Dehai News

(ቢቢሲ) ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽፈት'ዩ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 13 July 2018

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኽፈት'ዩ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዶ ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ'ዉን ምብጻሕ ከምዝህልዎ ሓላፊ ቤት ጽህፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኣቶ ኣሕመድ ሸዴ ተዛሪቡ።

ስለዝኾነ ድማ ነባሪ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ሃዋሳን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሙቕ ኣቀባብላ ክገብር ጸዊዑ።

ካብዚ ሓሊፉ ኢሉ እቲ ሚኒስትር ኣብ እዋን ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኤምባሲ ኤርትራ ክኽፈት'ዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፊት ንፊት ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ኤምባሲ ኤርትራ ሕድሳት ከምዝተገበረሉ ተሓቢሩ'ሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሳዋ 8ይ ሃገራዊ ፌስቲቫልን ምረቓ መበል 31 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ዘስመዖ መደረ ንሱ ዝመርሖ ጉጅለ ልኡኽ መሪሑ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኸይድ ተዛሪቡ።

ሚኒስትር ሚኒስትሪ ዜና ሃገረ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተሩ ከምዝፀሓፎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጽባሕ ቐዳም ናብ ኣዲስ ኣበባ ፈላማይ ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ ከካይድ'ዩ።

እዚ ዑደት ኢሉ ኣቶ የማነ፡ "ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክልቲኤን ሃገራት ንዝጀመርኦ ተበግሶ ሰላምን ምትሕብባርን ተወሳኺ ሰረት ዘንብር'ዩ"።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣይተ ፍፁም ኣረጋ ብወገኑ፡ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ንሰለስተ መዓልታት ከምዝፀንሕ ገሊፁ።

እዚ ዑደት ምሕዝነትን ርክብን ክልቲአን ሃገራት ዘጠንክር እዩ ድማ ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሳዋ ኣብ ዝተኻየደ ፌስቲቫል ሽልማት እናሃበ።Image copyrightYEMANE G/MESKEL

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ሃገረ ኤርትራ ጽባሕ ከምዝኣቱ ብምግላጽ "እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ልዝብን ስምምዕነት ሰላምን ብዘላቒነት ንክፍታሕ ዘለና ልዑል ድልየትን ባህጊን ንምግለፅን ከምኡ ድማ ንኽብሪ እቲ ልኡኽ ክንብል 7ን 8ን ሓምለ 2010ዓ.ም ሰልፊ ከምዘየለ ነፍልጥ" ክብል ትማሊ መግለጺ ሂቡ'ዩ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ዝኣተዉኦ ዶባዊ ኵናት ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ተበቲኹ፡ ዶባተን ዓጽየን ኣብ ቅርሕንትን ዘይምቅድዳዉን ክመዝጸንሓ ዝፍለጥ'ዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ፈጻሚት ስራሕ ኢህወዴግ ድሕሪ ዘሕለፎ ዉሳነ ምትግባር ዉዕሊ ኣልጀርስን ዉሳነ ኮሚሽን ዶብን ግና ክልቲኤን ሃገራት ድሕሪ 20 ዓመት ንፈለማ'ዉን ብደረጃ መራሕቲ ተራኺበን ሓድሽ ምዕራፍ ምሕዝነት ዝጅምራሉ በሪ ኸፊተን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ዝመርሖ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ሓሙሽተ ነጥቢታት ዝሓዙ ስምምዓት ምምሕያስ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ፣ ምጅማር መጓዓዝያን ምፍቃድ ምንቅስቓስ ሰባትን ካልኦትን ዝርከቡዎም ዉዕላት ፈሪሞም።

እዘን ሃገራት ንሰላም ዘርእየኦ ዘለዋ ቑርብነት ማሕበረ ቑጠባዊ ምትእስሳር ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ካብ ምሕዳስ ብዝሰገረ፡ ንዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ተስፋ ሰላምን ዉህደትን ሒዙ ክመጽእ ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events