Dehai News

EriGazette.org: ማሕበራዊን ናይ ምንባር ዋሕስነትን ኣብ ሃገርካ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 26 November 2017

ማሕበራዊን ናይ ምንባር ዋሕስነትን ኣብ ሃገርካ

ብ በርሀ በራኺ                                

 

ናይ ምንባር ዋሕስነት ኣብ ሃገርካ  ምስ ዝህሉወካ እዚ ሎሚ ዘሎ ናይ ኤውሮጳ ብእዝንኻ ክትሰምዖ ምስ ጸናሕካ፥ ድሓር ዝኸፈልካ ከፊልካ ምስ በጻሕካዮ፥ ዘብለጭልጭ ኮይኑ ካብ ብዓይንኻ ምርኣይ ሓሊፍካ ብኢድካ ክትጭብጦ ዘይትኽእል ናይ ካልኦት እምበር ንዓኻ ዘይምልከተካ ከምዝኾነ ኣብ ምእማን በጺሕካ፥ ድሕሪኡ ኣብ ቅንኢን ጣዕሳን ትበጽሕ።

እቲ ዝኸፍኤ ድማ ኣብ ሃገርካ ከለኻ ንስድራኻ እተበርክቶ ዝነበርካ ሓገዝ ብኣካል ይኹን ብትሕዝቶ ስለ ዝተረፈ፥ ድሕረኻ ዝገደፍካዮም ወለድኻን ብዓልቲ ቤትካን ደቅኻን፥ ከምቲ ምስኦም ከለኻ ዝሓሰብካዮ ንስደት እንተኸይደስ ናብራ ስድራይ ከመሓይሽ’የ ዝበልካዮ ዘይኮነስ በንጻሩ ንገለ ኣብ ሰሃራ ሞት ንገለ ድማ ኣብ ሊብያ ዝተፈላለዩ ናይ ነብሰ ግህሰትን ሕስረትን ክሳብ ንስድራኻ ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ካብኡ መሰምለጥካ ድማ ኣብ ቀላይ ጢፊእካ መግቢ ዓሳታት ምዃን ስለ ዝኸውን ዘሎ። ዕድል ረኺቦም ምስ ኣካላዊን ስነ-ኣእምራዊን ቁስሊ ሒዞም ንኤውሮጳ ዝበጽሑ ድማ እቲ ዝነበረ ትጽቢትን ተስፋን ካልእ (ሓሶት) ኮይኑ ስለ ዝጸንሕ፥ ኣብ ብስጭት ብምእታው ገለ ብጾቶም ብጸይቶም ክሳብ ነብሶም ኣብ ምቕታል ምብጻሕ ኮይኑ’ሎ።

ነዚ ጸገም’ዚ ንምፍታሕ መንግስቲና ኣብዛ ትመጽእ ዘላ ዓመት 2018 ምስተን humanright እንዳበላ ንምልእቲ ኣፍሪቃ ዝርምሳ ዘለዋ ምዕራባውያን ገዲፍና ምስ ዓባይ ቻይና ብምትሕብባር ነዚ ዘሎ ጸጋታት ባሕርናን መሬትናን ብልክዕ ብምምዝማዝ ደቂሰን ንዝነበራ ፋብሪካታት ኣባራቢርካ፥ መንበሪ ኣባይቲ ብምህናጽ ንዜጋታትና  ንደገ ገጾም ጽን ምእንቲ ከይብሉ፥ ኣብ ሃገሮም ከለዉ ናይ ምንባር ዋሕስነት ምሃብ፣ ነሱ ድማ ኣብ ምክልኻል ኣብ ልምዓት ኣብ ምሕደራ ኩሉ ኣብ ህንጸት ሃገር ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ይኹን ኣብ ትሕቲ ናይ ግሊ ኣስራሕቲ ዘርብሕ ደሞዝ እንዳሃብካን ንዋጋ ክራይ ገዛውቲ እንዳተቖጻጸርካ ከምኡ ውን ንዋጋታት ሃለኽቲ ነገራት እንዳተቖጻጸርካን ኩሉ ዜጋ ኣብ ሃገሩ ብዘይ ጸገም ከምዝነብር እንተተገይሩ ነቶም ልኡኻት ኦባማ ኣብ ደገ መንግስተ ሰማያት ኣሎ’ሞ ናብኡ ክንወስደኩም ዝብሉ ሕራይ ኣይምበልዎምን

ኣብዚ ትሕት ኢሉ ብናተይ ርእይቶ ብዛዕባ ደሞዝን ካልእ ዋሕስነትን ብዓቕመይ ክጽሕፍን እየ። ግን ከምዚ ክኸውን ኣለዎ ማለተይ ኣይኮንኩን፣ እንታይ ድኣ ከምዚ እንተዝኸውን በሃላይ እየ።

ግሮስ ወርሓዊ ደሞዝ 5000 ናቕፋ ኮይኑ፥ ኣይንሰምብድ ሓንሳብ!

2000 ግብሪ ንኣታዊ ውሽጢ ሃገር (ግብሪ ንመንግስቲ TAX)

700 ብለቓሕ ዝተዓደገ ገዛ ወርሒ ወርሒ ዝቑረጽ።

300 ናይ ጥሮታ

250 ናይ ሕክምና ኢንሹራንስ

100 ንማሕበር ስንኩላን

100 ንስድራ ስዉኣት

50 ንቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ኮኾብን ማሕበር

1500 netto  ወርሓዊ ደሞዝ ኣብ ሕሳብ ባንኩ። ስለዚ ዋላ’ኳ ደሞዝካ ሓሙሽተ ሽሕ’ዩ ህበሃል እምበር፥ ድሓርስ ብተዘዋወሪ መንገዲ ኣብ ካሳ መንግስቲ’ዩ ክምለስ። ኩሉ ግዜ ናይ መንግስቲ ሰራዊት ይኹኑ ኣብ ምምሕዳር ዝሰርሑ ከምኡ ውን ናይ ግሊ ሰራሕተኛታት ኣብ ግዜ ደሞዞም ብጹሑፍ ኣብ ባንኪ ተመሓላሊፉሎም ከምዘሎ ምሕባር ድኣምበር፥ ኣብ ኢዶም ካሽ እንተዘይክፈሉ። መኽንያቱ እቶም ሓሸሽቲ ኣብ መዓልቲ ደሞዝ ከም ቀደሞም ትኽ ኢሎም ገዝኦም ኣይክኣትዉን’ዮም።

ጻዕዳ ወረቐት ክወሃቡ ከለዉ ግን ነታ ጻዕዳ ወረቐት ሒዞም ናብ እንዳመስተ ምልጋስ ኣይክጥዕሞምን’ዩ። እተን/ቶም ኣብ ግዜ ደሞዝ ክኸውን ከሎ ኣጋይሽ ዝቕበላ/ሉ ቀጠልያ ንቕፋ ድኣም’በር ጻዕዳ ውረቐት ሒዙ ንዝመጽእ ጋሻ ክቕበላ ስለ ዘይመርጻ፥ በዚ መኽንያት ጻዕዳ ወረቐቶም ሒዞም ትኽ ኢሎም ናብ ብዓልቲ ቤቶምን ደቆምን እዮም ክኣትዉ።

ኣብዚ ናይ ባንክታት ሓላፍነት ድማ ነቲ ካብቲ ዝኣተወ ደሞዞም ሞርገጅ ዝኽፈል እንተኾይኑ ኣውቶማቲክ ወርሓዊ ናብቲ ዝምልከቶ ዘለቀሐ ባንኪ ሕሳብ ትራንስፈር ይገብራ። ከምኡ ውን ክራይ እንተኾይኑ ዝኸፍል ነቲ ኣካራይ (ማሕበር ክራዩ ኣባይቲ ክኾኑ ተስፋ ንገብር) ትርንስፈር ይገብራ’ ኩል’ቲ ወርሓዊ ዝቆራረጽ’ሲ ካብ ባንኪ’ዩ ኣኣብ ዝምልከቶ ትራንስፈር ክኸውን። ድሕሪኡ’ታ ባንክ statement ትሰደሉ ክንድዚ ኣትዩ ደሞዝካ ክንድዚ ድማ ከፊልናልካ ክንድዚ ድማ ተሪፉካ ዝብል ጽሑፍ ይሰዱሉ ከምዚ ምግባር ውን ኣብ ሃገርና እንተዝልመድ። ኣብዚ ግን ዝረሳዕኩዋ’ላ፥ ግብረ መንግስቲ ካብቲ ወሃብ ስራሕ ቀጥታ ናብ ካሳ መንግስቲ’ዩ ዝኣቱ። ኣብ ናይ ደሞዝተኛ ባንክ ኣይስደድን’ዩን።

ደሞዝ ሰራዊትን ሰራሕተኛታትን ወርሓዊ ሓሙሽተ ሽሕ ናቕፋ እንተዝኸውን እንተበልኩስ ናይ ምግራም መልሲ ከይህሉ ኣቐዲመ እላቦ። እቲ ሰራሕተኛ ድዩ ወተሃደር ደሞዝካ 5000 ናቕፋ ኮይኑ ክትብሎ ከለኻ ዝስምዖ ደስታ ካልእ’ዩ። ኣብ ባንኩ ድማ 1500 ጥራሕ ኣትዩ ክጸንሖ ከሎ ድማ ኢሂ ድኣ ክንድዚ’ዩ ደሞዝካ ዶ ኣይተባሃል፡ኩን ክብል ክካታዕ እንተመጺኡ ድማ፥ መንግስቲ`ኸ እንታይ ዝብል መልሲ ይህቦ? ነስኻን ሰበይትኻን ትሕተ ዕድመ ዝኾኑ ደቅኻን ብነጻ ሕክምና ክትረኽቡ ዋሕስነት ዝህብን፥ ኣብ 67 ዕድመኻ ጥሮታ ምስ ኣቶኻ ክሳብ ዘለኻ ከይጽዓርካ ዋሕስነት ዘለዎ ናብራ ምስ ሰበይትኻ ከተሕልፍ ኢኻ ክብሃል ከሎ ዕግበትን ቅሳነትን ምተሰምዖ’ሞ፥ ድሕሪኡ ድማ  መንግስተይ ደው በለለይ ምበለ።

ድሕሪኡ መልሲ ነቶም ዉዱባት ኦባማ ዝኾኑ ሰባት፥ ንዑናይ ኣብ ኤውሮጳ መንግስተ-ሰማያት ዘለዎ ቦታ ክንወስደኩም ክብልዎም ከለዉ፥ እቲ ገሃነብ ካብ ሱዳን ጀሚሩ ክሳብ ሊብያን ዘሎ  ቅጅል ምበሎም’ሞ፥ እምቢ ኣብዚ’ለና መንግስተ-ሰማያት ዝብል መልሲ ምሃብዎም። ቅድሚ ሎሚ ግን እቲ ማሕበራዊ ዋሕስነት ስለ ዘይጸንሐ እቲ ገሃነብ ዘይኮነስ እቲ ዘይጭበጥ መንግሰተ ሰማያት ጥራሕ ስለ ዝርኣዮም ዝነበረ፥ ናብኡ ክበጽሑ ክብሉ ኣብ ገሃነብ ክኣትዉ ጸኒሖም ደቅናን መንእስያት ኣፍሪቃውያንን።

ማሕበራዊን ናይ ምንባርን ዋሕስነት ኣብ ሃገርና።

ዓወት ንሓፋሽ!!


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events