Dehai News

ዕወት ንኹሎም ጃንዳ ኣብ ምጥፍኣ ዝዋስኡ ዘለዉ ሓይልታት ኢትዮጵያ

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Tuesday, 20 March 2018


ፍትሕ ወያነን ኣሜሪካን ግዚኡ ኣኺሉ፡

መንግስቲ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዘለዋ ጥቅሚ ንምሕላው ዝሰግደላን ዝንብርከኸላን ዕሱብ መንግስቲ ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትመስል ዝተመርጸት ስርዓት ወያነ ኣገልጋሊታ ክትከውን ተቆጽረት። ካብ ኣፍንጭኣ ኣርሒቓ ዘይትሓስብ ጭፍራ ምጉዚት ምኳን ስልጣን ዓለም ምጭባጥ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ ሕንኽ ከይበለትን ኣድቂቓ ከይሓሰበትን እሺ ኢላ ተቐበለቶ። ብመሰረት ጎይቶታት (ኣሜርካ) ዝተዋህባ መምርሒ ምስ ጎረባብታ ክትተሓናፈጥ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ክትዘርግን ተበገሰት። ብኡ መሰረት ድማ ምስ ኤርትራን ሶማልን መበገሲ ዘይብሉ ሃላሊ ኲናት ኣወጀት። ኣብ ልዕሊ ሂወት ሰባትን ንብረትን ሰፍ ዘይብል ዕንወት ኣኸተለት፡፡ መስፈሪ ጁብኣ (ዶሞዛ) ብመሰረት ዘውረደቶ ዕንወት ጌራ ስለ ትመዝኖ ሰላም ጎረባብታ ክትዘርግ ስርሐይ ኢላ ቀጸለቶ።

ጃንዳ ካብ ተሞኩሮ ካልኦት ሃገራት መሳርሒ ኣሜርካ ዝነበራን ዘለዋን ሕጂ ኣብ ዲቕ ዝበለ መቕዘፍትን ዕንወትን በጺሔን ዘለዋ ከይትምሃር ንግዚያዊ ረብሓ ድኣንበር ዘላቒ ስለ ዘይትሓስብ እንሆ ሎሚ እቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ሑሴን ሙባረክ ዘርኣየቶ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ጃንዳ ወያነ ይዝምቢ ኣሎ። ከም ውጺኢቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ ህዝቢ ትግራይ ጭምር ጸረ ምምሕዳር ወያነ ኣብ ፍቖዶ ዓድታት ከተማታትን ተቛውምኡ የርኢ። ጃንዳ ምስ መንግስቲ ኣሜርካ ዝነበራ ቃልኪዳን ኣብ ዘብቃዓሉ ዘሎ እዋን ህዝቢ ኢትዮጳያ ኩሉ ሓደ ኣካል ኮይኑ ነዛ ጠላም ስርዓት ኣብ ጎሓፍ ከእትዋ ዕጥቁ ከደልድል ይግባእ። ውድቀት ወያነ ዓወት ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ስለ ዝኾነ፤ ነዚ ጸረ ጃንዳ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ምትብብዑ ሓላፍነት ኩሉ ኣብ ዞባና ጥቕሚ ዘለዎ ኣህዛብ የገድስ። ዓወት ንኹሎም ጃንዳ ኣብ ምጥፍኣ ዝዋስኡ ዘለዉ ሓይልታት ኢትዮጵያ።

ነባሪ  ዝኽሪ ንሰማእታትና                                                                                                                     

ዓወት ንሓፋሽ                                                                                                                             
ገብረንጉስ መስመር                                                                                                            
መጋቢት 20, 2018.

  

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events