Dehai News

BBC.com: ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ክመሓየሽ ከም እትደሊ ገዛኢ ሰልፊ ገሊጹ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Friday, 29 June 2018

June 29, 2018
ፕረዚደንት ዑመር ኣልባሽርን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን
Image copyrightGETTY IMAGES
ናይ ምስሊ መግለጺ
ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ ሓርፊፉ ይርከብ

ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ዘሎ ታሪኻዊ ርክብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሱዳን ምስ ኤርትራ ሃናጺ ዝኾነ ዝምድና ክተማዕብል ድሌት ከም ዘለዋ ገዛኢ ሰልፊ ሃገራዊ ጉባኤ ሱዳን ገሊጹ።

ምክትል ሓላፊ ሰክረታርያት ጉዳያት ኣፍሪቃ ናይቲ ሰልፊ፡ ዑመር ዓጣ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ብምኻድ ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ኢብራሂም ኢድሪስ ድሕሪ ምርኻቡ'ዩ ነቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ክልቲኦም ወገናት ንክልተኣዊ ቁጠባዊን ፓለቲካውን ርክባቶም ክምዕብል ከም ዘለዎ ተረዳዲኦም ክብል እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና እናሓርፈፈ ክመጽእ ከም ዝጸንሐን፡ ሱዳን ምስ ቐጠርን ኢትዮጵያን ተሓባቢራ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ ጸጥታዊ ምንቅስቓሳት ትገብር ኣላ ክትብል ከሲሳታ ነይራ'ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዶባት ብምዕጻው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወታሃደራታ ናብቲ ዶባት ኣንቀሳቒሳ ከምዝነበረት ይዝከር።

ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ክሕርፍፍ ዝጀመረ ኣብ 2014 ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዝምድና እናሓየለ ምኻዱን ወታሃደራዊ ስምምዓት ድሕሪ ምግባራን'ዩ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ንኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትዕራቕ ተደጋጋሚ ፈተነታት ኣካይ ከም ዝነበረ ይንገር።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ንብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ቅደመኩነት ተቐቢሉ ከተግብሮ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ካብ ኤርትራ ኣወንታዊ ግብረ መልሲ ረኺቡ'ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ መንግስቱ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከበግስ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ብ26 ሰነ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፓለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብምርኻብ "በሪ ሰላም ተኸፊቱልና ኣሎ" ክብል ኣበሲሩ።

ሱዳን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቊባ ዘላ ጎረቤት ሃገር'ያ።

ኣብ 1994 ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና በቲኸን ከም ዝነበራን ናይ ሓድሕደን ተቓወምቲ ጉጅለታት ኣብ ምድጋፍ በጺሐን ነይረን'የን።

 
Dm eri tv subscribe

ERi-TV, Eritrea: Ethiopia Welcomes President Isaias Afwerki, July 14, 2018 - Part 1

Hdri Media Books on Amazon.com
visit hdrimedia.com