Date: Tuesday, 17 July 2018
ዛዕባ „ፍቕሪ“ ንፍሽኽታ`ዶ ክብለኩም ንፈገግታ? ከም ድላይኩም ተርጉምዎ።
ወርሒ ሓምለ 17, 2018 ዓም ፈረንጂ
„ፍቕሪ“ ዝብሉዋስ ኣብ ከርሳ ገለ ምስጢር ኣላታ። „ፍቕሪ“ ንወድ-ሰብ ዘይትገብሮ የብላን። ተዕበድብዶ፣ ናብ ዓሻ ትቕይሮ፣ ቅጫን ጣውላን ትገብሮ። ምኽንያቱ ድማ „ፍቕሪ" ከም ስማ ዓዲ እንዳ-ዓሌት ቀቢላ ወረዳ ኣውራጃ ሃገር እምነት-ሕብሪን ኣይትፈልጥን ጥራሕ ዘይኮነትስ ኣይትፈላልን እያ። ጽልኢ`ውን ኣብ መዝገበ-ቃላታ ፍጹም የሎን ጥራሕ ዘይኮነስ ሃሰስ ኢልካውን ኣይትረኽቦን ኢኻ።
ኣብ ኤርትራ ብልክዕ ንምግላጹ ኣብ ክፋል ሓማሴን ወረዳ ካርነሽም ማለት እዩ፣ ኣብ እዋናት ክረምቲ ባሕሪ ብፍላይ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ-ጥሪ ናብ ከበሳ ዝወርድ ቀዝሒን ስጋብ ዓጽምኻ ዝኣቱ ቑሪን-ኣስሓይታን፣ እቶም ጐረቤትና እንታይ ኢሎም ገሊጸሞ መስለኩም፣ „ቑሪ ሓማሸን`ሲ ምስ ለይትፈትዎ የተሓቛቑፈካ“።
እዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ደረቕ ስእሊ ናብ ምፍታውን ፍቕርን እትመርሕ ናይ ተሌፎን ምውሳእ ሓደ ወዲ-ተባዕታይ ካብ ጅማ-ኦሮሞ ሓንቲ ምጭውትን ወሓለን ጓለ-ንስተይቲ ካብ መቐለ-ትግራይ ክልቲኦም ኢትዮጵያውያን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝገበርዎ ዘረባ እዩ። „ፍቕሪ“ ንጽልእን ንኽፍኣትን ንተንኮልን ንሕሜታን ንሓሶትን ንጸለመን ወዘተረፈ..............ኮታ ንኹሉ ኣሉታዊ ኣምራት እያ ትስዕር።
ኣብዚ ታሕቲ መላግቦ ጠዊቕኩም ስምዕዎ።
https://www.youtube.com/watch?v=NOsETYDoRs0
ስለዚ ደቂ ሃገር ክቡራትን ሕቡናትን ዜጋታት ኤርትራ፣ ኣይንፈላለ ንፋቶ ንፋቐር ንከባበር ሓወይ ሓፍተይ ንበሃሃል ኣይንገዳዳዕ ንተሓጋገዝ ንተሓባበር.........!!! ኣብዚሔልኩም`ዶ? በሉ ኣይተስተዋሕድዎ።
እዚ ወድሓንኩም።
ሰናይ መዓልቲ!
ሓውኹም ብርሃነመስቐል ሃብተማርያም