ሕብረተሰብ ኣብ ብቕዓት መንእሰያት ዝምርኾስ’ዩ ክብል ኣረዲኡ።
ብቕዓት መንእሰይ ብሰለስተ መሰረታውያን ኣዕኑድ ማለት፦ ንቕሓት፡ ውዳበ፡ ዕጥቂ! ዝቖመ ምዃኑ ብዝርዝር ንተሳተፍቲ ኣቕሪቡ።
ንቕሓት
ንቕሓት፡ እቲ ቀንዲ ምስጢር ስነ-ኣእምሮኣዊ ብቕዓትን ጥንካረን መንእሰያት’ዩ ድሕሪ ምባል፡ ሓደ መንእሰይ፡ እቲ ዝነብረሉ ሃገርን ሕብረተሰብን ከመይ ዝበለ እዩ? ካበይ መጺኡ? ሕሉፍ ታሪኹ እንታይ’ዩ? መጻኢ ትጽቢቱን ሃንቀውታኡን እንታይ እዩ? ብዕምቈት ዝፈልጥ እንተድኣ ኾይኑ፡ ብኡ መሰረት ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ናይ ህዝቡ ዝቐሰሞ ተሞኩሮ ዘይርስዕ፡ እዋናዊ ብድሆታቱ ብመንጽር ውሽጣዊ ዘባዊን ዓለማዊን ኩነታት ኣጸቢቑ ዝርዳእ፡ ብዛዕባ መጻኢኡ ንጹር ራእይን ዕላማታትን ሃልይዎ፡ ናብኡ ዘብጽሕ ቅኑዕ መገዲ ኣረጋጊጹ ዝፈልጥ፤ ብሓባር ክሓስብን ክስጉምን ዘኽእሎ ብሉጽ ባህልን ክብርታትን ዝውንን እንተድኣ ኾይኑ፤ ፖለቲካዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን ብቕዓቱ ልዑል’ዩ ክብሃል ከምዝከኣል ተገሊጹ። መዐቀኒ ብቕዓት፡ እቲ ንቕሓት ዝፈጥሮ እምነት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነትን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ንቕሓት ማለት ኣብ እኹል ፍልጠት ተመርኲሱ ናብ ምሉእ ተወፋይነት ከስግር ዝኽእል እምነት ምምዕባል ስለዝኾነ ድማ ኢሉ።
ውዳበ
ኣብቲ ሰሚናር፡ ወዳበ፡ ዕላማ ንምጭባጥ ሰብን ማልን ግዜን ዘወሃህድ ቀለቤት ምዃኑ ተጠቒሱ። ንንቕሓት ናብ ጥሙርን ኣድማዒን ዕዮ ዝቕይር ወሳኒ ረቛሒ ደረጃ ውዳበ ሰብን ጸጋታቱን’ዩ’ውን ተባሂሉ። ብዘይ ብቑዕ ውዳበ ዝዕወት ዕላማ ከምዘየለ፡ መለክዒ ብቑዕ ውዳበ ኸኣ ዝበኩር ወይ ዝግለል ዓቕሚ ወይ ድማ ዝባኽን ግዜ ዘይምህላው ምዃኑ’ውን ብሰፊሑ ተዘሪብሉ። ውዳበ፡ ንውሱን ዓቕሚ ናብ ፍጹም ዘይጽዓድ ሓይሊ ክቕይር ዝኽእል ጥበብ ምዃኑ ህዝባዊ ግንባር ብግብሪ ዘረጋገጾ ሓቂ’ዩ ብምባል ድማ ኣስሚርሉ። ከምቲ ነቶም በበይኑ መቐረት ዘለዎም ሃይድሮጅን፡ ካርቦንን ኦክስጅንን ብምሕዋስ ምቁር ዝኾነ ሽኮር ዝፍጠር ዝተፈላለየ ዓቕሚ፡ ክእለትን ዝንባለን ንዘለዎም ንቑሓት ዜጋታት ብምውዳብ ከኣ ነታ ንምነያ ሓያል ሃገር ክንሃንጽ ከምእንኽእል ድማ ስነፍልጠታዊ መረዳእታ ናይ ውዳበ ሂቡ።
ዕጥቂ
ዕጥቂ፡ ሓደ ዕላማ ንምዕዋት ዝውነን ዝተፈላለየ መተዓየዪታት ምዃኑ ተጠቒሱ፡ ረቂቕን ግኡዝን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ክርአ ከምዝከኣል’ውን ተነጺሩ። እቲ ረቂቕ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ክኸውን እንከሎ፡ ከም ኣካዳምያውን ሞያውን ፍልጠት፡ ዲሲፕሊን፡ ባህልን ክብርታትን ዝኣመሰለ ከምዘጠቓልል፡ እቲ ግኡዝ ድማ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውዲ፡ ዕማሙ ብኣድማዕነት ክፍጽም ዘኽእሎ መተዓየዪታት ከም ጉልበት ሰብ፡ ገንዘብ፡ ዝተፈላለየ ቴክኖሎጂ ወዘተ ዘካትት ምዃኑ ተዘሪብሉ።
ድሕሪ’ዚ ብጻይ ዑቕባይ፡ ብዛዕባ መንነትን እንታይነት ሃማመተኤ’ዩ ንጹር ስእሊ ኣቕሪቡ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ሃማመተኤ ኣገዳሲ ኣካል ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ብዘይ ኣፈላላይ ዝዉድብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ማሕበር፡ ንልኣላውነት፡ ንልምዓት፡ ንሓርነት፡ ፍትሕን ማዕርነትን፡ ንረብሓን መሰልን መንእሰያት ዝቃለስ፡ ወለንታውነት ዝመለልዪኡ፡መንእሰያት ብነጻ፡ ብድሌቶምን ብፍቓዶምን ዝዉደብሉ፡ ዝነጥፉሉን ዝቃለሱሉን፡ ንክብርታት ሕብረተሰብን ህዝባዊ ግንባርን ከም ናቱ ዝቕበልን ዝኹስኩስን ዘማዕብልን፡ ንነውራታት ድሕረትን ድማ ዝነጽግን ኣንጻሩ ዝቃለስን ማሕበር ምዃኑ ኩሉ ክፈልጦን ክግንዘቦን ከምዝግባእ ተዛሪቡ። ‘ራእይ ሃማመተኤ ንቑሕ፡ ውፍይን ብቑዕን መንእሰይ ምፍራይ’ዩ’ ዝበለ ብጻይ ዑቕባይ፡ ምንቃሕ፡ ምዉዳብ፡ ምዕጣቕ ዝብል መሪሕ ዕላማ ምዕዋት፡ ፖለቲካዊ ስራሕ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ናይ ምንቃሕን ምምልማል ካድራትን መደባት ምሕያል፡ ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ መኸተን ልምዓትን ብምኹስኳስ ቀዳምነት ሃገር ዝብል መንእሰይ ምምልማልን ክብርታቱ ዝተላበሰን ብታሪኹ ዝሕበንን መንእሰይ ምምልማልን ድማ ቀንዲ ዕላማታቱ ምዃኖም ኣብሪሁ። እዚ ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ብድሆታት መንእሰያት ኣለሊኻ፡ ንባህግታትን ድሌታትን መንእሰያት ዝምልስን ንትጽቢት ሕብረተሰብ ካብ መንእሰያት ዘርውን መደባት ምስኣል ከኣ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ናይ ሃማመተኤ ምዃኑ መግለጺ ቀሪቡ፡፡ ብጀካ’ዚ፡ ሃገራውነት፡ ፈጠራ፡ ተበላሓትነትን ኩሉ መደያዊ ኣበርክቶን ካብቶም ዝጥቀሱ ሓያል ጎድንታት መንእሰያት ኤርትራ ምዃኖም ጠቒሱ፡ ድሩትነት ንቕሓት፡ ጠመተ ናብ ወጻኢ ሃገራትን ድሩትነት ጻዕርን ተበግሶን ኣብ ምስካም ሓላፍነት ከኣ ክጥቀሱ ዝግባኦም ድኻምት ከምዘለዉ’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተዘትዪሎም። ሃማመተኤ ኸኣ መንእሰይ ይንቃሕ ይወደብ ይዕጠቕ ዝብል መርሓ ሒዙ ክጎዓዝ እንከሎ፡ ኣንጻር ኩሉ ብድሆታት ብምግጣም ኩለንትናዊ ብቕዓት መንእሰያት ንምርግጋጽ ዕላማ ብምግባር ምዃኑ ተሰሚሩሉ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ኣብ ተመሃሮ ይኹን መንእሰያት ንውዳበታቱ ብክልተ ቀጸላ – ማለት ሰፊሕን ጸቢብን ውዳበ ከፋፊሉ ከምዝሰርሕ ተገሊጹ። ናብ ሰፊሕ ውደበ ዝቐነዐ፡ ከም ሰሚናራት፡ ኣስተምህሮታት፡ ናይ ሜድያ ስረሓት፡ ፈስቲቫላትን ቅነውዳበታትን፡ ስልጠናታትን ናይ ዕዮ ዕድላት ምፍጣርን ብመዘና ዝግበር ጽልዋታት ንምዕባይ ብመንገዲ ኣባላት ጸቢብ ውዳበ ዝካየድ ጎስጓሳትን ዝኣመሰለ ንጥፈታት ክካየድ እንከሎ፡ ቀንዲ ዕላማ ጸቢብ ውዳበ ኸኣ ምፍራይ መራሕትን ካድራትን ምዃኑ ኣብነታት ብምቕራብ ብዝርዝር መብርሂ ተዋሂብሉ።
ኣብ መወዳእታ’ቲ ሰሚናር፡ ኩሉ ዝትግበር ዘሎ ሃማመተኤ ናይ ምድልዳል መደባት ኣብ ዉሽጢ’ቲ ሰፊሕ ሃገራዊ መቓን ኣትዩ ዝረኤ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ሃገራዊ ዜጋ ኣብ ምዕዋት ዝትግበር መደባት ብምሉእ ሕልናን ዓቕምን፡ ብተወፋይነት ክሰርሕ ለበዋ ቀሪቡ። ብተወሳኺ፡ ዘለናዮ ዓለማዊ ምዕባለታትን ኩነታትን ምስ ዘይርጉእነት ንነብረሉ ዘለና ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተደሚሩ ንቀጻልነትናን ዉሽጣዊ መስመርናን ናይ ምዕባለ ጉዕዞናን ፈተና ስለዝኾነ፡ ነዚ ኩነታት በዲህና ከም ወትሩ ብዓወት ንምውጻእ ንቕሓትና፡ ዉዳበናን ዕጥቅናን ቀጥ ኣቢልና ክንቃለስ ከም ዝግባእ ብጻይ ዑቕባይ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
ብድሕሪ’ዚ መድረኽ ንሕቶን ርእይቶን’ዩ ክፉት ኮይኑ። ዓበይትን መንእሰያትን ኣዘዝትን ሓለፍትን መዓስከር ሳዋ ድማ፡ ከምዚ ዓይነት መደብ ቀጻልነት ክህልዎ ብምልባው፡ ኣብቲ ዝቐረበ ወረቐት ብርክት ዝበሉ ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦም። ኣብ መደምደምታ ኸኣ፡ ነቶም መብርሂ ዘድልዮም ዝቐረቡ ርእይቶታትን ሕቶታትን ብጻይ ዑቕባይ በርሀ ግቡእ መግለጺ ሂቢሎም። ብጀኻ’ዚ፡ እቲ ኣጋጣሚ ኣብ መንጎ ሃማመተኤን ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ሳዋን ንዝጸንሐ ውሁድ ናይ ስራሕ ሃዋሁው ዝያዳ ዝድርዕን ዘሐይልን ምዃኑ’ውን ተገምጊሙ።