Dehai News

Serawr.com: መለኣኽቲ ናይ “ሰላም ቅኒት” ኣብ ረድዮ ድምጺ ኣመሪካን (VOA) ዘይቀረበ ጭብጥን

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 03 December 2017

መለኣኽቲ ናይ “ሰላም ቅኒት” ኣብ ረድዮ ድምጺ ኣመሪካን (VOA) ዘይቀረበ ጭብጥን

ሰራዉር ናይ ሓበሬታን መጽናዕትን ማእከል
 
 
 
 
 

ሰብ ‘ቅኒት መዝሙር ሰላም ንህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን’ ኣብዚ ከይተበገሰ ዝተቓለዐን ዝተነጸገን ናይ ቅንዕና ዘይብሉ ተበግሶ፣ ብዘይ ገለ ሕፍረት ዘይምስሉ ክህብዎን ናይ ሰላም መላእኽቲ ኮይኖም ክቐርቡን ኣብ ቃለ መሕተት ምስ ድምጺ ኣመሪካ (VOA) ብዕለት ሕዳር 29 ዝገበርዎ ፈቲኖም።

ጋዘጠኛ ድምጺ ኣመሪካ (VOA) በትረስልጣን ዋላኳ ገለ መሰረታዊ ሕቶታት እንተሓተተ፣ ምናልባት ነቲ ኣብቲ ጉዳይ እኹል ምክትታል ስለዘይጸነሖ ክኸዉን ይኽእል። ግና ነቲ ዝብልዎ ዝነበሩ ኩሉ ሓቂ ከምዘይምዃኑ ዘረጋግጽ ኣገዳሲ ሰነዳዊ ጭብጢ ኣብ ቀረባ ግዝየ ብሰራውር ናይ ሓበሬታን መጽናዕትን ዝተዘርገሓን፣ ብመንገዲ መስከረም መርበብ ሓበሬታን ሶሽል ሚድያ ሰፊሕ ሽፈነ ዝነበሮን ኣድህቦ ህዝቢ ዝሳሓበን ኣገዳሲ ሰነድ፣ ነቲ በትረስልጣን ዘቕረቦ ሕቶታት ብውጹእ ሓሶትን ተዋስኦን ክምልስዎ ኣይምኸኣሉን።

እቲ ሰነዳት ሓደ ብስም ሰለብሪቲ ኢቨንትስ ዝተዳለወ ብዛዕባ ዕላማታት ናይዚ ተበግሶ፣ መን ከምዘበገሶ፣ ዝርዝራት ናይ ፕሮግራም ዝገልጽ ብናይ ሰልብሪቲ ኢቨንትስ ሕታም ዝተሃርመ ነዚ “ብቕድሚት ሳሓባይ ብድሕሪት ደፋኣይ ዘይብሉ፣ ኣብ ክንድኡ ኣብ ድለየት ሰላም ክልቲኦም ህዝቢታት ዝተመርኮሰ’ዩ’ ” ዝብልዎ ጠቅላላ ሓሶት ከምዃኑ ዘቃልዕ እዩ።

ኣብዚ ናይ ውሽጣዊ ሰነዳት፣ ከምዚ ኣብዚ ቃለ መሕተት ዝብልዎ ዘይኮነ ዕላማ ናይዚ ተበግሶ ብሕጽር ዝበለ፦ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ንኢትዮጳያ ክወጽእ፣ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ድማ ወፍርታት ኣብ ኢትዮጵያ ክገብርን ጻዊዕት ከቅርብ፤ ኣብዚ መደብ ኤርትራውያን ንወያነ ስለ ለውሃቱን ሓልዮትን ከምስግንዎ፤ ድሕሪ ምእላይ መንግስቲ ኤርትራ ርክባት ክልቲኤን ሃገራት ከመይ ከምዝመስል ምዝታይ እዩ።

ገለ ካብቲ ቀንዲ ዕላማ ኣስፉርዎ ዘሎ ከምዚ ዝስዕብ ጌሩ ይገልጾ፥ “ሕጂ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዉሽጢ ኮይኖም ኣብ ዝተፍርላለዩ ኣድከምቲ ወተሃደራዊ ግዴታታት ዘንቀጥቅጡ ዘለዉን ከምእዉን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ናብ ኢትዮጵያ መጺኦም ከጽልሉን ናይ ወፍሪ ስራሕ ንኽሰርሑ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድልየት ምዃኑን ማዕጾ ኩፉት ከምዝገበሮን ንህዝቢ ኤርትራ ንምርኣይ።

“እዚ ብኢትዮጵያውያንን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራን ንኤርትራውያንን ዝገበሮ ዝሎ ጻዕርን ድጋፍን ለውሃትን ኣብዚ ዘመን ይኹን ንመጻኢ ወሎዶ ታሪኹ ከይተሸራረፈ ንኽስነድ – ከም ሓደ መርኣያን መንገድን ኣብ ፓነል ዘተን ብሙዚቃ ጓይላን ተሰኒዱ ንኽተሓላለፍ ምግባር…” ዝብሉ እዮም።

እዚ ሓሳብ ብጉዱሳት ዜጋታት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ከምዝተበገሰ ዝገለጽዋ ኣብዚ ቃለ መሕትት፣ ሓሶት ምዃኑ ባዕሎም ከምዚ ክብሉ ኣብቲ ሰነድ ኣስፊሮሞ ኣለዎ ፥ “እዚ ብኢትዮጵያ ህዝብን መንግስቲን ተጀሚሩ ደሎ..” ክብሉ ይገልጽዎ።

ብተወሳኺ ኣብዚ ቃለ መሕትት እዚ ብህዝቢ ምቅርራብ ጀሚሮም መወዳእትኡ ምትዕራቕ ናይ ክልቲኡ መንግስታት ዝብልዎ ተኾነዉን ሓሶት ጥራይ ዘይኮነ፣ ዕላምኡ ብኣንጻር ናይዚ ዝብልዎ ከምዃኑ ብንጹር ኣብቲ ሰነዶም ጸላኢ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መራሒኡ ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፍወርቂን ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን ከምዃኖም ይገልጹ።

ብኣንጻሩ ወያነን ኢትዮጵያን ድማ፣ ከም ሓለይትን መጽለልትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ዘይነበረ ታሪኽ ብምስናዕን ምጥምዛዝን ከምዚ ክብል ይገልጽ፥ “እቲ ቀደም ጊዜ፣ ኤርትራውያን ካብ ባዕዲ ወራርት በድልን ግፍዕን ክበዝሖምን ክሕይሎምን ከሎ ንሰላምን ምርግጋእን ዝረኽቡላ ዝነበሩ ናይ ነጻነት ሃገር እያ ዝብልዋ ሃገር ኢትዮጵያ ከምዝነበረት ናይ
ታሪኽ ጸሑፋት የረዱኡና። ሕጂዉን ኤርትራውያን፣ ልክዕ ካብ ናይ ጥንቲ ወረርቱ ድርቡሽ ፣ ኢጣልያውያንን እንግሊዛውያንን ብምህዳም ሰላም ደልዩም ናብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ዝነበሩ ሕጂዉን መዓልታዊ ናብዛ ሃገር ክስደድ ይርከቡ።”

እቲ ጹሑፍ ህዝባዊ ግንባር ጸላኢ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፣ ጸላኢ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ደጊሙ ድሕሪ ምጥቃስ፤ ወያነ ዘርኣዮ ልውሃት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ትማሊ ገበናቱ ኣብ ልዕሊ ሰብዓ ሽሕ ኤርትራውያን ዘውረዶን ኩሉ ካልእ ገበናቱ ሸፊኑ ከምዚ ይብል፥ “ሕጂውን ከምቲ ጥንቲ፣ ኤርትራውያን ካብዚ ስርዓት ሃዲሞም ክመጹ ከለው ኪዱ ተጻሊእና ኢና …. ይሕዋትና ኣካላቶም ኣቑሲልኩም ኢኹም፤ ካብ ቤትም ንብረቶም ኣፈናቒልኩም ኢኹም፤ ንሕና’ውን ብጊደና ክንቀትለኩም ኢና ኣይበልዎምን። ይትረፍ ኣብ ሃገሮም ዝሰኣንዎ፣ እንከላይ ሕልሞም ንምምላእ ከምዝኾነ ኢትትዮጵያዊ ካብ ጂብኦም ቆሪሶም ብምሃብ ኣብ ዩኒቨርስቲቶምን ኮለጃቶምን ብነጻ ከምዝመሃሩ ብምፍቃድ፣ መጸሓፍቶም ብነጻነት ክሓትሙን፣ ፊልምታቶም ቀዲሖም ንኸርእዩ ስትድዮ ስጋብ ምፍቃድ ዝበጽሕ ዕድል ሂቦሞም።”

እዚ ሰነድ ብተወሳኺ፣ ወያነ “ታሪኽ ክዝንግዖ ዘይክእል ወዕለት” ዝገበሮ ግብረ ሰናይ ንህዝቢ ኤርትራ ብመንገዲ ዝቕርቦ መዓስከር ስደተኛታትን፣ ብኡኡ ጌሮም ናብ ሳልሳይ ሃገራት ንኽጓዓዙ ዘፍቀዶን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣለዉ ዝብሎም ዕስራ ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምጥቃስ፣ ኣብ ልዕሊ ነብሱ ዘለዎ ኣድናቖት ይገልጽ።

እቲ ካልኦት ሰነዳት ምስ’ዚ ሕጂ ኣብ ድምጺ ኣመሪካ ቀሪቡ ብዘይሕፍረት ዝሕሱ ዘሎ ኣብርሃም ገብረሊባኖስን ብስሙ ዝወጸ ትካል ሰለብሪትይ ኢቨንትስ’ዉን ምስ ዝርዝራቱን ዝተዋህቦ ንግዲ ፍቓድን ኣወሃህቡኡን ኣቃሊዑ እዩ።

ናይ ወያነ ጸጥታ፣ ነዚ መደብ ከም ኣዳላዊ ዝመረጾ ውልቀ ሰብ ኣብርሃም ገብረሊባኖስ ለምለም ተቐማጢ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ ዝተባህለ 23/2343/ሀ ኣድራሻኡ ብስም ሰለብሪቲ ኢቨንትስ (celebrity events) ክነጥፍ ናይ ንግዲ ልቸንሳ ከምዝተዋህቦ የርእይ። እቲ ብምምሓዳር ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ንግዲ ቢሮ ፣ ዝተዋህበ ልቸንሳ ካፒታሉ 15,000.00 ብር ጥራይ ምዃኑ የርእይ። እቲ ልቸንሳ ዝተዋሃበሉ ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ብዕለት 12 ጉንበት 2017 ከምዃኑን፣ ዝነጥፈሉ ንግዲ ድማ ናይ ትራንስፖርት ደጋፊ ኣገልግሎት ከምዃኑ እቲ ሰንድ ይሕብር።

ብተወሳኺ እዚ ሰነዳት ነዚ መደብ ደገፍቲ ተባሂሎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ምሁራት፣ ጋዜጠኛታት፣ ደረስትን ስነጥበባውያንን ከምዝፍርምሉ ዝተገበረ ደብዳበ ምስ ናይ ዝርዝራት ኣስማት ዘጠቓለል ኔሩ። እዚ ድማ ከምቲ ዝብልዎ ዘይኮነ ኤርትራውያን ኣብዚ ዝተሰረሓ ኣጀንዳ ዝተባህሎም ምግባር እምበር ከምዚ ኣብዚ ቃለ መሕትት ዝዛረብዎ ከምዘይምዃኑ ዘብርህ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ገለ ናይ ውልቃዊ ረበሓ ዝረኽቡ ገዲፍካ፣ እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዘንጊዑ ዝኸደ እቲ ናይ በሓቒ ባህርያት ናይ ወያነ ብተግባር ተማሂርዎ ኣሎ። ባዕሎም’ዉን ብዝተፈላልየ መንገዲ ገሊጾም እዮም። ሓደ ካብቲ ዝገበሮ ተግባራት፣ ንኤርትራውያን ተባሂሉ ዝተዋህበ ዑቕባ ኣሸሓት ተጋሩ ብስሞም ኣብ ኤውሮፓ ክመጹ ኸለዉ፣ ኤርትራውያን ኣብ መዓስከራት ከምዝሳቀዩ ጌሩ።

ኣብ መደምደምታ እዚ ጭብጣዊ ሰንደዳት ባዕሎም ዝጻሓፍዎ ንሓሶቶም ዘቃልዕ ዋላዉን እንተዘይህሉ፣ ከም በትረስልጣን ዘተንብሆ ጓል መንገዲ ምዃኑን ነቲ ቀንዲ ስትራተጂካዊ ሕቶታት ክምልስ ወያነ ዓቕሚ ይኹን ድልየት ስለዘይብሉ ከም ኣብ ኩሉ ጉዳይት ዘይኮኑ ኣርእስታት እንዳምጸ ምድንጋርን ምሽፋንን ጌሩ ገለ’ዶ ነቲ ኣቲዎ ዘሎ ዓዘቕቲ ትንፋስ እንትሃቦ ብዝብል እምነት እዩ እዚ ኹሉ ላዕልን ታሕትን ዘብሎ ዘሎ። እቲ ሓቒ እዚ ናይ ቅኒት መዝሙር ከይጀመረ ዝፈሸለ ኣጀንዳ እዩ።

ረድዪ ድምጺ ኣመሪካ (VOA) ኣብ መጻኢ እዞም ውከልቲ ወያነ ሓሶቶም ክዝርግሑ ኣብ ዝመጽሉ ነዞም ቅዳሕ ናይ ኦርጂናል ሰነዳት ብኣምሓርኛ ዝተጻሓፉ ጭብጥታት ከቕርበሎም እንተኺኢሉ እቲ ሓቐኛ ስእሊ ናይዚጉዳይ መርኣየ።

ኣብዚ ሊንክ ፒዲፍ ካብ ገጽ 5 ስጋብ ገጽ 16 ናይዚ ሰነድ ቅዳሕ ናይ ኦርጂናል ሰነዳት ብኣምሓርኛ ዝተጻሓፉ ናይ ውሽጣዊ ሰነዳት ወያነ ተመልከት።

http://www.serawr.com/breaking-news-%e1%88%9d%e1%88%b5%e1%8c%a2%e1%88%ab%e1%8b%8a-%e1%88%b0%e1%8a%90%e1%8b%b3%e1%89%b5%e1%8d%a3-%e1%8a%95%e1%8a%93%e1%8b%ad-%e1%8b%88%e1%8b%ab%e1%8a%90-%e1%89%85%e1%8a%92%e1%89%b5/embed/#?secret=w7oN53y47P

 
 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events