Dehai News

(ሓዳስ ኤርትራ) መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብልዑል ሓበን ተዘኪራ * መንግስቲ ኤርትራ፡ ልኡኽ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ከበግስ እዩ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 21 June 2018

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብልዑል ሓበን ተዘኪራ

*መንግስቲ ኤርትራ፡ ልኡኽ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ከበግስ እዩ

Eritrea to send a delegation to Addis Abeba for peace talks
ሓዳስ ኤርትራ    21 ሰነ 2018 - 

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ - 20 ሰነ፡ ኣብ መላእ ሃገርን ኤርትራውያን ኣብ ዝነብሩለን ሃገራትን ብልዑል ሓበን ተዘኪራ።

ብደረጃ ሃገር ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ብኣሽሓት ዝቚጸር ህዝብን፡ ካብ ሰዓት 6፡00 ንግሆ ብባንድ ምረሻን ዕንባባታት ዝሓዙ መንእሰያትን ተመሪሖም፡ ካብ ሓወልቲ ሽዳ ክሳብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣካዪዶም።

ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊልጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤልን ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን፡ ኣኽሊል ዕንባባታት ኣንቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ነዛ ዕዝዝቲ ዕለት፡ ንሃገራዊ ሓርነትን ጸወን ልኡላውነትን ብጅግንነት ንዝተሰውኡ ሰማእታት ብኽብሪ ንምዝካር፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ከካይዶ ንዝቐነየ፡ ምብራህ ጥዋፍ፡ ምትካል ኣግራብ፡ ስፖርታውን ባህላውን ንጥፈታት ዘጠቓልል መሰናድኦታት ድሕሪ ምምስጋን፡ ዓመተ-2018 ብፍሉይ ምስ ዝሓለፈ ፈላሚ ዓመት ካልኣይ ርብዒ ዘመን ናጽነትና፡ መዋእል መቐይሮ ወይ ምስግጋር ዝረኣየለን ዘሎ ዓመታት ብምዃነን፡ ንናይ ሎሚ ዕለተ-ሰማእታት ፍሉይ መኣዛ ዝህብ ምዃኑ ገሊጹ።

“ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ እወታዊ ምዕባለታት ንምዕዋት፡ ኤርትራ ብንጥፈት እትጸምደሉ ቀዳምነት’ዩ” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ንግዳማዊ ዓለማዊ ኣጀንዳታት ከገልግል ተባሂሉ ብዝተሓርየ ፖሊሲታት፡ ናይ ክልተ ወለዶታት ዕድላት ከምዝኸሰረ፡ ብደግሲ ዝምቡዕ ዓለማዊ ፖሊሲታት ዝወረደ ዕንወት፡ ዝተኸስረ ዕድልን ዝተኸፍለ መስዋእትን ድማ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ብምንጻር፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዞባና ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ኸኣ ብፍላይ ዝተቐልቀለ ተርእዮታት፡ ግቡእ ኣቓልቦ ዝሓትት ምዕባለ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ “ከም ናይ ኤርትራ ተመሳሳሊ፡ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድሌት ንስኒት ምስ ኤርትራ፡ ሓድሽ ምህዞ ኣይኰነን።” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ’ዚ መወዳእታ እዋን ክስደድ ዝጸንሐ እወታዊ ምልክታት፡ መግለጺ ህዝባዊ ሕርያ ምዃኑ ኣረዲኡ። “ተመላላእነት ናይ ክልቲኡ ህዝብታትን ሃገራትን፡ ክልተኣዊ ሓባራዊ ረብሓታቶምን ዕብየቶምን፡ ንልዕሊ ክልተ ወለዶታት ዝደኸምናሉን ዝተሰዋእናሉን ብጹእ ዕላማ ስለዝኾነ፡ ብንጥፈት እንጸምደሉ ቀዳምነት’ዩ” ክብል ድማ ኣገንዚቡ። 

እቲ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ንቅያን ታሪኽን ሰማእታትናን መብጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ንትግባረ ሕድሮምን ብዘንጸባርቕ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ደሚቑ ነይሩ። 

ምሉእ ትሕዝቶ መደረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ 


ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ 

በዛ ዕዝዝቲ ዕለት፡ ንሃገራዊ ሓርነትን ጸወን (protection) ልዑላዊነትን፡ ብጅግንነት ንዝተሰዉኡ ሰማእታት፡ ብክብሪ ንምዝካር፡ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን፡ መላእ ህዝቢ ምስ ህጻናትን ኣረጋውያንን፡ ዝተፈላለየ መሰናድኦታት. . . ምብራህ ሽምዓ፡ ምትካል ኣግራብ፡ ስፓርታዊን ባህላዊን ንጥፈታት ዝወደቡ ኩሎም፡ ልዑል ምስጋና።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ዓመተ 2018 ብፍሉይ፡ ምስ ዝሓለፈ ፈላሚ ዓመት ካልኣይ ርብዒ-ዘመን ናጽነትና፡ መዋእል መቐይሮ ወይ ምስግጋር ዝርኣየለን ዘሎ ዓመታት ብምዃነን ንናይ ሎሚ ዕለተ ሰማእታት ፍሉይ መኣዛ ዝህብ’ዪ።

ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን፡ ንግዳዊ ዓለማዊ ኣጀንዳታት ከገልግል ተባሂሉ ብዝተሓርየ ፓሊሲታት፡ ናይ ክልተ ወለዶታት ዕድላት ከሲሮም’ዮም። ብናይ ሓባር ቃልሲ ሓርነታቶም ረኺቦም፡ ንኽለተኣዊ ተመላላኢ ረብሓታቶም ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሓባራዊ ዕብየት ህዝብታት ቀርኒ-ኣፍሪቃን ኪኖኡን፡ ኣብ 1991 ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ዝተበገሱሉ፣ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ-ዘመን፡ ብደግሲ ዝምቡዕ ዓለማዊ ፓሊሲታት፡ ዝወረደ ዕንወት ዝተኸስረ ዕድልን፡ ዝተኸፍለ መስዋእቲን ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ነይሩ። 

ሰለስተ ተኸታተልቲ ምምሕዳራት ኣብ ዋሺንግተን፡ ብሎተሪያ ሶቭየት፡ ተረኽበ ኢሎም ዘንቀሉዎ ፍልስፍና ዓለማዊ ስርዓት፣ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ንኣሜሪካ ኣብ ርእሲ ዘውረዶ ናይ ትሪልዮናት ቁጠባዊ ክሳራ፣ ብናይ ጽልዋ ሚዛን ‘ተተራእየ’ውን፡ እቲ ምንቁልቋል ዓቢ እዩ ነይሩ። ኣብ ዞባና ብገፊሑ ዘኸተሎ ምምዝባልን ዕንወትን’ውን ገዚፍ’ዩ። እዚ ሕጂ ዓመትን መንፈቕን ገይሩ ዘሎ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ዝሓለፈ ክሳራታት ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ክሳራታት ዘኸተለ ፖሊስታት ንምቕያር ብዘለዎ ድልየት፡ ዝተፈላለየ ኣመታት ክህብ ጸኒሑ’ሎ። ኪኖ ዘመተ ምንሻው፣ ዘጋጥሞ ዘሎ ተቓውሞታት ውሑድ ኣይኰነን። ድልየቱን ክእለቱን ብንጹር ክንፈርድ ዘሀውኽ እኳ እንተዘይብልና፡ ብንጡፍ ክንጸምድ ብዝቐየስናዮ እስትራተጂያዊ ሕርያ፣ ብዘይቅድም ብይን (prejudge ከይገበርናን) ሰጋእመጋእ ከይበልናን፡ ምስ መሻርኽትና ተሓባቢርና፡ ነቲ ምምሕዳር ናብ’ቲ ቅኑዕ መኣዝን ክንድርኽ ክንሰርሕ ኢና።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ኣብ ዞባና ብሓፈሻ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኸኣ ብፍሉይ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ዝተቐልቀለ ተርእዮታት፣ ግቡእ ኣቓልቦ ዝሓትት ምዕባላ’ዩ። ወያነ ምስ ዘሸቀሉዎ ዘራያት ናይ ዝተኸተሎ ኣዕናዊ ፓሊሲታት፣ ዝዓበየ ግዳይ ወይ ከሳሪ፡ ንቝልቁል ከምዝተፋነን ዝተገደደ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ዩ። ወያነ፡ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ተመላላኢ ጉልበት ኪፈጥሮ ዝኽእል ዝነበረ ኣወንታዊ ክልተኣዊን ዞባዊን ኩሉ-ጎናዊ ዕብየት ምኹላፍ’ውን፡ ካልእ ዝዓበየ መጉዳእቲ እዩ ገይሩ። ናይ 27 ዓመታት ግዜ ምንዋሕን ክሳራን፣ ኣዚዩ ከቢድ’ዩ። እቲ ሃሰያ ንህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኪኖ ምጽዋር ስለዝኸደ ግን፡ ህዝቢ ነዲሩ ንዒቡ፡ “ይኣክል!” ስለዝበለ፣ ናይ ወያነ ኣሽካዕላል ኣብቂዑ፤ “game over” ተባሂሉ። ኢትዮጵያ ኸኣ፡ ኣብ እዋን ምስግጋር ወይ መቐይሮ ትርከብ። ናበይ? ብኸመይ? ዝብሉ ሕቶታት ኪለዓሉ ንቡር እዩ። ነቲ ግዕዙይን ሕሙምን ሓድጊ ሓጺብካ ቅርዑይ ሃዋሁ ምምጻእ፣ ግዜን ስራሕን ይሓትት’ምበር፡ እቲ መኣዝን ንጹር’ዩ። 

ወያነን ዝተፈላለዩ ጉማታትን (vultures) እቲ ለውጢ ኣሰናቢዱዎም ጥራይ ዘይኰነ፡ ጸወታኦም ከም ዘብቀዐ ኣረጋጊጾም ስለ ዝፈልጡ፡ ወልፎም ከይተርፎም፡ ንዝዀነ ለውጢ ንምዕንቃፍ ዘይህቅንዎ ኣይኪህሉን እዩ። ሓደ ካብቲ መናውሒ-ዕምሮምን መሰናኽልን ኢሎም ዝሓስቡዎ ዝበለየ ሽጣራ፣ ምስ ኤርትራ ወጥሪ ከም ዝቕጽልን፡ ዘይሕጋዊ እገዳ ከምዝዕቀብን ምስራሕ ስለዝዀነ፣ ነቲ ብዘይምኽኒት ዘባርዕዎ ትርጉም ዘይብሉ ግጭት ዶብ ተንጠልጢሉ ከም ዝጸንሕ ንምግባር፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ከጋውሕዎ ዝፈተኑ “ሕራይ. . . ግን” ዝዓይነቱ ጣቋ፡ መርኣያኡ’ዩ። ሕሙም ሕልናኦም ብዓቢኡ ግን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዀነ ለውጢ ምቝጻይ’ዩ። 

ከም ናይ ኤርትራ ተመሳሳሊ፣ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድልየት ንስኒት ምስ ኤርትራ፣ ሓድሽ ምህዞ ኣይኰነን። ኣብ’ዚ መወዳእታ ክስደድ ዝጸንሐ ኣወንታዊ ምልክታት ከኣ፡ መግለጺ ናይ’ቲ ህዝባዊ ሕርያ‘ዩ ኪበሃል ይከኣል። ተመላላእነት ናይ ክልቲኦም ህዝብታትን ሃገራትን፣ ክልተኣዊ ሓባራዊ ረብሓታቶምን ዕብየቶምን፣ ንልዕሊ ክልተ ወለዶታት ዝደኸምናሉን ዝተሰዋእናሉን ብጹእ ዕላማ ስለ ዝዀነ ኸኣ፣ ብንጥፈት ንጸምደሉ ቀዳምነት እዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፡ ወጻኢ ካብ ዘመተታት ህዝባዊ-ርክባትን ዜናዊ ምቅብባልን፣ ንህሉው ኩነታት ብቐጥታን ብዕምቈትን ምእንቲ ክንፈልጦን፡ ቀጻሊ ውጥን-ስራሕ ምእንቲ ክንነድፍን፡ ልኡኽ ናብ ኣዲስኣበባ ከነበግስ ኢና።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን 

ብዛዕባ ዓለማዊን ዞባዊን ኩነታት ዝህልወና ቅኑዕ መረዳእታን፡ እንቕይሶም ፖሊሲታትን፡ ነቲ ቅድሚ ኩሉ ‘ንሰርዖ፣ ዘቤታዊ ውህደትን ሓይልን፡ ቁጠባዊ ዕብየትን ራህዋን፡ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ስለ ዘለዎ፣ ዝተፈላለዩ ጽላታዊ ልምዓታዊ መደባትና፣ ምስ ጐረባብትና ብሓፈሻ፡ ብፍሉይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ኣዛሚድና ክንርእዮ ባህርያዊ’ዩ። ክሳብ ንሓርነት ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ፣ ድሕሪ ሓርነት’ውን ንድሕነት ልዑላዊነትና ሰማእታት ዘሕለፍናሉ ስለዝዀነ፣ ሕጂ ብዝያዳ ክንሰርሓሉ መብጽዓናን ሞሳ ሰማእታትናን’ዩ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ሰማእታትና! 

ዓወት ንሓፋሽ! 

Haddas Ertra_21062018.pdf 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events