Dehai News

Tigrigna.voanews.com: ኤርትራ፡ ናይ ምምሃዝ ሕልሚ ቁልዕነቱ ናብ ክውንነት ዝቀየረ መንእሰይ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 03 March 2018

መጋቢት 03, 2018
ገዛኢ ምስ ክልተ ብጾቱ
ገዛኢ ምስ ክልተ ብጾቱ

ገዛኢ ጎይትኦም ይበሃል።ካብ ኮለጅ ማይ ነፍሒ ብዓውዲ ስነ-ቁጽሪ ብዲግሪ ተመርቑ ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ ዝርከም ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ`ዩ። ካብ ግዜ ቆልዑነቱ ብዝነበሮ ዝንባለ ኤለክትሮኒክስ ከኣ፡ ጎኒ ጎኒ ትምህርቱ ብረዲዮ ምፍታሕ ምግጣምን ዝጀመሮ ስራሕ ኣብ 10ይ ክፍሊ ሓንቲ ትሑት ምንብድባድ ድምጺ እናፈነወት ጣንጡ እተባርር መሳርሒት ብምስናዕ ኣመዕበሎ ።

ኣብ 2016 ኣብ መወዳእታ 3ይ ዓመት ናይ ኮለጅ ትምህርቱ ናይ ቀደም ደርፍታት ትግርኛን እንግሊዝኛን እተላሊ ኣንድሮይድ ኣፕሊኬሽን ቀጺሉ`ውን ኣብ ግዜ ውድድር ቅዲ ክዳን ንስርሓት ናይ ዝተፈላለዩ ሰፈይቲ ብምልላይ ተዓዘብቲ ድምጾም ዝህብሉ ኣፕሊከሽን ኣማዕቢሉ።

ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን ከኣ ምስ 2 ኣዕሩኽቱ ብምዃን ተማሃሮ ኣብ ገዝኦም ብዋይ ፋይ ተጠቂሞም ዘንብቡሉን ሕቶታት(ፈትና) ዝዓይሉን፡ወለዲ`ውን ብዝቐለል መንገዲ ደቆም ንኽከታተሉን ኽቆጻጸሩን እትሕግዝ ኣፕሊኬሽን ክሰርሕ በቒዑ`ሎ።

ገዛኢ ምስ ክልተ ብጾቱ
ገዛኢ ምስ ክልተ ብጾቱ

ምስ ገዛኢ ጎይትኦም ዝተገብረ ዕላል ይቕጽል፡

https://tigrigna.voanews.com/a/4278131.html#player-start-time=16.345728

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events