Dehai News

EriGazette.org: እዋናዊ መግለፂ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Tuesday, 10 July 2018

Jul
10
2018
 
ወርሒ ሓምለ ዕለት 10, 2018 ዓም ፈረንጂ

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ን20 ዓመታት ዝዘለቐ ኩነታት ኣይሰላም ኣይኩናት በዘላቒነት ንምፍታሕ ብፈፃሚት ስራሕ ኢህወዴግ ንዝቐረበ ውሳነ ስዒቡ ህወሓትን መንግስቲ ብሄራዊ ክልል ትግራይን እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ሕውነት ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ናብ ንቡር ቦትኡ ንምምላስ ኣበርቲዖም ከምዝሰርሕሉ ምውሳኖምን እቲ ውሳነ እውን ንመላእ ህዝቢ ትግራይ፣ ብሄራት፣ ብሔራሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ንህዝቢ ኤርትራን ዕላዊ ምግባሮም ዝፍለጥ እዩ፡፡

መንግስቲ ብሄራዊ ክልል ትግራይ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ክልቲኡ ህዝብታት ብዘላቒ መንገዲ ንምፍታሕ ዘርአዩዎ ዘለዉ ድሉውነትን ተበጊሶን ይንእድ፡፡ ብሕልፊ ድማ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ን20 ዓመታት ዝፀንሐ ኩነታት ብምፍታሕ ምሕዝነትን ሕውነትን ኢትዮ-ኤርትራ ንምጥንኻር ዘርኣዮ ድልየት፣ ባህጊን ፍቕሪን ኣዝዩ ዘሐጉስን ኣብቅድሜና ብሩህ ተስፋ ምህላዉ ዝገልፅን እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ሕውነታዊ ናእዳን ምስጋናን ክገልፅ ይደሊ፡፡

ኩነታት ኢትዮ-ኤርትራ ብዘላቒነት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ኩለ-መዳያዊ ፃዕሪ መንግስትን ህዝቢን ክልል ትግራይ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘለዉ እናረጋገፀ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ነቲ ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕቲ ሰላም ዝያዳ ንምጥንኻር ኣብ ዝሓፀረ እዋን ቀጥታዊ ዝኾነ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ብምጅማር ሕውነቶምን ምሕዝነቶምን ንኸጠናኽሩ ፃውዒቱ የቕርብ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስትን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ

02 ሓምለ 2010ዓ.ም መቐለ


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events