Dehai News

(ቢቢሲ) መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ሙሉእ ንሙሉእ ተቐቢሉ ተግባራዊ ከምዝገብር ኮሚቴ ስራሕ ፈፃሚ ኢህወዴግ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 05 June 2018






  06/05/2018   ቢቢሲ
መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ሙሉእ ንሙሉእ ተቐቢሉ ተግባራዊ ከምዝገብር ኮሚቴ ስራሕ ፈፃሚ ኢህወዴግ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

ኮሚቴ ስራሕ ፈፃሚ ኢህወዴግ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝገበሮ ስሩዕ ኣኼብኡ ዘሕለፎም ውሳነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ንክልቲኣዊ ረብሓ ክልቲኦም ህዝብታት ክበሃል ነዚ ውሳነ ምሕላፉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ 1990 ጀሚሩ ዝተፈጥረ ኲናት ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘጋጠሙ ደም ዘፋስሱ ሓደ እንትኾን፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ብርክት ዝበለ ህይወት ጠፊኡ'ዩ።

እዚ ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ሰፊሕ ማሕበረ ቑጠባዉን ፖለቲካዉን ቅልዉላዉ ፈጢሩ ጸኒሑ።

ስለዝኾነ ድማ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት እንታይ ክኸዉን ይኽእል? ዝብል ሕቶ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ከምኡ'ዉን ማሕበረሰብ ዓለም ኮይኑ ጸኒሑ።

ብድሕሪ እቲ ክልቲኤን ሃገራት ዝኣተዉኦ ኲናት ብኣዛታይነት ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ብስምምዕ ኣልጀርስ ክዛዘም'ኳ እንተተገበረ፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ተፈፃሚ ከይኮነ 'ዩ ጸኒሑ።

ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዝነበሮ ኩነታት ንምምላስ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተኻየዱ ፈተነታት ኩሎም ዉጽኢት ከምጽኡ ኣይኽኣሉን ኢሉ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ።

ስለዝኾነ ድማ "ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ሰላም ንምስፋን ካብቲ ዝነበረ ዝተፈለየ ቅዋምን ኣካይዳን የድሊ" ኢሉ።

ድሕሪ ምዝዛም ኩናት ኢትዮ ኤርትራ ክልቲኤን ሃገራት "ኩናት ኮነ ሰላም ኣብዘይብሉ ሃዋህው" ከምዝፀንሓ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ኢህወዴግ ብተወሳኺ 'ውን መንግስቲ ንበይኑ ክቆፃፀሮም ዝፀንሐ መፍረይትን ኣገልግሎት ወሃብትን ትካላት ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ከኣ ብኽፋል ናብ ዋንነት ውልቀ ክዘሩ 'ውን ውሳነ ኣሕሊፉ'ሎ።

ሰብ ሃብቲ ውሽጢ ዓዲ፤ ኣብ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብፅሒት ክህልዎም ከምዝወሰነ ድማ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት 'ዚ፤ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ዝርከቡ ኮነ ገና ኣብ ህንፀት ዘለዉ ናይ ባቡር፣ ልምዓት ሽኮር፣ ፓርክታት ኢንዱስትሪ፣ ከምኡ ድማ ኣብ ሆቴልን ማንፋክቸሪንግን ዝሰርሑ ትካላት ኩሎም፤ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ከኣ ብኽፋል ብዝግበር መሸጣ ብፅሒት (ኣክስዮን) ናብ ዋንነት ውልቀ ክዘሩ እዩ ተወሲኑ።

ብተመሳሳሊ ድማ፤ ኣብ ኢትዮ ቴሌኮም፣ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን መፈልፈሊ ሓይልታት ኤሌክትሪክን መንግስቲ ዝዓበየ ብፅሒት ሒዙ፤ እቲ ዝተረፈ ብፅሒት ንሰብ ሃብቲ ውሽጢ ዓዲ ክወሃብ ከምዝሰርሕ ኢህወዴግ ኣፍሊጡ።

ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወደግ ስምምዕ ኣልጀርስ ተግባራዊ ክገብር ወሲኑ




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events