይንኽእልን።ካብ ሓው ንሓው የብሉን ቀረባእናበልኩ፡ ስነጥበበኛ ሳምኤል ኣልመደ ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ 20 ሰነ 2018 እንታይ እዩ ዝበለንመላላእ ዘዘሎና ኣይንከላላእ” . . . .

ቤተ ቸሩ

ኣምስተርዳም

 


Dr. Fikrejesus Amahazion at the XXIX International Rosa Luxemburg Conference in Berlin on January

Dehai Events