Dehai News

(ድምጺ ኣመሪካ ቋ/ ትግርኛ) ኣምባ. ያማማቶ ምስ ፕረ.ኢሳያስን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኤርትራ ተራኺቦም፥ተዘራሪቦም

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 25 April 2018

ኣምባ. ያማማቶ ምስ ፕረ.ኢሳያስን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኤርትራ ተራኺቦም፥ተዘራሪቦም

ሚያዝያ 25, 2018

ኣስመራ — 

ብተተካኢ ምኽትል ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ዶናልድ ያማሞቶ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣንን ተራኺቡ።

እቲ ርክብ ኣብ ክልቲኣዊ ምርድዳእ ዘተኮረ ምንባሩ፡ በዓል-ስልጣን ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ሚስተር ወህለርስ ማሪዮ ንወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ሓቢሩ`ሎ።

MR. ማሪዮ ኣብ`ቲ መልእኽቱ፡ ኣምባሳደር ያማሞቶ ኣብ ኣስመራ ምስ ዝመደበሮም ዲፕሎማቲክ ኮሚኒቲን ምስ ሰራሕተኛታት ኢምባሲ ኣሜሪካን ርክባት ከምዘካየደ`ውን ጠቒሱ`ሎ።

ንሱ ኣተሓሒዙ፡ ኣሜሪካ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ፍልልያተን ብሰለማዊ መንገዲ ክፈትሓ ምትብባዕ ከምትቕጽልን፡ ኣብ`ቲ መስርሕ ንምሕጋዘን ቅርብቲ ኮይና ከምዘላን ኣብሪሁ። እቲ ዑደት፡ ኣካል ናይ`ቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ሰፊሕ ሓባራዊ ረብሓ ምዃኑ`ውን እቲ በዓል-ስልጣን ኢምባሲ ኣብ ዝለኣኾ ጽሕፍ ጠቒሱ`ሎ።

US delegation led by Acting Assistant Secretary for Africa, Amb Yamamoto, paid a three-day visit to Asmara. The delegation met with President Isaias Afwerki & other officials; discussed prospects of bilateral ties and cooperation on regional issues.

ብኻልእ ወገን፡ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብዛዕባ`ቲ ርክብ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ብተተካኢ ምኽትል ሚንስተር ወጻኢ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ያማሞቶ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ከምዘካየደን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ከምዘተራኸበን፡ ብዛዕባ ሓባራዊ ዝምድና ዘሎ ራእይታትን፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳት ብዛዕባ ምትሕብባርን ዘትዮም ይብል።

ኣምባሳደር ያማማቶ ዑደቱ ናብ ጅቡቲ ብምቕጻል ብዛዕባ ክልቲኣዊ ርክባት ጸጥታን ኤኮኖሚን ርክባት ከምዘካየድ፡ ድሕሪኡ ድማ ሓሙስ 26 ሚያዝያ፡ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ብዛዕባ ዘሎ ሓባራዊ ረብሓን ሻቕሎትን ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ክራኸብ ትጽቢት ከምዝግበር፡ ካብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ዝወጸ ሓበረታ የመልክት።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።





6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events