Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ: እዋይ ነበር ምዃን ክሓስም፡ ኣሎኹ እናበልካስ ግስም . . . ንደንበ ተቃውሞ ፌስቲቫላት ካስልን ፍራንክፎርትን

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Friday, 13 July 2018

https://scontent-frx5-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-1/p80x80/26168262_1545698078870844_399954798318832275_n.jpg?_nc_cat=0&oh=dbafd86e2dd7afb9c07101f93f04ed02&oe=5BE403C1 https://scontent-frx5-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-1/p80x80/26168262_1545698078870844_399954798318832275_n.jpg?_nc_cat=0&oh=dbafd86e2dd7afb9c07101f93f04ed02&oe=5BE403C1

Cherunnet Tesfazghi

13.07.2018

ኣብ`ዚ ታሕቲ ጠዊቕኩም ስምዕዎ።

https://www.youtube.com/watch?v=svR1cm5Bw9M

*እዚ ክቡር ሓውና ብዛዕባ እዛ ናይ ጅግኛ ስዉእ ዕቕባጋብር ገብረትንሳኤ ንመን ከም ዝደረፋን ዝተደርፈትሉ እዋንን (1976 ዓም ፈረንጂ) ብጌጋ ገሊጽዎ ኣሎ። ከም ርድኢተይ እዛ ደርፊ እዚ`ኣ ድሕሪ`ቲ ኣብ ሞንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራን ዝተኻየደ ደማዊ ሓድሕድ ውግእ (1981 ዓም ፈረንጂ) ኮይኑ ብስዕረት ተሓኤ ምስ ተደምደመ ንዑስማን ሳልሕ ሳበ ዘይኮነስ ነቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ኩነትን ናብ መሪሕነት ተሓኤ ዝቐንዔ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ባዕልኹም ንኽትሰምዑዋ እታ ሰንሰለታዊት መላግቦ ኣብ ላዕሊ ለጢፈያ ኣሎኹ።

 

ከም መኣረምታ "ድምጻዊ ዕቕባጋብር ገብረትንሳኤ ብ1981 ዓም ሻዕብያ ንተሓኤን መሪሕነቱን ካብ ጸወታ ወጻኢ ምስ ገበረቶ ካብ ዝበሎ ወይ ዝደረፎ ዝወሰድኩዎ ሓረግ እዩ" ኢልካ ክእረምን ክንበብን ይግባእ።   ሰናይ ግዜ ንኹሉኹም!

*ብርሃነ ሃብተማርያም


ድምጻዊ ዑቅባጋብር ገብረ ትንሳኤ 1976 ሻዕብያ ንዑስማን ሳልሕ ሳበ ካብ “ጸወታ ወጻኢ” ምስ ገበረቶ ካብ ዝበሎ ወይ ዝደረፎ ዝወሰድክዎ ሓረግ እዩ።

 

እሞ እነሀለ ራኢ ወያነ ኣብ ጉዳይ ህግደፍ ነበረ ነበረ ኮይኑ። ገለ ውድባት ተቃውሞ ንሓደ ከምዚ ከማይ ኣብ ከብዲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከይተሰከፈን ከይፈርሐን ዝኣምኖን ዝስምዖን ክዛረብ ዕድል ዝረኸበ “እዚ ህግደፍ እዩ” ዝብል ጠቀነ ንቡር ዝነበረ፡ ሎሚ እዚ ጠቀነ’ዚ “ነበረ ነበረ” ኮይኑ። ይትረፍ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ በዓል ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ስምኦን ገብረድንግልን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ጽሕፈቶም ክኸፍቱ ዝሻባሸብሉ ዘለዉ እዋን ክሕሰብሲ ወያነ ኣብ ሕልምኻ ከም ዝዘከርካዮም ከይፈልጡኻ ዝፍራሓሉ ዝነበረ ግዜ “ነበረ ነበረ” ኮይኑ። እቲ ናይ ዓለምና ሰለይቲ ምስ ወያነ ኮይኖም ወጢኖሞ ዝነበሩ ናይ ኮንጎ (ካቢላ) ሞዴል ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዘይምኽኣሉ “ነበረ ነበረ” ኮይኑ። ብውሕዱ አብ ገማግም ውሽጢ ዶብ ኤርትራ ከም መንግስቲ "ሰአድ ሃዳድ" (saad haddad) South Lebanon Army አብ ግዜ ውግእ ሕድሕድ ሊባኖስ (civil war) አብ ዶብ እስራኤል ብደቡባዊ ክፍሊ እታ ሃገር ብናይ እስራኤል ስለያ ዝተተኽለ ናይ ዲያስፖራ መንግስቲ ንምትካል እውን ኣይሰለጠን፡ እዚ’ውን “ነበረ ነበረ” ኮይኑ።

 

እዚ ኣጀንዳ ብኹሉ እንትንኡ ጸሊኡ ኣንጻር ኤርትራ ክቃለስ ወይ ክቃወም ዝጸንሐ ብገጹ ወዲቁ። እቶም ነዚ ኣጀንዳ ከሳስዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ውድባት ኮነ ውልቀ ሰባት ከኣ “ዝሙታትን ዝኑባትን” ኮይኖም ንበይኖም ክዛረቡ ንረኽቦም ኣሎና። ክላእ! ብቀደሙኮ “እቲ ጎቦ ኢሕ ኢሉ ደይ ጸጸር እዩ ወሊዱ ነይሩ” . . . .

 

ኮይኑ ከኣ ህግደፍ ሳላ ጅኦ ፖለቲክ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኣጀንዳ ዲፕሎማሲያዊ ቁርቁስ ዘእተዎ ካብቲ ዓለማዊ መንቀራቅሮ ክወጽእ ኪኢሉ’ሎ። እቲ ኣንጻር ህግደፍ ንኽንቃለስ ክሕግዘና ዝነበሮ ማዕከን ዲፕሎማሲ ናብ ህግደፍ ክውግን ንርእዮ ኣሎና። ውሽጣዊ ዓቅምና ናብ ህዝብና ከየንጸባረቀ “ክንጸልእ” ጥራይ ዘሕለፍናዮ ግዜ እቲ ግዜ ባዕሉ ነቲ ግዜ በሊዕዎ እነሀ።

 

እሞ ደንበ ተቃውሞና ሕጂ ናበይ ገጽና ኢና? እወ! ናውቲ መቃለሲና ውሽጣዊ ትሕስቶ ሃገርና እዩ? እዚ ውሽጣዊ ኩነትና ከም ዘለዎ እዩ ዘሎ። ዝተቀየረ ነገር የሎን። ንሕና ግን ከይጀመርና ደው ዝበልና ኢና። ንጠለብ ውሽጣዊ ኩነትና ክምጥን ዝኽእል ዓቅሚ የብልናን። ዲሞክራሲ መስርሕ እዩ ናይ ገለ ዓመታት ዕማም ኣይኮነን። ነዚ መስርሕ ዝውክል ሓሳባዊ እንተዘይኮይኑ ኣብ ተግባር ክልወጥ ዝኽእል ናይ ቀረባ ኮነ ናይ ርሑቅ ዝተቀየሰ ዝርኣ ስትራተጂ የብልናን። ኩሉ ዘረባን ክትዕን ጽቡቅ ድሌትን ጥራይ ኮይኑ እነሀለ ይበንን ኣሎ።

 

እወ ንስለ ዲሞክራስን ሰብኣዊ ክብርታትን ሕግን ሕገ መንግስትን ክንቃለስን ስለኡ ከነድህን ግዴታናን ሞራላዊ ሓላፍነትናን እዩ። ንምዃኑ ኪኢልናዮ ኣሎና? ካብ ናይ ወያነ ፎብያ ነጻ ዲና? ዋላስ ጌይና ካብዚ ዝኣረገን ዝተበስዐን ችቸቶ ሰንዓ ፎርም ክንምጡው ክንጽበ ኢና? ኣብ ርሑቅ ባሕሪ ሰገር ውሑስ ሰፈራት ምዕራባውያን ኮይና ኣብ ሃገርና ከነምጽኦ እንኽእል ለውጢኸ ኣሎ ዲዩ? ነዚ ረዚን ጠለብ ንምዕዋት ግን ቅድም ቀዳድም ንነብስና ክንግምግም ይግበኣና። ምስ ውሽጥና ክንላዘብ ይግበኣና። ብድሕሪ እዚ እዩ ብዛዕባ ሃገርናን መጻኢ ዕድላታን ክንዛረብ ዕድል ዝህልወና። ካብኡ ሓሊፉ ተሪፉ “ካብ ሸኸም ሃገር ምዃን ነጻ ክንወጽእ ኣይንኽእልን”. . .

 

ቤተ ቸሩ


ኣምስተርዳም

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events