Dehai News

ጉማታት* ስካቫንጀር ቮልቸር ገይም ኦቨር - ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ)

Posted by: Dimzi Eritrawian Kab German

Date: Wednesday, 18 July 2018

 **  ጉማታት* ስካቫንጀር ቮልቸር ገይም ኦቨር//

     ኣብ ገደና ዶ ወጊሕኩም ኣዛብእ ቀትሪ
ከውሊ ከይበጻሕኩም ናብቲ መስተሪ
ናብ ቲ ተንኮል እትጥጅእሉ  እከይ በዓቲ
ኣብ መንገዲ ረፊድኩም  ሳጥናኤላት ኣጋንንቲ
 
          መንብሃቒ ሸውሃት  ሃጻፍ  ከርስኹም
እንጉይታ ድምጽኹም  ወኻሩ ኣሰኒኹም
ብዘትፈልጥዎ ክትፎ   ኣዘፍጢጥኩም ከብድኹም
ሓሻካ ጉማታት ሕጂ እንደሞ ወላእላእ ጠሊሙ ኣብራኽኩም  

          ረሳዕቲ ጠላማት ዘኾለሰ ኢድና ትነኽሱ
ኣብ ስልጣን መን ድዩ ኣደይብኩም ደሙ  ኣፍሲሱ
ዘውዲ ምስ ደፋእኩም  ምስ ሰቐልኩም ዝፋን
ጽላለ ኣድሂብልኩም ከቢድኩም ስልጣን 

       ኣትኩዑ ዘዕበየኩም  ኣብ ማሕዘሉ ራርዩ
እግርኹም ዘትከለ  ብዳጌፋ ኣታትዩ
ንዕስበት ሪዒምኩም  ክድምና  ከተሳስዩ
ሕጂ እንደሞ ተፈደኹማ  ሓሳዳት  ሕሰምና ትምነዩ
               ብምስምስ ዶብ ኣጽፋርም መንቅብ ክፍሕራ
ክቱር ተርባጽ  ብደዐ  ሪኢናዮ ጽላለ ጭፍራ
ዕስለ ኣዛብእ ቀትሪ ኣስናንኩም ክትሕርቅሙ
ሓሻካ ሕጂ እንደሞ ግርጻንኩም ጓህሚሙ

         ያኢ ከተዳኽሙና ኣብዝተናወሐ 
ተራኽብና ዶ መንና ኮን ላህለሀ
ዝኾዓትኩሞ ጋህሲ ተሸሚምኩሞ ዶ ሕጂ
ሓሻካ ማለሊት ግደፉ ኢልናኩም እንዲና ግዲ

            ቅርኒብ ዓይኒ ሕብሪ ሸፋሽፍቲ ትፈልዩ
  ጻማ ዓመታት ዘጥረየ ንብረት ክትራስዩ
ሓሳዳት ጥልመት ዝመለለይኦም ደቂ ኣሉላ
ሓሻካ ሽምም ዶ ኢልኩም  ደልሃመት ታኼላ

          ወዮ  ምግዓር ዕብዳን ደሮና ዒግታ
ወዮ ሸንዳሕዳሕ ገምዳሕዳሕ  ገበታ
ወዮ ሸብዳዕዳዕ ተዓሲብካ ንምጽወታ
ሓሻካ ዕርበት መጺኣ ሕጂ ምልማን ያ ብለቖታ

          ሰብ ሕዱር ሕማም  ሽውዓተ ልቦም ማዕሙቕ መሽጎራጉር
ማንታ መልሓሶም  ነውራማት ፈሓርቲ መቓብር
ጉጅለ ጉማታት ጃንዳ ማለሊት ጭፍራ  ህ ወ ሓ ት
ኣድሚጻ እያ ሕጂ እታ ኣላርም ናይ ውድቀትኩም ሰዓት

       ካብ በዓቲ ጫካ ካብቲ ዱር ዓድዋ
ዓጽመ ደም ትምገቡ ኣዛብእ  ተኾይጥኩም  ሽዋ
ብዘይትፈልጥዎ  ጮማ ቅልጽምኩም እንተሓበጠ
ጉማታት ሕጂ መሕብኢ የለን መሸጎጢ  ውሻጠ

           ክንዲ ጻማና ብድጉል ተንኮልኩም  ክፉእ ክንፍደ
ግዜና ሃንኩትኩም  ተንኮለኛ  ልብኹም  ግሩህ  ልቢ ዘንደደ
በትሪ ዘቐብሉ ዘራይ ለኣኽቲ  ከደምቲ  ዝዕሰቡ
ሕጂ ደኣ ዘየድሕኑ ጸሓይኩም እንዳ ዓረበ  ዝዕዘቡ

           ዘይወግሕ መሲልኩም በዚሑ እንዶ ላግጺ 
ዘረፋን  ቅጥፈትን  ብደዐን  ራስያን ዓመጽን  ከም ዘምጽእ ነውጺ
ግዚያዊ ዕንደራ ዘፍ ከም ዝብል ኣብ እግርና ከም ትሰግዱ
ኢልናኩም እንዲና ብዝሰሓልኩሞ ሴፍ ከይትቕርደዱ

          ኣበይ ደኣ ኣለዉ  እኒ ጃንዳ ፍሬዘር እኒ ሽላ 
ሽሞም እኳ ኣይጠዓመ  ምስ ኣዛብእ ዝማቐሉ ዝሕላ
ሕጂ ደኣ ዘየድሕኑ  እቶም  ለኣኽቲ  ትንፋስ ዘይሰኹዑ
ካብ ጥፍኣት ዘየስርሩ  ሓድሕድ ክትባልዑ

         ጸወታ ተወዲኡገይም ኦቨር
ኣዛብእ ቀትሪ ምስ ወኻሩ ናብታ መሮር
 ናብ ጥልቀትኩም ኢኹም  በዓል ስካቨንጀር ቮልቸር     
 ጉማታት ናይ ዘበንና  ገይም ኦቨር   

               ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ)

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events