Dehai News

ማዕበላዊ መገሻ (ካልኣይ) - Book Review by Haile Bokure

Posted by: Biniam Tekle

Date: Saturday, 07 April 2018


ማዕበላዊ መገሻ (ካልኣይ)


       ቅድሚ ናብ’ቲ ኣርእስተ-ነገር ናይ’ዚ ካልኣይ ጽሑፍ ምእታውና፡ ድሕሪ ባይታኡ ወይ መንሰኤ (background) ምጥቃስ የድሊ። ብመሰረቱ ኣብ ቀዳመይ መጽሓፍ ከም ዝገለጾ፡  ኣብ ውሽጢ ምውቅን ርኽቡን ሓዳር፡ ብሰንኪ እምነት ምጉዳል ዝኣክል ክሳብ ኣብ ፍትሕ ዘብጽሕ ቅልውላው ይለዓል። ግን ምእንቲ ዝተወልዱ ኣርባዕተ ቆልዑ ህይወትን መጻኢ ዕድልን ብምሕሳብ፡ ብሽምግልና ዕርቂ ተኻይዱ ሕድገታት ከም ዝተገብረ ይዝከር። ይኹን እምበር  ኣስዒቡ ብዝተኸሰተ ኲነት፡ ንኣብነት ፖሊቲካን ኣተዓባብያን ቆልዑን፡ ምትእትታው ውልቀ-ሰባትን ኣዝማድን  ስለ ዝጸለወ፡ ብወገን ሰበይቱ ድማ   ስኽፍታን (insecurity)፡ ዘይምትእምማንን ብምስፋኑ፡ ንዳሕራዩ ናብርኦም ከመይ ኢሉ ከም እተመነዛበለ ኣስዒብና ክንገልጾ ኢና። 

 

       ብመሰረቱ ዝዀነ ድርሰት ዓይነት (genre) ኣለዎ። ስለዚ’ውን እዚ ጽሑፍ ደቂ-ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም (man against man)፡ በቲ ሓደ ወገን ጐንጺ  ምስ ሕብረተ ሰብ (man against society) ንኣብነት ፖሊቲካን ናይ ኣራኣእያ ፍልልይ ብልብኻ ዝምስጥን ስምዒትካ ዝትንክፍን ክትርኽ ንርኢ። ኣብዚ ብዓብዩ ወይ  እቲ ቀንዲ ተዋስኣይ (protoganist) ኣቦ ሓዳር “ዳንኤል” ክኸውን ከሎ፡ በዓልቲ ቤቱ ሄለንን፡ ማሕበረ ሰብ ኤርትራን ኣብ ኣሜሪካ ብንእሱ ኢዮም።

      

       እምበኣር ኣብ’ዚ ሕልኽልኽን፡ ወጥርን፡ ግጭትን ዝመልኦ ሰብኣዊ ትልሂት (human drama) ብፍላይ ወጅሂ ወይ ባህሪይ (personality/character) ናይ’ዚ ቀንዲ ተዋስኣይ ምጥቃስ የድሊ። ዳንኤል ሙሁር፡ ብክውንነትን፡ ብምምዝዛንን  እምበር ብስምዒት ዘይምራሕ፡ ብጉዳይ ሃገሩን ስድራ ቤቱን ብማዕረ ዝግደስ፡ ካብ’ቲ ሞያኡ ሓሊፉ  (engineering) ብዛዕባ ባህልን፡ ጠባያትን፡ ተሞክሮ ደቂ-ሰባት ኣፍልጦ ከም ዘለዎ ንርኢ። ስለዚ ነዞም ባህርያትን፡ ክእለትን ምርኩስ ብምግባር፡ ነቶም ኣብ ውልቃዊ ህይወቱን (ስድራ-ቤቱ) ከምኡ ማሕበራዊ ህይወቱ (ፖሊቲካ) ግርጭታት ንምፍታሕ ዘርእዮ መኸተ፡ ነቲ መልእኽቲ ጽሑፍ ማለት ስኒትን ተጸዋርነትን ዓቢ ድምቀት ይህቦ።

       ብድሕሪ’ዚ ቀጺልና ግጭታት ዝረኣይሎም መድርኻት (stages/scenes) ምጥቃስ የድሊ። ንኣብነት ኣብ ቤተ-ክርስትያን፡ ሓዘን፡ ክለብ ወዘተ…። ጠንቁ  ዝዀኑ ዕላልን፡ ስብከትን፡ ዘረባን፡ ሓልየትን፡ ኣስተዋጽኦን (contribution) ምስ ኲነታት ሃገርን ፓሊቲካን ኣዛሚድካ ብምርኣዩ ኢዩ። ንኣብነት ብዋዛ ዀነ ብሓቂ ኢንጅነር ዳንኤል ሓንቲ ነፋሪት ድሮን ምስ መሃዘ፡ ህዝቢ ኣኪቡ ብምርኣይ ከመይ ጌይሩ ኣብ ኤርትራ ከም ዘተኣታትዋ (technology transfer) ከም ዝኽእል መግለጺ ይህብ። ግናኸ ነገሩ ናብ ፖሊቲካ ብምጥዋይ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምህዞ ዝተባብዕ ሃዋህው ከም ዘየሎ ብምግላጽ፡ ታዕታዕ (social discord) ይፍጠር። እዚ ድራማ (satire) ዝዀነ ተግባር ወይ ርእይቶ ብፖሊቲካ መኹባዕቲ ( political filter) ተጾሙቑ ከም ዝሓልፍ የተንብሃልና። እዚ ብውሽጡ-ውሽጡ ጽልእን፡ ቅርንሕትን፡ ህልኽን ከይዘንጋዕኻ ኢዩ። ንኣብነት ዳንኤልን ብጾቱን  ንዳሕራዩ ንተቃወምትን ንዘይተቃወምትን ከምኡ ሻራ ዘይብሎም ኣኪቡ፡ ብትዕግስትን፡ ብምምይያጥን፡ ብምርድኣእን ዘይሰማምዕሉ ገዲፎም ዘተሓብብሮም ዘበለ ብምጽዳቅ ተሓባቢሮም ዝሰርሕሉ መንገዲ ኣብ ምንዳይ ዝገበሮ፡ ከመይ ኢሉ ከም ዝፈሸለ ናይዞም ዝዘርናዮም ተጻብኦታት መርኣያ ኢዩ።

       እዚ ከይኣክል ኣብዚ እንነብረሉ ጸቢብ ወይ ንሓድሕድና እንፋለጠሉ ኤርትራዊ ዓለምና፡ ብስንኪ ፖሊቲካን ኣራኣእያን ፍልልያት ዝኣክል፡ ንውሽጣዊ መነባብሮና ከይተንከፎ ወይ ከይንጸላለዎ ኣይተርፍን። ንኣብነት ኢንጂነር ዳንኤል ካብ ውልቃዊ ወይ መነባብሮ ሓዳሩ ሓሊፉ፡ ህዝቡን ሃገሩን ከገልግል ብዝሰርሓሉ ግዜ፡ በዓልቲ ቤቱ ሄለን ግና ብዛዕባ ሃለዋትን፡ ድሕንነትን ሓዳራ (security) ከምኡ ምስ ሰብ ሓቢርካ ናይ ምንባር (social acceptance) ከገድሳ ንርኢ። ባህርያዊ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ስድራኣ ዓለማ ስለ ዝዀነ። ፒራንደሎ እቲ ውሩይ ደራሳይን ኣቅራቢ ትልሂትን  ኢጣልያዊ ከም ዝበሎ “ ምንም ኣደ ወዳ ይሰዋእ…. ከም ወላዲት መጠን  ኣደ ኣደ’ያ፡ ፖሊቲካ ኣየገድሳን ኢዩ።” ንዳሕራይ ዘኸተለ ፍትሕን፡ ዝገጠመ ሓደጋን ኣዝዩ ስሚዕትካ ዝቅስቅስን ዘሔዝንን ኢዩ። ምኽንያቱ ከም’ቲ ኣርእስቲ እዚ መጽሓፎ ዝእምቶ “ህይወት ማዕበላዊ መገሻ” ኢያ። ብፍላይ እዚ ዶሪስ ደይ ኣብ ሱሳታት ከምዚ ዝስዕብ ዝደረፈቶ የዘኻክረና፡-

Che sera sera

What ever will be

Will be….

For the future is not ours to see……

ዝዀነ ክኸውን ኢዩ ግና…..

ስለ ዘይንፈልጦ መጻኢ ዕድልና።

 

       ነዞም ዝጠቀስናዮም ርእይቶታን ክውንነትን መሰረት ብምግባር፡ ዳንኤል ዝተጋራጨው ፈተናታት ህይወት ብምሕላፉ፡ እታ “ጽንዓት” እትብል መትከል ሃገርና ከም ዘውዲ ደፊእዋ ኢዩ።

     A French philosopher said, “ No man is strong unless he bears within his characters antitheses strongly marked.”

ንሙሉእ ጽሑፍ ኣብ ታሕቲ ተመልከት።

    ስለዚ’ውን ብጉዳይ ሃገር ዝመጸ ዘይምስማምዕን፡ ምቅዋምን ክለዓል ባህርያዊ ኢዩ። ሽግሩ ግና መንቀሊኡ (motif) እንታይ  ከም ዝዀነ ብምግንዛብ፡ ዳንኤል ንኹሎም ወገን ኣኪቡ ከቃልዕ (confrontative) ይሕልን። እወ ንስነ ሕልና። በዚ’ውን ዘመናዊ ፕረታርየስ ወይ ሶክራትስ ይገብሮ። ምኽንያቱ መሰረት ጽሑፍን መልእኹቱን ኣብ ክንዲ ንኻልኦት ምፍራድ ወይ ምውቃስ መጀመርያ ነብስኻ ክትብርብር ወይ ክትድህስስ ስለ ዝግበኣካ። እዚ መጽሓፍ ብዙሕ መልእኽቲ ዘጠቃልል ኢዩ፡ ኣንበብቲ ባዕላቶም ኽከታተልዎ ነተሓሳስብ።

        ልዕሊ ኹሉ ኣገዳሲ ዝገብሮ ግና፡ ብሰንኪ ስደት ዝኣክል ህዝብና ኣብ ኣሜሪካ ዝገጥምዎ ሽግራትን፡ ጭንቅን፡ ሃልኪ ናብራን፡ ኣተዓባብያ ቆልዑን፡ ዘሰንብድ ባህልን (culture shock) ኢዮም። ደራሲ ከም ኣካል ናይ ሕብረተሰብና “ብከይብሉኒ” ከይኰነስ፡ እንታይድኣ “ብሓልየትን ብመጠንቀቅታን” ተሞክሮታትና ቁልጭ ኣቢሉ ክዝርዝሮም፡ ኣብ ዓይኑና ይረኣዩና። ስለምንታይ ግን ? ሓቂ ኢዮም። በዚ’ውን መጽሓፉ ዕዙዙን፡ ሃናጽን፡ ነባሪን ይገብሮ።

 

       ብሓቂ ከም’ዚ  ዝኣመስለ መጽሓፍ ኣንቢበ ኣይፈልጥን። ኣዚዩ ማሪኹኒ። ይኹን እምበር ሓደ ሓደ ጉድለታት ኣለው እንተተባህለ፡ ገሊኦም ሽግራት ሃገርና ምስ ባህልናን ተሞክሮናን ዝተኣሳሰሩ ስለ ዝዀኑ፡ ደራሲ ንድሕሪት ተመሊሱ ዘትውከስ ምሓሸ። ካብ ምዝንጋዕ ክኸውን ይኽእል፡ ምኽንያቱ ብልኡም ኣጸሓሕፍኡን፡ ኣወዳድቃ ቃላቱን፡ ኣሳኻኽዓ ምስላታቱን፡ ውርዙይ ኣዘራርባኡን ኣዝዩ ጭዋ (cultured) ክብሎ እደፍር።

       ኣብ መወዳእታ ዝዀነ ኤርትራዊ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቡን ዝግደስ፡ ነዚ መጽሓፍ ምንባብ ጥራይ ከይኰነስ፡ ንውሉድ ወለዶ ክዕቅቦ እላቦ። ምኽንያቱ ካብ ኣራኣእያ ፍልልይ ሓሊፉ፡ ኣብ ስደት ዘሕለፍናዮ ተሞክሮታትን፡ ህይወትን ብጹሑፍ መልክዕ ሒዙ ስለ ዝቀረበ። በዚ’ውን ደራሲ የዕብዮ መስፍን፡ ንክንድ’ዚ ምዕባዩ ዝኣክል መጽሓፍ ከዳሉ ዝወሰደሉ ግዜን፡ ጻዕርን፡ ድኻምን፡ ወጻእን ብምግንዛብ ብስም ኩሎም ኤርትራውያን የመስግኖ።

       ምናልባሽ እንተሓሲብሉ ፡ ብቀጻሊ  ኣብ ሳልሳይ መጽሓፉ ክራኸብ ዕድመን ጥዕናን ኣምላኽ  ይሃበኒ።

 

ሃይለ ቦኹረ

 

 

 The strong man holds in a living blend strongly marked opposites. Not ordinarily do men achieve this balance of opposites. Not ordinarily do men achieve this balance of opposites. The idealists are not usually realistic, and the realists are not usually idealistic. The militant are not generally known to be passive, nor the passive to be militant. Seldom are the humble self-assertive, or the self-assertive humble. But life at its best is a creative synthesis of opposites in fruitful harmony. The philosopher Hegel said that truth is found neither in the thesis nor the antithesis, but in an emergent synthesis which reconciles the two.   

Source:-

King, L. Martin (1981). Strength to Love. Page. 13.




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events