Dehai News

ሓዳስ ኤርትራ (Haddas Ertra) / ቃል ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 08 March 2018

ቃል ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ


8 መጋቢት 2018 

8 መጋቢት፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ንምሉእ ኣግእዞ ደቀንስትዮ ዓለም ብሓፈሻ፡ ደቀንስትዮ ኤርትራ ድማ ብፍላይ፡ ብሕሉፍ ቃልሲን መስዋእቲን ዘረጋገጽኦ ገስጋስ ብምዕቃብ፡ ንቀጻሊ ስራሕን ተጨባጢ ውጽኢትን ቃለን ዘሐድሳላ ዕለተ-ዝኽሪን ገምጋምን እያ። በዚ መሰረት፡ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት ብደረጃ ሃገር ናብ’ቲ ቀንዲ ሰረት ማዕርነት ዝኾነ ምሕያል ብቕዓት ደቀንስትዮ ብምትኳር፡ “እርከና ደቀንስትዮ - መቕድም ምዕሩይነት!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ከም ወትሩ ብኽብሪ ትጽምበል ኣላ።

ኣብ ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ ሰፊሮም ካብ ዝርከቡ - ድሙቓት ሃገራዊ ዕላማታት ሓደ፡ ምርግጋጽ ምዕሩይ ዕድላት ንኹሎም ዜጋታት፡ ብሕልፊ ድማ ምርግጋጽ መሰልን ማዕርነትን ናይተን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ዝዀና ደቀንስትዮ እዩ። ብርገጽ ድማ መሰልን ሓርነትን ፍርቂ ኣካሉ ዘየኽበረ ሕብረተሰብ፡ ኣግእዞ ኣለዎ ክበሃል ኣይክእልን። ካብዚ እምነትን ዕላማን’ዚ ብምብጋስ፡ ህዝባዊ ግንባር፡ ሱታፌ ደቀንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ማለት ኣብ ፓለቲካዊ፡ ልምዓታዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊን ባህላዊን ህይወት ሃገር ንምዕዛዝ፡ ካብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ግብራዊ መደባት ሓንጺጹ ብዕቱብ ተቓሊሱሉን ሰሪሑሉን እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ይኹን ኣብዚ ዘሎናዮ መድረኽ ህንጸት ሃገር፡ ኣብ ጉዳይ ምርግጋጽ ጾታዊ ማዕርነት ተመዝጊቡ ዘሎ ለውጢ፡ ብመንጽር ክውንነት ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን።

የግዳስ፡ ዜጋታት ብደረጃ ዕላማን መትከላትን ምዕሩይ ዕድላት እንተተፈጥረሎም እውን፡ ኩሎም ማዕረ ብቕዓትን ዓቕምን ክህልዎም ስለዘይክእል፡ ካብ’ቲ ዝተፈጥረ ባይታ ብማዕረ ክረብሑ ኣይክእሉን እዮም። ስለ’ዚ ክእለቶምን ብቕዓቶምን ዘመዓራሪ እወታዊ ኣድልዎን ደራኺ ተበግሶታትን ምውሳድ፡ ናብ መድረኽ ምዕሩይነት ንምብጻሕ ዝካየድ ቃልሲ ዘቀላጥፍ እዩ። ሓደ ካብኡ ናይ ትምህርቲን ሞያን ስልጠናን ዕድላት ምርሓብ እዩ። መንግስቲ ነዚ ብምግንዛብ፡ ደቀንስትዮ ማዕረ ደቂተባዕትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዝሳተፋሉ ሰፊሕን ኣተባባዒን ባይታ ፈጢሩ ይርከብ። ማዕረ ማዕረኡ ድማ ፓለቲካዊ፡ ባህላዊን ማሕበራዊን ቦታ ደቀንስትዮ ክብ ንምባል፡ ሞያዊን ቁጠባዊን ዓቕሚ ደቀንስትዮ ምሕያል ብዕቱብ ክስርሓሉ ዘለዎ እዩ።

ከም ውጽኢት ውሁድ ጻዕሪ ህዝቢን መንግስቲን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ሱታፌ ደቀንስትዮ ሃገርና - ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ መደባት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ልምዓታዊ ንጥፈታት ዝዂርዕ እዩ። እዚ ተመዝጊቡ ዘሎ ሃገራዊ ገስጋስ ግን፡ እኹል ኣይኮነን። ተሳትፎ ደቀንስትዮ ኣብ ስራሕ ዓለም ብፍላይ ኣብቲ ልዑል ብቕዓት ዝጠልብ ሞያታት፡ ገና ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። ርግጽ’ዩ ልዑል ሞያ ዘጥረያ ደቀንስትዮ ኣይተሳእናን። ግን ብቑጽሪ ውሑዳት እየን። ቁጠባዊ ዓቕሚ ደቀንስትዮ እውን ምስ ናይ ደቂተባዕትዮ ክመጣጠን ዝኽእል ኣይኮነን። ኣብ ናይ ውሳነ ጽፍሒታት ዘሎ ውክልና ደቀንስትዮ እውን ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። ኣብ ግላዊ፡ ህዝባዊን መንግስታዊን ትካላት፡ መብዛሕትአን ደቀንስትዮ ኣብ ትሑት ወይ ዕለታዊ ዝደጋገም ዓይነት ስራሕ ዝተዋፈራ እየን።

መንግስቲ፡ ነዞም ጸገማት ብምልላይ ፈጢርዎ ዘሎ ዕድላት ቀሊል ስለዘይኮነ፡ መንእሰያት ደቀኣንስትዮ ረባሕቲ ናይ ተፈጢሩ ዘሎ ዕድላት ኮይነን መጻኢአን ከውሕሳ ተፈጢሩለን ዘሎ ባይታ ክጥቀማሉ የድሊ።

በቲ ዝጸንሐ ባህሊ፡ ሓላፍነት ምእላይ ሓዳርን ቈልዑን ናብ ደቀንስትዮ ስለዝድርበ፡ እዚ ጾር’ዚ ደቀንስትዮ ሞያአን ኣብ ምምዕባል ኮነ፡ ኣብ ኩሉ ናይ ሓላፍነት ጽፍሒታት ማዕረ ደቂተባዕትዮ ከይስጉማ ካብ ዝዕንቅጽ ዘሎ ረቛሒታት እዩ። ነዚ ጸገማት’ዚ ንምፍታሕ፡ ገለ ትካላት ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ መውዓሊ ህጻናት ብምምስራት፡ ንደቀንስትዮ ምቹእ ናይ ሰራሕ ባይታ ክፈጥሩ ይርኣዩ እዮም። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተበግሶታት፡ ደቀንስትዮ ሞያአንን ክእለተንን ብግብራዊ ስራሕ ክብ ከብላ ዕድል ስለዝፈጥር፡ ሃማደኤ “ክስዓብ ዝግብኦ ኣብነታዊ ተበግሶ እዩ” ይብል። ካልኦት ዝተፈላለዩ ብቕዓት ደቀንስትዮ ኣብ ምሕያል ዝዕንቅጹ ማሕንቖታትን ሕጽረታትን፡ እናተለለዩ ፍታሕ ምስ ዝርከበሎም፡ ፓለቲካዊ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ቦታ ደቀንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ብምሕያል፡ ኣብ ኣጸደ- ማዕርነት ንምዕላብ ዝተታሕዘ ዕላማ ብምልኣት ሸቶኡ ክወቅዕ ይኽእል።

ኣብ ጉዳይ ምርግጋጽ መሰልን ማዕርነትን ደቀንስትዮ ዝጸንሓና ፍሉይን ዘዂርዕን ፓለቲካዊ ታሪኽን ዛጊት ዝተመዝገበ ሃገራዊ ገስጋስን እምበኣር፡ ዝያዳ ማዕቢሉ፡ ብኹሉ መዳይ ኣርካናት ደቀንስትዮ ንምፍጣር ንሕቶ መሰልን ማዕርነትን ከም ኣምርን ዕላማን ደጋጊምካ ምኹላዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ኣካላት መንግስቲን ሕብረተሰብን ዘሎ ሱታፌ፡ ተራን ብቕዓትን ደቀንስትዮ ብቐጻሊ እናተገምገመ፡ ዓንቃጺ ብድሆታት እናተፈትሐ፡ ሓያል ድርኺት ምግባር፡ ብልዑል ኣተኩሮን ፍሉይ ተገዳስነትን ክስርሓሉ ዝግባእ እዩ። መልእኽቲ ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ ድማ፡ ናብ’ዚ ወሳኒ ዕማም ዝቐንዐ እዩ። ምሕያል ቦታ ደቀንስትዮ ማለት፡ ምቅልጣፍ ምዕባለ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ። 

ዕድመ ን8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ! 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና! 

ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ

 “እርከና ደቀንስትዮ - መቕድም ምዕሩይነት!”



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events