Dehai News

Tigrigna.VoaNews.com: ዘርኢ-ጣፍ ኣብ ኣሜሪካ ማዕረ ክንደይ ይፍለጥ? ቃለ-መጠይቕ ምስ ኤርትራዊ-ኣሜሪካዊ ሓረስታይ ኣቶ ተስፋ ድራር

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Wednesday, 09 May 2018

ኣቶ ተስፋ ድራር
ኣቶ ተስፋ ድራር*

ኣቶ ተስፋ ድራር ይበሃል። ኣብ ኣሜሪካ ዕዉት ሓረስታይ ጣፍ`ዩ። ኣብ ጋዴን ከባቢ ዓላ ተወሊዱ- ዘርኢ ጣፍ ቅድሚ 37 ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ዘላለየ ፈላማይ ሰብ ምዃኑ ይገልጽ።

ኣቶ ተስፋ ድራር ኣብ 1981 ዓ.ም ናብ ኣሜሪካ መጺኡ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚኖሶታ ኣብ ዝምሃረሉ ዝነበረ እዋን፡ ካብ ዓዲ 10 ኪሎ ጣፍ ኣምጺኡ ከምዝዘረአን ሓደ ኩንታል ከም ዘእተወን ይገልጽ። ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ግን ኣብ ሽዱሽተ ግዝኣታት ኣሜሪካ ክሳብ ሓሙሽተ ሺሕ ሄክታር መሬት ከምዝሓርስን ንልዕሊ 250 ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝኸፈተን ገሊጹ`ሎ።

“ጣፍ ካብ`ቲ `ግሉትን ` ዝብሃል ኣብ ስርናይ ዝርከብ ንጥዕና ዘይሰማማዕ ንጥረ-ነገር ናጻ ስለዝኾነ፡ ኣሜሪካውያን ከይተረፈ እናፈተውዎ ይኸዱ`ለዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሓዋሩ ንስርናይ ሓሊፉ ቀንዲ እኽሊ ኣሜሪካ ክኸውን`ዩ” ይብል እዚ ኤርትራዊ-ኣሜሪካዊ ሓረስታይ።

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events