Dehai News

Dahabshiil long banner 728x90
Eritrea for mobile viewing

የታላቁ መሰሪ "መለስ ዜናዊ" ትምቢት : *ርእሲ ሓምሓም መሪሕነት ዓሌታዊ ጭፍራ ሕውሓት እንዶ`ሞ ዘይርድኣ ኰይኑ። *ቁሩብ ምትዕርራይ*

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 24 December 2017

የታላቁ መሰሪ "መለስ ዜናዊ" ትምቢት : *ርእሲ ሓምሓም መሪሕነት ዓሌታዊ  ጭፍራ ሕውሓት እንዶ`ሞ ዘይርድኣ ኰይኑ። *ቁሩብ ምትዕርራይ*
ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕካ ስማዕ።
 
Dec. 23, 2017
 
*ኣብዚኣስ ናይ ቀደም መራሕ ጭፍራ ወያነን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነበርን ንፍስሄር መለስ ዜናዊ ሓቂ ተዛሪቡ። እንታይሞ ይገበር ርእሲ ሓምሓም መሪሕነት ዓሌታዊ ጭፍራ ሕውሓት እንዶ`ሞ ዘይይርድኣ ኰይኑ።
 
ዘይገበረቶ ጌረዮ ዘይውዓለቶ ኲናት *ኣብ ዝበነ-ገድሊ ማለተይ እየ* ውዒለዮ ንደርጊ "ኣነ ስዒረዮ" እናበለት ብሓሶትን ጃህራን ክም እንቕርዖብ እናተነፍሐት ካብ ምጅላሕን ሓሶት ታሪኽ ምጽዋይን ከይተማህረት ከም ቁርዲድ ሃብቲ ውጹዓት ኢትዮጵያውያን እናመጸየት ስጋብ ዕርበታ ክትቕጽል እያ።
 
ንደርጊ ኣብ ባይታ መን ከም ዝሰዓሮን ከም ዝደምሰሶን ከምኡ`ውን ኣብ ሕምብርቲ ኢትዮጵያ ሓመድ-ኣዳም ኣልቢሱ ዝቐበሮ ዓቢ ናይ ኣንበሳ ኽፋሉ ግን ሓቦኛን ጽኑዕ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውድቡ ጅግና ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ምዃኖም`ሲ ክኽሕድዎ ኣንተዘደልዮም ወያነን ህዝቢ ትግራይን ብፍላይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኸኣ ብሓፈሻ ኣጸቢቕም ይፈልጡ እዮም። ስለምንታይ`ሲ ኣቲ ሓቀኛ ታሪኽ ኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራ ተሰኒዱ ስለ ዘሎ!
 
*ብርሃነ ሃብተማርያም
 
 
 
Dm eri tv subscribe

DimTsi Hafash Eritrea/ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ:ዕላል ምስ ሰለሙን ፋንኤል - ወዲ ፋኖ - ደራሲ ተኸታታሊት ፊልም ጅሮም

Dehai Events