Dehai News

ቢቢሲ / ፍሉጥ ኤርትራዊ ጸሓፋይ ኣለምሰገድ ተስፋይ ናይ ስነ-ጽሑፍ ሸልማት ተዓዋቲ ኮይኑ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 12 December 2017

ፍሉጥ ኤርትራዊ ጸሓፋይ ኣለምሰገድ ተስፋይ ናይ ስነ-ጽሑፍ ሸልማት ተዓዋቲ ኮይኑ


ሰሉስ 12 ታሕሳስ 2017 



ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ


ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ብትግርኛን እንግሊዝኛን ብምጽሓፍ ዝፍለጥ ኤርትራዊ ጸሓፊን ናይ ታሪኽ ተመራማራይ ኮይኑ፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ዝተሳተፈ ገዲም ተጋዳላይ እዩ

ሓደ ካብቶም ናይ ሞርላንድ ናይ ስነ ጽሑፍ ማህደረ ትምህርቲ (ስኮላርሺፕ) 2017 ዝተዓወቱ ኣፍሪቃውያን፡ ፍሉጥ ኤርትራዊ ጸሓፋይን ደራሲን፡ ኣለምሰገድ ተስፋይ ንመወዳድርቱ በሊጹ ተሰይሙ።

ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ሓቀኛ ታሪኽ ኤርትራ ንኽጽሕፍ £22,500 ፓውንድ ከም ዝተዓወተ እቲ መግለጺ የመልክት።

እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ 'ዚመደበሩ ብማይልስ ሞርላንድ ፋውንዴሽን (MMF) ዝፍለጥ ትካል ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘወጽኦ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ካብቶም ዝተወዳደሩ 550 ጸሓፍቲ፡ ኣለምሰገድ ዝርከቦም 5 ኣፍሪቃውያን ተዓዊቶም።

"እቲ መምዘኒ ኣዝዩ ልዑል፡ እቲ ውድድር ድማ ሓያል ብምንባሩ፡ ዳኛታት፡ ነቶም ብሉጻት ኣርባዕተ ንምፍላይ ብዘይምኽኣሎም፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ሓሙሽተ ክንሽልም ተሰማሚዕና" ይብል መግለጺ እቲ ትካል።

እቶም ካልኦት ተዓወትቲ፡ ብሪዮኒ ርሂም ካብ ዚምባብወ፡ ኤልናታን ጆን ካብ ናይጀርያ፡ ኢሎጎሳ ኦሱንደ ካብ ናይጀርያን ፋቲማ ኮላ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ክኾኑ እንከለዉ፡ ነፍሲ ወከፎም ሓደ መጽሓፍ ንክጽሕፉ ዘኽእሎም ₤18,000 ፓውንድ ተዓዊቶም።

ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ብትግርኛን እንግሊዝኛን ብምጽሓፍ ዝፍለጥ ኤርትራዊ ጸሓፊን ናይ ታሪኽ ተመራማራይ ኮይኑ፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ዝተሳተፈ ገዲም ተጋዳላይ እዩ።

ገለ ካብ ዘበርከቶም ናይ ታሪኽ መጽሓፍቲ ድማ፡ ኣይንፈላለ፡1941-1950፡ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ማትዮንሶ ክሳብ ተድላ ባይሩ 1951-1955፡ ኤርትራ ካብ ፈደረሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን 1956 -1962፡ ካልእ ብዙሕ ዝተፈላለይ ስነ-ጽሑፋዊ ስርሓት ዘበርከተ ሃገራዊ እዩ።

እቲ ዝተዋህቦም ሽልማት ብመሰረት እቲ ዘቕረብዎ ሓደ መጽሓፍ ናይ ምጽሓፍ መደብ (እማመ) ምኻኑ እኳ እንተተፈልጠ፡ ኣርእስቲ ናይቲ ዝጸሓፍ መጽሓፍ እንታይ ምዃኑ ግና ብንጹር ኣይተፈልጠን ዘሎ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ትካል ከም ዝበሎ፡ ገለ ካብቶም ዕዉታት ንምማይ ዝተጠቕምሎም መምዘኒታት፡ እቲ ዝጸሓፍ መጽሓፍ ንኺሕተም ዘለዎ ብቕዓት፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ክህልዎ ዝኽእል ናይ ኣንበብቲ ተቐባልነት፡ ኣገባብ ኣጸሓሕፋን መሃዝነት ጸሓፊን ዘካተቱ ምዃኖም ተገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ትካል፡ እቲ ሽልማት ን5ይ ጊዚኡ ይውሃብ ከምዘሎን፡ ናይ ዝመጽእ ዓመት ናይ መወዳእታ መዓልቲ ናይ ውድድር ቅጥዕታት 30 መስከረም 2018 ክኸውን ከም ዝኽእል ኣሚቱ'ሎ።

ማይልስ ሞርላንድ ፋውንዴሽን (MMF): ናይ ግብረሰናይ ማሕበር ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ሓገዛት ከም ዝገብር መርበብ ሓበሬታኡ ይሕብር።






7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events