Dehai News

Serawr.com: ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ሚልዮናት ገንዘብ ወዲቑ ዝተረኸበ ንፖሊስ የረክብ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 20 January 2018

ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ሚልዮናት ገንዘብ ወዲቑ ዝተረኸበ ንፖሊስ የረክብ

https://www.youtube.com/embed/jM4p4IJQwUg?enablejsapi=1&autoplay=0&cc_load_policy=0&iv_load_policy=1&loop=0&modestbranding=0&rel=1&showinfo=1&fs=1&theme=dark&color=red&autohide=2&controls=2&playsinline=0&

 

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኤርትራ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝግመት ገንዘብን ንብረትን ኣብ መንገዲ ጠፊኡ ዝተረኽበ፣ ብህዝቢ ናብ ፖሊስ ተረኺቡን ናብ ዋናታቱ ተመሊሱን ገለ ድማ ኣብ መስርሕ ምምላስ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እዚ ኣብ ቡዙሕ ከባቢታት ዓለም ከም ኣደናቒ ነገር ውይ’ዉን ቡዙሓት ንኽኣምንዎ ይጽግሞም እዩ። ምኽንያቱ ኣብተን ዝሃፍተማ ሃገራት፣ ንኣብነት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ መንገዲ ቀሲንካ ሞባይል እንዳተዛረብካ ክትከይድ ኣይትኽእልን፣ ምኽንያቱ ሰረቅቲ ካብ ኢድካ መንጢሎምኻ ስለዝኸዱ፣ እዚ’ውን ዕድለኛ ተኮንካ ማለት እዩ ምኽንያቱ ገለዉን ኣሲድ ኣብ ገጽካ ይኽዕውልካ። ኣብዝ ሓለፈ ዓመት ቡዙሓት ሰባት ገጾም ዝተደምሰሱን ገለ ዉን ኣዒንቶም ዝሳኣኑ ኣለዉ። እዚ ከም ኣብነት እምበር ገንዘብን ንብረትን ንምስራቕ ዝካይድ ቡዙሕ ዓይነት ገበናት ኣሎ።

ንምንታይ ደኣ ኣብ ካብ ዓለም ካብዝሃብተሙ ሕብረተስርብ ከምዚ ዓይነት ገበናት የጋጥም? በቲ ሓደ ወገን ድማ ካብቶም ብትሕዝቶ ድኻታት ዝበሃሉ ሕብረተሰብ ዓለም ከምዚ ዓይነት ዘገርም ግብረ ሰናይ ይግበር? ምዕራባውያን ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ኣብ ሃገሮም ዋላዉን ንብሽክለታቶም ብኽንደይ ኣሎ ዝበሃል ሓጻዉን እንደኣሰርወን፣ ኣብ ኤርትራ ክኸዱ ከለዉ ዘጋጥሞም ብምግራም ይገልጽዎ።

እዚ ንሕና ዝበለጽና ኢና ንምባል ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ሕብረተሰባት ነናቱ ታሪኽ ኣመጻጽኣን ኣቛዉማን ኣለዎ። እንታይ ደኣ ነቲ ብልጫታትና ብንጹር ትርረዲእን ንምዕቃቡ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዮ። ኣብዘን ዝማዕበላ ሃገራት ዝርኣይ ናይ መንፈስ ድኽነት ኩላ ግዝየ ከምኡ ኔሩ ማለት ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ኣብ ነዊሕ ግዝየ ዝመጸ ሕማቅ ለውጥታት እዩ። ንሓና’ውን ናብ ከምዚ ዓይነት ናይ መንፈስ ድኽነት ከይንኣቱ ክንመሃርሉ ንኽእል ፤ ሃብታም ተሞክሮታት ከምዚ ሕማቕ ይኹን ካልእ ጽቡቕ ነገራት ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኤርትራ ሜጀር ንርኣዮ ተኽለ፥- ዘይናትካ ዘይምድላይ፣ ሰሪሕካ ምንባርን ጽጉማት ምሕጋዝ ከም ጭዋ ባህልን ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ኢሉ ዝገለጾ እዩ።

ደቂ ካልእ ዜጋታት በዚ ሰናይ ተግባራት ዝግረሙን ወይ ምእማን ዝስእንሉ ምኽንያት፣ ኣብ ሕብረተሰብና ዘይናትካ ኣይናትካን ስለዝኾነ ለካሚኻ’ውን ኽከውን ስለዝኽእል፣ ዋላ ሰብ ኣይርኣኻ ዘይናትካ ምውሳድ ከም ኣነውሪ ስለ ዝረኣይ እዩ።

ኣብዚ ንነብረሉ ሕብረተሰባት ስርቒ ቅቡል ስለዝኾነ ማለት ንምባል ዘይኮነ፣ ግና ሓደ ሰን መንዚዑ ድዩ ብዝኾነ ካልእ መንገዲ ተሰሪቑ ሰራቒ እዮ። ግና opportunist ኸኣ ዝበሃል ኣሎ እዚ ማለት ሰራቂ ስለዝኾነ ዘይኮነ ዕድል ስለዝረኸበ ዝሰርቕ። ንኣብነት ሞባይልካ ኣብ ገለ ገፊፍካያ ወይ ማኺናኻ ከፊትካ እንተ ገፊፍካያ፣ እቲ ሰራቒ ጥራይ ዘይኮነ፣ እቲ ኦፖርችንስት ዝበሃል’ውን ሒዝዋ እዩ ዝኸይድ። እቲ ዝበዘሓ ሰራቒ ኣይኮነን ግን ዕድል ተረኺቡ ቡዙሕ ሰብ ኣይገድፍን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዕድል ረኺቡ ዝሰረቖ ከም ስርቒ ኣይርእዮን ስለዝኾነ እዩ።

ሓደ ካብ ንመጀር ንርኣዮ ዝመሰጦ ፍጻመታት ክገልጽ ከሎ፣ ሓደ ዜጋ ገንዘብ ናይ ትራንስፖርት ሲኢኑ ተሸጊሩ ኸሎ ዕስራ ሺሕ ናቅፋ ኣብ እንዳእተቡስ ዝረኸቦ ናብ ፖሊስ ዘረከቦ እዩ።

እዚ ክብርታት ምስ ሃይማኖት ጥራይ ጌሮም’ውን ዝገልጽዎ ኣለዉ። ልክዕ እዩ ሃይማኖት’ውን ሓደ ዓቢ ምንጪ ናይ ክብርታት እዩ። ግና መብዛሕቱ ሕብረተሰባት ዓለም’ውን ሃይማኖት ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ናይዘን ናይ ዕስራን ሓደን ክፍለዘመን በተክርስያን፣ ሓደ ፓስተር ንሓደ ምስክርነት ክህብ ኣብ ቅድሚት ዘቕረቦ ሰብ፣ ከምዚ ክብል መስኪሩ ፥-ንገንዘባዊ ሽግሩ ክፈትሓሉ ፓስተሩ ጸሎት ምስገበረሉ ቡዙሕ ከይጸነሓ ኣብ መንገዲ ቦርሳ ምስ ገንዘብ ከምዝረኸበ ሓቢሩ፣ እቶም ተሳተፍቲ ድማ ብጨብጨብታን ምስጋና ንኣምላኽን ብታሕጓስ ገልጾም። ዋላ እዛቦርሳ ዋና ይሃልዋ እምበር ብናይዞም ሰባት ኣረኣእያ ኣምላኽ ሽግሩ ሪኡ ጸሎት ናይ ፓስተሩ ሰሚዑ እዛ ቦርሳ ከም ዝሰደድሉ እዮም ወሲዶሞ።

እዚ ዕስራ ሽሕ ኣብ መንገዲ ዝረዝኸበ ጽጉም ውን ከምኡ ምበለ፣ ግና ዘይናትካ ኣይናትካንያ ዝብል ክብርታት ሕብረተሰቡ ተቐይዱ ስለዝኸይድ ምስ ኩሉ ጸገማቱ ኣረኪብዋ።

ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ፣ ሜጀር ንርኣዮ ዝሓበሮ እዚ ሰናይ ተግባራት ካብ ዝነኣሱ ደቂ ሾመንት ስጋብ ዓበይቲ ሽማግለታት ዝገብርዎ ምኳኑ ሓቢሩ። እዚ ድማ እቲ ክብርታት ይወራረስ ከምዘሎ ዘርእይ እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣውንታዊ ኣብነታትን፣ ኣብነታውያን ኣባላት ሕብረተሰብ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓትና ብቕጻሊ ምዝርግሑ ኣገዳሲ እዩ። ምክንያቱ ሕማቕ ወረ ኣብ ኩሉ ብዘይ ገለ ጸገም ባዕሉ ስለዝዝርጋሕ።

  • ሃብቲ ክመጽእን ክኸይድን ይኽእል እዩ። ክብርታት ግን ሓንሳብ ተጠፊኡ ክትመልሶ ስለዝይክኣል፣ ባህልን ክብርታትን ኣብ ምዕቃብን ኣልታዊ ተርእዮታት ኣብ ምጥፋእን ብፍላይ ከኣ ኣብ ስደት ዓቢ ዕማም ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓላፍነት እዩ።

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events