Dehai News

BBC.com: እዋን ዘይሰዓሮ ዝኽሪ ቓልሲ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Wednesday, 09 May 2018

9 ጉምቦት 2018 ዓም ፈረንጂ
https://ichef.bbci.co.uk/news/768/cpsprodpb/D1B1/production/_101218635_chinaandhiwet.jpg
LETBERHAN KAHSAY/ HIWOT GEBREEGZIABHER ለተብርሃን ካሕሳይ (ጸጋመይቲ) ሂወት ገብረእግዚኣብሄር(የመናይቲ)

1982 ንሰውራ ኤርትራ ጽንክርቲ ዓመት እያ ነይራ።

ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ንሕቶ መሰል ርእሰ ውሳነ ንምጭፍላቐ ንህዝባዊ ግንባርን ህውሓትን ንምድምሳስ "ሁሉም ነገር ወደ ጦር ግንባር - ኩሉ ነገር ናብ ዓውደ ኩናት" ብዝብል ጭርሖ ንኣስታት ክልተ ዓመት ምሉእ ተዳልዩ፡ ክሳብ ቀመማዊ ጋዝን ዘበናዊ ኣጽዋርን ሩስያውያ ኣማኸርቲ ኩናት ከይተረፈ ኣኽቲቱ ንሳሕል ዝወፈረላ ዓመት እያ ነይራ።

ኣብ ገማግም ጽርግያ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ኹሉ ናብ ሳሕል ዝተምም ዝነበረ ወተሃደር ስርዓት ደርግን ኣጽዋርን ርእዩ ልቡ ሓቖፈ።

ነበርቲ ከተማ ኣስመራ ነቲ ዕልቕልቕ ሰራዊትን ኣጽዋርን ከምኡ እውን ነተን ለይትን ቀትርን ለይትን ካብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ንሳሕል ዝበራ ዝነበራ ብለይትን ቀትርን ዝድብድባ ኣንቴኖቫትን ሚጋትን ርእዩ "ኦሮማይ!" ደጊም ኣኸለ በለ።

ካብቲ ክውንነት እቲ ተበጊሱ ከኣ እዩ ነቲ ኩናት ንዝስንዱ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ዝኣሊ ዝነበረ ውሩይ ጋዜጠኛን ጸሓፍን በዓሉ ግርማ" ዳሕራይ ምኽንያት ሞቱ ንዝኾነት " ኦሮማይ!" ዘርእስታ ንምረት ኩናት ሻድሻይ ወራር እተገልጽ ታሪኻዊት መጽሓፍ ዝደረሰ።

ተጋዳሊት ሂወት ገብረእግዚኣብሄር፡ ነቲ ብዙሕ ዝተዘርበሉ፡ ደርግ፡ ብቀመማዊ ጋዝ ከይተረፈ ዝተዳለወሉ ኣሻቓሊ ወራር ንምምካት፡ ዕጭኣ ክትቅበል ምስ ኣሃዱኣ ኣብቲ እትምክሓሉ ጽኑዕ ሰንሰለት ኣኽራናት ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዓሪዳ ንምጅማር እቲ ወራር ትጽበ ነይራ።

"ኣብ ሻዱሻይ ወራር እቲ ስነ አእሙራዊ ታህዲድ እዩ ከፊኡና። ብለይቲ ዝድብድባ ነፈርቲ፡ ዕውት ደኣ ኣይነበረን እምበር፡ ከባቢኻ ዝብክል ቀመማዊ ጋዝ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ዝወዳደብ ሺሾ ሰራዊት፡ ኣዚዩ መሪር ጥሜት፡ ሻድሻይ ወራር ….." ሕሉፋ ክትዝክር ኣብ ትዝታ ጠሓለት ሂወት።

ኣብቲ እዋን፡ ሬድዮ እቲ ግምባር፡ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ፡ ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ኤርትራዊ፡ ሰውርኡ ንምድሓን ክኸትት ትጽውዕ ነበረት። ኣብቲ ጽንኩር እዋን ከኣ ንሂወትን ብጾታን ሓደ ዓቢ ሩፍታ ዝህብ ዜና ተሰምዐ።

ሰለስተ ብርጌድ ሰራዊት ህወሓት፡ ምስ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ንናይ ሓባር ጸላኢኦም ክምክቱ ንሳሕል ምእታዎም ተወርየ። እዚ ኸኣ ንሞራል እቶም ኣብ ግንባራት ዓሪዶም ነቲ ወራር ከምክኑ ኣብ ተጠንቀቕ ዝነበሩ ተጋደልቲ ሓፍ ኣበሎ።

እተን ሰለስተ ብርጌዳት ህወሓት፡ ካብ ዶብ ሱዳን፡ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ክሳብ ሓልሓልን ባርካን ኣብ ኣስታት 500 ኪሎሜተር ኣብ ዝዝርጋሕ ሰንሰለት ኣኽራናት፡ ኣብ ሰለስተ ግንባራት ዓሪደን ምስ ዝነበራ 9 ብርጌዳት ህዝባዊ ግንባርን መከናይዝድ ሓይልን ተጸንበራ።

ለተብርሃን ካሕሳይ (ቻይና) ናይ ሽዑ መራሒት ሓይሊ፡ ሓንቲ ካብቶም፡ ካብ ምድረ ትግራይ ምስ ኣሃዱኣ ንናቕፋ ዝኣተወት ተጋዳሊት ህወሓት እያ።

ቻይና ኣብ ናቕፋ ዓሪዱ ምስ ዝነበረ ሰራዊት እያ ተመዲባ። ቅድሚኡን ድሕሪኡን ኣብ ዝተፈላለየ መሪር ኩናት ተሳቲፋ እያ'ሞ፡ ኣብ ምድረ ኤርትራ ብምሒር ደብዳብ፡ ኣግራቡን ደናጉላኡን ብምሕራሩ፡ "ሓሙኽቲ!" ተባሂሉ ኣብ ዝተሰምየ፡ ኣብ ጸጋማይ ግንባር ናቕፋ ኣብ ትክሰን ኩባንያን ዝተኻየደ ኩናት ግን ብፍሉይ እያ ትዝክሮ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/695/cpsprodpb/8FE9/production/_101214863_31898513_1673930539359997_1162792842691608576_n.jpg

LETEBRHAN KAHSAY ተጋዳሊት ህወሓት ለተብርሃን ካሕሳይ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ሰሰለስተ ኣባላት ህወሓት ከምእተመደቡ እትዝክር ሂወት ኣብ ጋንታኣን ሓይላን ንዝነበሩ ውፉያት ተጋደልቲ ብናፍቖት እያ ትዝክሮም።

በሪሁ፡ ጻድቃን፡ ገብረመድህን ቀጢንን ገብረመድህን ጸሊምን፡ ኣብ ጋንታኣ ከም ሳልሳይ መራሕ ጋንታ ኮይኑ ዝተመደበ ብ01 ዝጽዋዕ ውሩይ ተጸዋታይ ጭራ ዋጣ ተጋዳላይ፡ ምስ ወዲ በሪህን መራሒ ሓይሊ ዝነበረ ገብረሃንስ እቲ ዝርዝር ብዙሕ'ዩ።

ተጋደልቲ ክልቲኦም ውድባት ካብ ኩሉ እቲ ዝዘንቦም ኣጽዋር ነብሶም ንምዕቃብ ሓቢሮም ኣኻውሕ ከይተረፈ እናጨደዱ፡ መዕቆብን መዋግእን ዕርድታት ሃኒጾም።

እቲ ምትሕብባር፡ ጸላኢ ምምካት ጥራሕ ዘይኮነ፤ ተመኩሮ ናይ ምቕሳምን ምምህሃርን መድረኽ እውን ከምዝነበረ ትዝክር ሂወት ህዝባዊ ግንባር። ቻይና ህወሓት እውን፡ ካብ ዓይኒ ጸላኢ ንምኽዋል ኩሉ ምንቅስቓሳት፡ ብለይትን ጸልማትን ከምዝካየድ።

ኣጋጣሚ ኮይኑ ሓደ እዋን ክዳን ክሓጽባ ንሩባ ምስ ወረዳ ከቢድ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙ ናብ ድፋዓተን ዝጎየያሉን ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍለሉን ፍጻሜ ግዜ እንተነውሐ እውን ኣይረሰዓቶን።

ናብ ሰኑይ 15 ለካቲት 1982 ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ሰራዊት ህውሓትን ህዝባዊ ግንባርን ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝተኣኻኸብ ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ንምስንባድ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ምጅማር ሻድሻይ ወራር ኣበሰሩ።

ሂወት ዝነበረታ ኣሃዱ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል "ታባ ሓሰር" ንዝስመ ዕርዲ ጸላኢ እያ ኣጥቂዓ። መቸም ከም ኩናት ገይሩ ህይወት ሰብ ዝበልዕ ሰብ ኣምጸኦ ኣዕናዊ ነገር የሎን።

ሂወት፡ ካብቶም ዝናብ ኣጽዋር እናተኻዕዎም ናብቲ ዕርዲ ዝኣትዉ ዝነበሩ ብጾታ፡ ተጋዳላይ ህወሓት 01 ኣብ ቅድሚኣ ተሃሪሙ ወደቐ፡ እግሪ እግሩ ከኣ እዮብ ዝተባህለ ማንጁስ ህዝባዊ ግንባር ወደቐ።

ኣብ ዝወደቕዎ ክትሕክሞም ምስ ከደት ክልቲኦም ትንፋሶም ሓሊፉ ጸንሓ። " እቲ ኩነታት ጽንኩርን ግዜ ዘይህብን ብምንባሩ ከኣ ንኽልቲኦም ኣብ ሓንቲ ጉድጓድ ቀቢርናዮም!" ብምባል ዝኽራ ተካፍል።

እታ ፍጻሜ፡ ኣብነት ናይቲ ኣብ ኣስታት 500 ኪሎ ሜተር ዝተዘርገሕ ዕርድታት፡ ናይ ሓባር ጸላኢ እናመከቱ፡ ብሓባር ተሰዊኦም ብሓባር ናይ ዝተቐብሩ ክልቲኡ ውድባት መርኣያ ዓሚቝ ምትሕብባር እዩ።

ሻድሻይ ወራር ብምትሕብባር ክልቲኡ ሓይልታት ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ መሪር ኩናትን ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ዝበዝሐ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ወራርን ኮይኑ ብዓወት ተዛዚሙ።

ብድሕርዚ ተጋደልቲ ክልቲኦም ውድባት ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት እቲ ቓልሲ ከም ሓደ ኣካል ኮይኖም ብሓባር ብምስራሕ ሓድሕዳዊ ተመኩሮ ተቐሳሲሞም።

እንተኾነ "ሰውራስ የራኽብ እምበር ኣየማኑን" ከምዝበሃል፡ ምፍልላይ ኮይኑ ተጋደልቲ ህወሓት ቃልሶም ክቕጽሉ ንምድረ ትግራይ ክኸዱ እንከለዉ ብምድፍናቕን ብኽያትን ከምእተፈናነው ሰብ ዝኽሪ ተጋደልቲ ይሕብሩ።

ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚታት ዳግማይ ተራኺቦም ሕሉፎም ክዝክሩ ዕድል ዝረኸቡ ተጋደልቲ ክልቲኡ ውድባት ውሑዳት እዮም።

ህይወት ገብረእግዚኣብሄር ሓንቲ ካብኦም እያ። ኣብ 1985 ኣብ መስመር ጎንደር ሑሞራ፡ ምስ ተጋደልቲ ህወሓት ብሓባር ኣብ ባዕከር ንዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ንምጥቃዕ ንኢትዮጵያ ምድረ ትግራይ ምስ ሰገረት፡ ክልተ ደቂ መስርዓ ዝነበሩ ተጋደልቲ ህወሓት እናጎየዩ መጺኦም ብናፍቖት ክጥምጠሙዋ ትዝክር።

ብፍቕርን ናፍቖትን ተሰዓዒሞም፤ ኣብቲ ግዜ ዘይህብ ናይ ድሮ መጥቃዕቲ ሃዋህው ከኣ ደሓይ ሓድሕድ ተለዋዊጦም።

ሂወት መስዋእቲ እቲ ኣብ ሳሕል መራሓ ሓይላ ዝነበረ ተጋዳላይ ተስፋይ ምስ ተነግረት ብልቢ ሓዚና፡ እንተኾነ ግን ንሳ እውን ንጽባሒቱ መስዋእቲ ይጽበያ ስለዝነበረ ከም ሰብ ሓዚና ከም ተጋዳሊት ግን ጨኪና ናብ ምድላዋታ ምስጋራ ትዝክር።

ንጽባሒቱ እውን ከምዝሓሰቡዎ ሰሊጡዎም ምስቶም " ኣብ ዓወት የራኽበና!" ኢላ ዝተፈልየቶም ደቂ መስርዓ ነበር ተጋደልቲ ህወሓት ኣይተራኸበትን ኣስማቶምን ምስሎምን ግን ወትሩ ምስኣ ተሪፉ ኣሎ።

ክልቲኦም ሓይልታት፡ ኣብ መስርሕ ሓንሳብ ብዝመውቕ ሓንሳብ ብዝዝሕል ዝምድናታት ሓድሕድ እናተደጋገፉ ኣብ መወዳእታ ንስርዓት ደርግ ስዒሮም ዕላማታቶም ኣረጋጊጾም።

ኣብ ሻብዓይ ዓመት ዓወቶም ግን ብዶባት ብእተሳበበ ምኽንያት ኣብ ኩናት ኣትዮም።

ሂወት ህዝባዊ ግንባር "ተጋደልትና ብሓባር ተሰዊኦም ብሓባር ስለዝቐበርናዮም ካብኡ ዝዓቡ መግለጺ ፍቕርናን ምሕዝነትን ኣይነበረን፤ እዚ ኹሉ ሓሊፉ፡ ጸላኢና ስዒርና ዓዲ ምስ ኣተና ግን ብዘተ ክፍታሕ ኣብ ዝነበሮ ጉዳይ ሓድሕድና ምስተዋጋእና ብልቢ ጉህየ" ትብል፡ ተጋዳሊት ለተብርሃን ካሕሳይ'ውን ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ዘለዋ። " እቲ ጉዳይ ካብ ትጽቢተይ ወጻኢ'ዩ ኮይኑኒ።

ብሓደ ተቐቢርና፡ ብዙሕ መስዋእቲ ተኸፊሉ ናብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ምእታዉና ከምዝኸሰርኹ እየ ዝወስዶ። ክፍጠር ዘይነበሮ ነገር'ዩ ተፈጢሩ" ክትብል ከኣ ትገልጾ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/695/cpsprodpb/8391/production/_101218633_31543124_1696994200379658_199550653087875072_n.jpg

HIWOT GEBREEGZIABHER ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር ሂወት ገብረእግዚኣብሄር

እቲ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ግንቦት 1998 ዝጀመረ ኩናት ክልተ መቓልስቲ አሕዋት ዘየሕዘኖ ህዝብን ፈታውን ኣይነበረን። ብፍላይ እቲ ብኩናት ዝሓለፈን ዝተሞኮረን ኩናትን ሳዕቤን ኩናትን ዝፈልጥ ግን ዝያዳ ኣለዎ።

ይኹን እምበር እቲ ክኽውን ዘይግበኦ ኣሻሓት ህይወት ዘጥፈአን መጠን ዘይብሉ ንብረት ሃገር ዘባኸነ ኩናት ተኻይዱ።

እንተኾነ ድሕሪ ህልቂትን ዕንወትን ኣብ መወዳእትኡ ብዳንነት እዩ ተወዲኡ። ናብ ዳንነት ምኻድ ካብ ዘይተርፍ ግን ቅድሚ ጥፍኣትን ዕንወትን እኳ ክኸውን እንተነበሮ መራሕቲ ፓለቲካዊ መኪና ክልቲኡ ሓይልታት ስለዘይለበሙ ውጹዕ ህዝቢ ተጎዲኡ።

ተጋዳሊት ለተብርሃን ካሕሳይ ከም አሕዋት ብሓባር ብዙሕ መስዋእቲ ከፊልና ከነብቅዕ ናብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ምእታዉና ከምዝኸሰርኹ እየ ዝወስዶ ዝበለት ከኣ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነትን "ክፍጠር ዘይነበሮ ነገር'ዩ ተፈጢሩ" ክትብል ከኣ ትድምድም።

ሂወት እውን እቲ ዝሓለፈ ከምዘጉሃያ እናሓበረት፡ ሕጂ ግን እቲ ጉዳይ "ክልቲኦም መንግስታት ፈትዮም ረድዮም፡ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ክንቅበል ኢና ተሰማሚዖም ካብ ዝኸዱዎ መጋባእያ ንዝተዋህቦም ፍርዲ ተቐቢሎም ነዚ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ከዕርፉዎ ኣለዎም" ክትብል ርእይቶኣ ተጠቓልል።

ክልቲአን መቓልስቲ ቀደም ከኣ ከምቲ ብሓባራዊ ዕላም ምእንቲ ሰላምን ቅሳነትን ህዝበን ዝተዋደቓ፡ ዕቤትን ሰላምን እዚ ጎረባብቲ ህዝብታት ቀሲኑ ክርእየኦ ምንዮተን ይገልጻ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events