Dehai News

ኣረሜናዊት ጭፍራ ወያነ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸመቶ ግፍዕታት ከቶ ኣይረሳዕናዮን።

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 01 December 2017

ኣረሜናዊ ጭፍራ ወያነ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ግፍዕታት ከቶ ኣይረሳዕናዮን።

ሕዳር 01, 20917 ዓም ፈረንጂ

 

መብርሂ ኣብ` ላዕሊ ዘለዋ ናይ ተንቀሳቓሲ ስእልታት ኣብ` ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ብወያነ ትግራይ ትምራሕ ኢትዮጵያን ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ዝተላዕለ እዩ። ንሱ ድማ ሓንቲ ተባዕ ኢትዮጵያዊት ኣብ ኤርትራ ኣትያ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ጠጠው ክብልን ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰላም ክነብረሉ ዝኽእል ኣገባብ ንምንዳይን ምስቶም ኣብ`ቲ እዋን`ቲ ብግፍዔኛ ስርዓት ወያነ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጉ ኤርትራውያን ዝገበረቶ ምይይጥ እዩ።

ንመዘኻከሪ ኣረሜናዊት ጭፍራ ወያነ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸመቶ ግፍዕታት ከቶ ኣይረሳዕናዮን። እቲ ፋሽስታውን ዓሌታውን ስርዓት ትግራይ-ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያንን ኤርትራዊ መበቆል ዝነበሮም ኢትዮጵያውያንን ካብ` ናዚ-ጀርመን ኣረሜናዊ ስርዓት ነበር ብዘይፍለ ኣገባብ መዋእሎም ሰሪሖም ዘጥረይዎ ንዋይን ንብረትን ዘሪፉን ሰሪቑን ብዘይ ሳንቲምን ክዳን ናይ ለይትን/ቖምሽ-ውሽጥን ጥራሕ ኣልቢሱ ሰብ ከይሪኦም ብለይቲ ከም ደቂ-ሕድርትና ካብ መደቀሲኦም ብሓይሊ ብረት ብዓመጽ እናውጽኤ በቲ ሓደገኛ ናይ ውግእ መስመራት ናብ ኤርትራ ከም ዝሰጒጉውም ናይ ትማል ዘይርሳዕ ሓቀኛ ታሪኽ እዩ። ሕጂ እዛ ቀጣፊትን ሰራቒትን ሓሳዊትን ጭፍራ ወያነ ትግራይ ሎሚ "ንኤርትራውያን ኣሕዋትና ተቐቢልና ነዕቁቦም ኣሎና ነምህሮም ኣሎና` ሃበስ ቀደስ" ትብል ዘላ፣ ንበቲ ብሓይልን ብውግእን ከተምበርክኾ ዘይከኣለት ጽኑዕ ኤርትራዊ መንነትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ትግራዎት ጥራሕ ዘይኮኑስ ዓለም ዝፈልጦ ጀግንነት ህዝቢ ኤርትራ ክትበቕዖ ስለ ዘይከኣለትን ተስፋ ስለዝቖረጸትን ብኻልእ መንገዲ ትገብሮ ዘላ ሸርሒ እዩ። እዚ ግን ከንቱን ዘይጭበጥ ሕልምን ጥራሕ እዩ።

 

ነቶም ገለ በሃማትን በሶሮታትን ደናቑር ምሁራት ኢና በሃልቲ ደቂ ሃገር ቁሩብ ንኽስቆሮም ግን፣ ሰራቒት ጉጅለ ትግራይ ብስም ኤርትራውያን ካብ ጎይቶታ ምዕራባውያን ሃገራት ኮነ ሰላያቶምን ዝለመነቶ ብኣማኢት ሚሎናት ዶላር ዋህዮታታ ትመልእን ከብዳ ተዘፍጥጥን ከም ዘላ እዩ። ብስርቂ ሃብቲ ኢትዮጵያን ብለመናን ትኳቦን ምጽወታን ጎይቶታ ምዕራብ ዘይትፈልጦ ሚሎናት ኣኻዕቢታ ድማ እዛ ጭፍራ ከብዳ ከሲዑ ምንቕስቓስ ስኢና ድንክልክል እናበለት ናይ ምሕሳብ ዓቕማ ኣሪጉን መሽሚሹን ተሓዋዊስዋ ኣብ ጻዕረ-ሞት ትነብር ኣላ። ከምኡ'ውን ናታ ትግራዎት ቤተ-ሰብ ከም "ስደተኛታት ኤርትራውያን" ኣምሲላ ኣብ መኣከቢ ደምበ ብምእታው ናብ ደገ ከም ትሰዶም ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓፈሻ እቶም ነዚ ታሪኽ እናፈለጡ ከምዘይፈለጡ ናብ ምድረ-ወያነን ናብ ደገ ዝሃድሙን ኣብ ዓጀውጀው ዝነብሩን ካልኦት ገለ መውደኽደኽትን ኣንጻር ሃገሮምን ህዝቦምን ጥቅሞምን ዝሰርሑ ናይ ጥቕሚን ምድንጋር ደዃክን/ዱኳናት ሰሪቶም ብሎቕመጽመጽ ዝነብሩ ዘለዉ ዕሱባትን ክሰምዕዎ ኣለዎም። እንተ ሃገርና ኤርትራ ግን በቶም ጽኑዓት ጀጋኑ ደቃ ተኽቢራን ተሓፊራን ክትነብር እያ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!

ዓወት ንሓፋሽ!

ውድቀት ንፈሽፋሽ!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events