Dehai News

(ሓዳስ ኤርትራ) ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 10 July 2018

ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን

ሰሉስ 10 ሓምለ 2018 

ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብጆግራፍ፡ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ ዝተጠምሩ፡ መሰረታዊ ሓባራዊ ረብሓታት ዘለዎም ህዝብታት ከምዝኾኑ ብምግንዛብ፡

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብዚ ሓባራዊ ውርሻ ዝተመስረተ ብሩህ መጻኢ ንምህናጽ ዝነበሮም ዕድላት ከምዝተነፍጎም ብምዝካር፡

ነዚ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉሉን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ኣሉታዊ ስንብራት ዝገደፈን ምዕራፍ ዓጽዮም፡ ነቲ ዝኸሰርዎ ዕድላት ከምልሱን ካብኡ ዝዓበየ ወርቃዊ ዕድላት ክፈጥሩን ቆሪጾም ተበጊሶም ከምዘለዉ መሰረት ብምግባር፡

መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን፡ ኣብዚ ዝስዕብ፡ ሃንቀውታን ድልየታትን ህዝብታቶም ዝገልጽ ሓባራዊ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ፡

1. ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ኩነተ-ኲናት ኣኽቲሙ ኣሎ። ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ተራሕዩ ኣሎ።

2. ክልቲኦም መንግስታት፡ ህያው ረብሓታት ህዝብታቶም ንዘገልግልን ዘሳጒምን፡ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ጸጥታዊ ምትሕብባር ክሰርሑ እዮም።

3. ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት፡ ናይ መጓዓዝያን ንግድን ተለኮሚኒኬሽንን ርክብ እንደገና ክጅምር፡ ዲፕሎማስያዊ ህላወን ንጥፈታትን ክሕደስ እዩ።

4. ውሳኔ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኪትግበር እዩ።

5. ክልቲአን ሃገራት ዞባዊ ሰላምን ልምዓትን ምትሕብባርን ንምውሓስ ብሓባር ክሰርሓ እየን።

ክልቲኦም መንግስታት፡ ንኹሎም ኣዕሩኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ንኹሎም ደለይቲ ሰላም ምስጋናኦም እናኣቕረቡ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ህሞት ምሕዝነቶምን ደገፎምን ከሐይሉ ይጽውዑ።

ኣስመራ 09 ሓምለ 2018

 *ኣብ ክንዲ ሃገረ ኤርትራ:-ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ  

*ኣብ ክንዲ ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ:- ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር. ኣቢይ ኣሕመድ
                                                     
Haddas Ertra_10072018.pdf 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events