Dehai News

ሓዳስ ኤርትራ፡ ዞባ-ማእከል፡ ትግባረ ሓድሽ መምርሒ ክራይ ኣባይቲ ተጀሚሩ….

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 28 November 2017

ዞባ-ማእከል፡ ትግባረ ሓድሽ መምርሒ ክራይ ኣባይቲ ተጀሚሩ….

ሓዳስ ኤርትራ መበል 26 ዓመት ቁ.74 28 ሕዳር 2017

 

ሓድሽ መምርሒ ክራይ ኣባይቲ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ካብ 15 ሕዳር ተግባራዊ ኮይኑ ምህላዉ – ኣብ ምምሕዳር ዞባ ዋና ዳይረክተር ምምሕዳርን ፋይናንስን ኣቶ ብርሃነ ነጋሽ ሓቢሩ።

ዕላማ ናይ’ዚ መምርሒ፡ ብቐንዱ ነቲ ብዘይ ሞራላውን ሕጋውን ኣገባብ እናነሃረ ክመጽእ ዝጸንሐን ኣብ መነባብሮ ዝበዝሕ ክፋል ሕብረተ- ሰብና ጸቕጢ ዝፈጥር ዘሎን መጠን ክራይ ንምቊጽጻር ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ብርሃነ፡ ኣካረይቲ’ውን ርትዓዊ ኣታዊ ንኽህልዎም ኣብ ግምት ኣትዩ ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

ንኣፈጻጽማ’ቲ መደብ ብዝምልከት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዝተዳለወ ቅጥዒ ብምግዛእ ብኣካራያይ ዝተመልአ ቅጥዒ፡ ቅዳሕ ሰነዳት ዋንነት፡ ውርሻ፡ ሕጋዊ ውክልናን ወረቐት መንነትን ኣብ ሓደ ፋይል ጠርኒፉ ንምዝገባ ድሕሪ ምቕራብ፡ ብዝምልከቶ ኣካል ምስ ጸደቐ ንትግባረ ከምዝብገስ ኣረዲኡ።

ብመሰረት ዝወጸ መምርሒ፡ ጠንቂ ምልቃቕ ተኻራያይ ተባሂሎም ዝጥቀሱ ምኽንያታት ተነጺሮም ከምዘለዉ – ንሳቶም ድማ፡ ኣካራያይ ባዕሉ ክሰፍሮ ምስ ዝደሊን ካልእ ዝነብረሉ ቦታ ምስ ዘይህልዎን፡ ብርኮም ዝወጹ ደቁ ከስፍረሉ ምስ ዝደሊ’ሞ ምስ ዝረጋገጽ፡ ተኻራያይ ንክልተ ተኸታተልቲ ኣዋርሕ ክራይ ገዛ ምስ ዘይከፍል፡ ኣብቲ ገዛ ኣብ ሰብን ንብረትን ሓደጋ ዝፈጥር ስግኣት ምስ ዝህሉ፡ ከምኡ’ውን ተኻራዪ ንዝተኻረዮ ገዛ ምስ ዘካርዮን ኣብ ዘይሕጋዊ መዓላ ምስ ዘውዕሎን ምዃኖም ኣብሪሁ።

ኣቶ ብርሃነ፡ ህዝቢ ንዕላማን መንፈስን ናይ’ዚ መምርሒ ብዝግባእ ተገንዚቡ፡ ንትግባረኡ ብንቕሓት ክነጥፍ ድሕሪ ምዝኽኻር፡ ጥሕሰት ዝፈጸመ ወገን ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰደሉ ኣገንዚቡ።  መስርሕ ምውሳን ክራይ ንትካላት ዘገልግል ኣባይቲ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ከምዝጅመር እውን ገሊጹ።


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events