Dehai News

Tigrigna.VoaNews.com: ድሕሪ ናይ 12 ዓመታት ጻዕሪ ፍረ ጻዕሩ ክሓፍስ ዝኸኣለ ኣብነታዊ ሓረስታይ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 23 January 2018

ድሕሪ ናይ 12 ዓመታት ጻዕሪ ፍረ ጻዕሩ ክሓፍስ ዝኸኣለ ኣብነታዊ ሓረስታይ

”ሰብ እንተረኺቡ፡ ሕማቕ መሬት የለን” ብዝብል ዕላማ ተበጊሱ ንዝነበሮ ናይ ንግዲ ስራሕ ገዲፉ፡ነቲ ንሕርሻ ዘይምቹእ ዝነበረ፡ከውሕን ጸጸርን ዝዓብለሎ 2.5 ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት ን12 ዓመታት ብዘካየዶ ዘይሕለል ጻዕርን ዘፍሰሶ ዘይተኣደነ ጉልበትን ገንዘብን 1500 ተኽሊ ኣራንሺ(ብርቱካን)ተኺሉ ፍረ ጻዕሩ ክሓፍስ ከም ዝኸኣለ ኣብነታዊ ሓረስታይ ኣቶ ጸጋይ ኣብርሃ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ።

እዚ ካብ ኣስመራ 75 ኪ.ሜ ካብ ሰገነይቲ ከኣ 15 ኪ.ሜ ኣብ መስመር ኣስመራ ዓዲ ቀይሕ ኣብ ትርከብ ዓዲ ሓዲድ ኣብ ትበሃል ዓዲ ዝነብር ጻዕረኛ ሓረስታይ፡ ቅድሚ 12 ዓመታት ኣሕምልቲ ብምፍራይ ከምዝጀመረን ብድሕሪኡ ግን ነቲ ዘይምቹእ መሬት 54 ቢጃጆ መኪና ሓመድ ካብ ካልእ ቦታ ብምምጻአ ናብ ልሙዕን ፍርያምን መሬት ክቕይሮ ከምዝኸኣለን ብምጥቃስ ምንጪ ዓወቱ፡ ፍቕርን ድሌት ስራሕን ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ኣብነታዊ ሓረስታይ ጸጋይ ኣብርሃ፡ጎኒ ጎኒ’ዚ ኣብ ምርባሕ ከብቲ፡ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ’ውን ካብ ካልኦት ሓረስቶት መሬት ተኻርዩ ኣብ ምፍራይ ኣሕምልትን ይነጥፍ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

https://tigrigna.voanews.com/a/4218992.html


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events