Dehai News

(Haddas Eritrea via DendenMedia) ጸገም ማይ ከተማ ኣስመራ መሰረታዊ ፍታሕ ክረክብ’ዩ

Posted by: Dehai

Date: Saturday, 07 April 2018


 

ጸገም ማይ ከተማ ኣስመራ መሰረታዊ ፍታሕ ክረክብ’ዩ




ጸገም ዝስተ ማይ ከተማ ኣስመራ መሰረታዊ ፍታሕ ክረክብ፡ ምምሕዳር ዞባ ማእከልን ካልኦት ዝምልከቶም ሃገራውያን ኣካላትን ዘካይድዎ ዘለዉ – ኣብ መድረኻት ዝተኸፋፈለ ዕማም፡ ብጽቡቕ ይግስግስ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ብልዑል ሱታፌ ህዝቢ ዝሰላሰል ዘሎ መደብ፡ ምስራሕን ምውዳድን መዋህለሊ ማይ ኣጋንእ ኣብ በረኽቲ ቦታታት፡ ምዂዓት ካናለታት፡ ምዝርጋሕ ሻምብቆታት፡ ምህናጽ መከፋፈሊ ቦታታት፡ ከምኡ’ውን ምውዳድ መዐደሊ ነቚጣታት ኣብ ገለ ቦታታት ከም ዘጠቓልል፡ ኣብ ክፍሊ ማይ ዞባ ማእከል ሓላፊ ጨንፈር ጽሩይ ማይ ኢንጂነር ኪዳነ ክፍለማርያም ገሊጹ።

ዛጊት ኣብ ጨርሒ፡ ኣርባዕተ-ኣስመራ፡ ሓዝሓዝ፡ እንዳቆርቆስ፡ ቀሓውታ፡ ፎርቶን ዓዲ-ቀን ነፍሲ-ወከፉ ክሳብ ኣስታት 6,800 በርሚል ዝሕዝ 21 ዓበይቲ ኣጋንእ ከምእተሃንጸ ዝሓበረ ኢንጂነር ኪዳነ፡ መስርሕ ምዝርጋሕ ዓበይቲ ሻምብቆታትን መከፋፈሊ ማእከላትን እውን ገለ ክዛዘም እንከሎ፡ ገለ ድማ ገና ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ንምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታት ኣባሻውልን ኣርባዕተ-ኣስመራን ዘገልግል መስመራት ከም እተፈተነን፡ ዕዉት ውጽኢት ከምዝሃበን ጠቒሱ ድማ፡ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ኣዋርሕ ምሉእ ብምሉእ ንምዝዛሙ ብውህደት ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ሓላፊ ፕሮጀክት ስርሓት ኣጋንእ ኣቶ ሰመረ ታረቀ፡ ኣብ’ቲ ስራሕ ዝሳተፉ ዘለዉ መንእሰያት ዘርእይዎ ዘለዉ ተወፋይነትን ብህዝቢ ንዝግበረሎም ዘሎ ምትብባዕን ብምምጓስ፡ “ናይ ምግባር ዓቕሚ መንእሰያትና ዘረጋገጸ – ኣድማዒ ስራሕ” ክብል ገሊጽዎ።

ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት፡ እቲ ዛጊት ተሰላሲሉ ዘሎ ዕማም፡ ኣብ ቀረብ ማይ ዝጸንሐ ጸገማት መሰረታዊ ፍታሕ ዝረኽበሉ እዋን ርሑቕ ከምዘይኮነ ዘነጽር ምዃኑ ብምሕባር፡ ህዝቢ ነቲ ፕሮጀክትታት ብውሕሉል ኣገባብ ክጥቀመሉ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ’ቲ ስራሕ ዝሳተፉ ዘለዉ ሞያውያን መንእሰያት ብወገኖም፡ እቲ ፕሮጀክትታት ኣብ’ቲ ዝተመደቦ ናይ ግዜ ገደብ ንክዛዘም’ሞ ህዝቢ ክርህዎ፡ ብትግሃት ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም።

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events