Dehai News

ዛዕባ „ፍቕሪ“: ንፍሽኽታ`ዶ ክብለኩም ንፈገግታ? ከም ድላይኩም ተርጉምዎ።

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Tuesday, 17 July 2018

ዛዕባ „ፍቕሪ“ ንፍሽኽታ` ክብለኩም ንፈገግታ? ከም ድላይኩም ተርጉምዎ።

https://scontent-frt3-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-1/11208633_861720720549636_1033052359174464893_n.jpg?_nc_cat=0&oh=a9a6212496822a15a0c32ae987639262&oe=5BC9DF1E

ወርሒ ሓምለ 17, 2018 ዓም ፈረንጂ

„ፍቕሪ“ ዝብሉዋስ ኣብ ከርሳ ገለ ምስጢር ኣላታ። „ፍቕሪ“ ንወድ-ሰብ ዘይትገብሮ የብላን። ተዕበድብዶ፣ ናብ ዓሻ ትቕይሮ፣ ቅጫን ጣውላን ትገብሮ። ምኽንያቱ ድማፍቕሪ" ከም ስማ ዓዲ እንዳ-ዓሌት ቀቢላ ወረዳ ኣውራጃ ሃገር እምነት-ሕብሪን ኣይትፈልጥን ጥራሕ ዘይኮነትስ ኣይትፈላልን እያ። ጽልኢ`ውን ኣብ መዝገበ-ቃላታ ፍጹም የሎን ጥራሕ ዘይኮነስ ሃሰስ ኢልካውን ኣይትረኽቦን ኢኻ።

 

ኣብ ኤርትራ ብልክዕ ንምግላጹ ኣብ ክፋል ሓማሴን ወረዳ ካርነሽም ማለት እዩ፣ ኣብ እዋናት ክረምቲ ባሕሪ ብፍላይ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ-ጥሪ ናብ ከበሳ ዝወርድ ቀዝሒን ስጋብ ዓጽምኻ ዝኣቱ ቑሪን-ኣስሓይታን፣ እቶም ጐረቤትና እንታይ ኢሎም ገሊጸሞ መስለኩም፣ „ቑሪ ሓማሸን`ሲ ምስ ለይትፈትዎ የተሓቛቑፈካ“።

 

እዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ደረቕ ስእሊ ናብ ምፍታውን ፍቕርን እትመርሕ ናይ ተሌፎን ምውሳእ ሓደ ወዲ-ተባዕታይ ካብ ጅማ-ኦሮሞ ሓንቲ ምጭውትን ወሓለን ጓለ-ንስተይቲ ካብ መቐለ-ትግራይ ክልቲኦም ኢትዮጵያውያን  ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝገበርዎ ዘረባ እዩ።ፍቕሪ“ ንጽልእን ንኽፍኣትንተንኮልንሕሜታንሓሶትን ንጸለመን ወዘተረፈ..............ኮታ ንኹሉ ኣሉታዊ ኣምራት እያ ትስዕር።

ኣብዚ ታሕቲ መላግቦ ጠዊቕኩም ስምዕዎ።

https://www.youtube.com/watch?v=NOsETYDoRs0

 

ስለዚ ደቂ ሃገር ክቡራትን ሕቡናትን ዜጋታት ኤርትራ፣ ኣይንፈላለ ንፋቶ ንፋቐር ንከባበር ሓወይ ሓፍተይ ንበሃሃል ኣይንገዳዳዕ ንተሓጋገዝ ንተሓባበር.........!!! ኣብዚሔልኩም`? በሉ ኣይተስተዋሕድዎ።

 

 እዚ ወድሓንኩም።

 ሰናይ መዓልቲ!

 

ሓውኹም ብርሃነመስቐል ሃብተማርያም

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events