Dehai News

BBC.com: ደሃይ 35፡ ኣምለሰት ሃይለ ካብ ኩዌት

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 07 June 2018

07.06.2018
ኣምለሰት ሃይለ
Image copyrightAMLESET

ስመይ ኣምለሰት ሃይለ እባሃል።

ኣመጻጽኣይ ናብ ኩየት ብኣጋጣሚ ዝኾነ ነገር'ዩ። ገና ንእሽተይ ከለኹ ምስ መምህረይ ተዃርየ ንሰሙናት ትምህርተይ ኣቋሪጸ።

ሽዑ ሓንቲ ካብ ኩዌእት ንዕርፍቲ ዝመጸት ጉረቤትና ረኺበ ናይ ምኽያድ ሐሳብይ ኣካፊለያ። ንሳ ግን ምስ ዕድመይ ኣነጻጺራ ንሓሳባተይ ኣይተቀበለቶን። ዋላ'ኳ ወረቐተይ ወሲዳ ቪዛ ንምህራም ቃል እንታተወትለይ፤ ንምትግባሩ ግን ኣይፈቐደትን።

ብወገነይ ልበይ ዘንቀሎ ንምትግባር ክሰምዓ ኣይደለኹን። ስለዚ ቪዛይ ኣህሪመ ጉዕዞይ ኣምሪሔ።

ኩዌት ብሃብታ ጥራይ ካብ ኢትዮጵያ እትፍለ ይመስለኒ። ብጣዕሚ ሃብታማት'ዮም። ካብ ሃገርና ዝፈልያ ነገር እንተሃለወ ንሕና ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ኣለና። ንሳቶም ድማ ገንዘብ ኣለዎም።

ኣብዚ ከተማ ብብዝሒ ዝምገቦን ዝፈተዎን መግቢ ብመሽሩምን ኣደጎራን ዝስራሕ ናይ መረቕ መግቢ እዩ። ካብ መስተ ድማ ካብ ቀጠልያ ፍሩታት ዝስራሕ ጽማቕ እመርጽ።

ኣብ ዓደይ ከለኹ ኣትሒዘ እስፖረታዊት ብምንባረይ ስፖርት ኣዝየ ዝፈትዎን ዘዘውትሮን መዓልታዊ ምንቅስቓሰይ እዩ።

ኩዕሶ እናተፃወተት
Image copyrightAMLESET

ኣብ ሃገረይ ኩሉ ነገር'የ ዝናፍቕ፡ ብዝያዳ ግን ኣየር ናይ ዓደይ ኣዝየ እናፍቕ። ኣብዚ ካብ ዘሎ ካኣ ባሕሪ እፈቱ።

ካብ ገዛይ ብመስኮት ኮይነ ባሕርን በብዓይነተን መካይንን ምምዕዳው ደስ ይብለኒ።

ኣዝዩ ዝገርመኒ ሙቀት ከምኡ'ውን እቲ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ሓመድን ከም ማይ ዝዘንብ ደሮናን ዘራጊቶን'ዩ።

እዚ ክብል እንከሎኹ ከም ናይ ዓድና ዘይኮነስ ብኣዝዩ ዘገርም ኩነታት'ዩ ዝዓስለካ።

ኣምለሰት ሃይለ
Image copyrightAMLESET

ክቕይሮ ዝደሊ ብዙሕ ነገር'ዩ። ኣነ ኣብ ገዛ'የ ዝሰርሕ። እዚ ድማ ኣብ ዓደይ ኮይነ ክገብሮ እንተዝኽእል ክንደይ ምፈተኹን ወትሩ ዝምነዮን'ዩ።

ናይ ኢትዮጵያ በዓላት ክህልው እንከሎ ንዝከሮን ነብዕሎን እዃ እነተኾና፡ ንድሕሪት መሊሰ ኩሉ ዝነበረና ሕብረት፣ ማሕበራዊ መነባብሮ፣ መሐዙትን ቤተሰብን የዘኻኽረኒ'ሞ ኣዝየ እህንጠ።

ብሕታውነት ስለዘረስዓኒ ከኣ ከሕልፎ ኣይደልን።

ኣምለሰት ሃይለ
Image copyrightAMLESET

ኣብ'ዚ ዓዲ ብዙሕ ዘማርር ነገር'ዃ እንተዘየጋጠመኒ እቲ ዝዓበየ ማሕለኻ ኮይኑኒ ዘሎን ዝነበረን ቋንቋ'ዩ።

ቋንቋ ዘይምፍላጥ ካብ ክንደይ እትሐስቦን እተደልዮን ነገር የትርፈካ።

ብዓብይኡ ድማ እቲ ቋንቋ ብዘይምፍላጥካ እተፈጥሮም ጌጋታት ዘስዕቦ ኣሽሙርን ሰሓቕን፡ ተገዲድካ ክትፈልጦን ጻዕሪ ከተካይዱን ይሕግዝካ'ዩ ኢለ'የ ዝኣምን።

ብሃንደበት ተላዒለ ንዓደይ ምዃድ ዕድል እንተዘጋጥመኒ፡ ኣብ መቐለ ክዓርፍ ምፈተኹ። ኣዝየ ዝናፍቓን ዝሃርፋን ቦታ ብምዃና።

 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events