- ዑደት ናብ ባሕሪ ነጋሲ ኣዳራሽ ኣብ ድባርዋ፡ መረብ፡ ከምኡ እንዳማርያምን እንዳ ቢዘንን ኮምቢሽታቶን ብፍላይ ኣብ ታሪኻዊ ህንጻታትታት ዘተኰረ፡
- ታሪኻዊ ርክብ ምስ ጽሙማን ኤርትራውያን፡ እቲ ኣዝዩ ስሚዒትን ምድፍናቅን ዘሕደረለይ፡
- ርክብ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ ደቂ ኣዝማደይ፡ የሕዋተይ፡ ኣሓተይ። ብፍላይ ብስልቲ ኣዘራርብኦምን ብልሖምን ካብ ናትና ወለዶ ፍልይ ዝበሉ፡
- ብወዲ ኣርባዕተ ዝተዳለወ ዝርዝር ሕግታት እንዳባን፡ ገዳማትን ፡ ስለ ነፍሲ-ሄር የማነ ባርያሚካኤል ዝትርኽ ግጥሚ፡
- ምብጻሕ ዝዓበኹሉ ገዛ ኸኒሻን መቃብር እንዳማርያም፡
- ዘተ ምስ ሓለፍትን ምሁራንን ደቂ ሃገር፡
- ቃለ-መጠይቅ ምስ ኤረ-ትቪን፡ ኤርትራ ፕሮፋይልን ብሓልዮት ተስፋዓለምን ኣስማይት ፍጹምብርሃንን ዝተዳለወ ወዘተ.... የጠቃልል።
ኣብ ርእሲኡ እዚ መጽሓፍ ዑደት ብዘመልክት ብዙሕ ርእይቶታትን፡ መብርሂን፡ መግለጽን ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ቁልቁለት ሽከቲ ዝርኣዩ ጸለምቲ ኣእማን/ዓዲ እምኒ ጸሊም, (basalt stones/obsidian) ከምኡ ማዕለያ ዘይብሎም ዓበይትን ንኣሽቱን ጐቦታት ስለምንታይ ኢዮም?
ኣብዚ ክገልጾ ዝደሊ፡ ኣስመራ ከም ፓሪስን ሮማን ብታሪኻዊ ህንጻታትን መናፈሲ ቦታታትን ዘዕለቅለቅትን ዘጌጸትን ኢያ። ዳርጋ ሾሞንተ ሚእቲ ህንጻታት ኣቢሎም ይዀኑ። እዚ ኣብቲ ደቀባት ዝነብርሉ ከይጸብጸብካ ኢዩ። ብዝተረፈ ምእንቲ ከተስብህለላን፡ ብዑምቐት ክትርድኣን ብፍላይ ብልሒ ዓይንን፡ ምስ ታሪኽ ስነ-ጥበብን ስነ-ህንጻን (History of Art and Architecture) ምልላይ የድሊ። በዚ ዝተላዕለ ከኣ'ዩ ተመራመርቲ "ኣስመራ ሕብእቲ ከተማ " ወይ Asmara Hidden Modernist City ዝበልዋ።
ሓተታኡ ሰፊሕ ኢዩ።
እዚ መጽሓፍ ብዙሕ ኣሳእል ኣለዎ።
ቀጺለ እዚ ዝስዕብ መእተዊ መጽሓፍ ከተንብቡ እላቦ።
እዛ መጽሓፍ ብውሑዱ (limited edition) ንተገደስቲ ጥራይ ዝተዳለወት ኢያ። በዚ'ውን መሕተሚኣ ክቡር ምዃኑ ኣይሰሓትን።
ዋግኣ ኣብ ኣሜሪካ $20.00 ንወጻኢ ግና $25.00 ኢዩ፡
ንሓበሬታ HBokure@aol.com ጽሓፉ። የቀንየለይ።
ሃይለ ቦኹረ