Basic

ኤርትራውያን ስለምንታይኢና ብህዝባዊ ግንባር ንኾርዕ?

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 11 January 2021

ስለምንታይ ኢና ንሕና ህዝባዊ ግንባር ኢና ንብል?ን ንዕወትን? ነዚኣ ኣብ ጥሪ 11, 2019 ዝተጻሕፈት እንታውነት ህ/ግንባር ትገልጽ ጽሕፍቲ ንወከስ። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣዩ ህ/ግንባር ዘይሰዓር። እዚ ሕጂ ንምስክሮ ዘሎና ዕርበት ጃንዳን ሰዓብታን ውጺኢት ናይዚ ባህርያትን ጠባይን ህ/ግንባር ምዃኑ ኩርዓት ይሰማዕና። ጁንታ ካብዞም ዝተጠቕሱ ባህርያትን ጠባያት ህ/ግንባር ሓንቲ ስለ ዘይተማህረት'ያ ሎሚ ከም እሾኽ ብወረጦ በብሓደ ትልቀም ዘላ።

ህዝባዊ ግንባር መን'ዩ? (1). ህዝባዊ ግንባር ውላድ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ።
(2). ህዝባዊ ግንባር ንነጻነት ኤርትራ ዝተቓለሰ ሰውራ'ዩ። (3). ህዝባዊ ግንባር ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ ተመልሚሉ ዝዓበ ገድሊ'ዩ። (4). ህዝባዊ ግንባር መሪሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ። (5). ህዝባዊ ግንባር ንዘይተኣደነ ብኣሜርካን ሶቭየት ሕበርትን ዝድገፍ ሓይሊ ስርዓታት ኢትዮጵያ ደምሲሱ ዝተዓወተ ገድሊ'ዩ። (6). ህዝባዊ ግንባር ምእንቲ ራህዋን ነጻነትን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ጥዑም ገዲፉ ሕሰም ዝመረጸ፡ ተሸጊሩ ሽግር ዝፈትሔ መሪር መሰዋእትነት ዝኸፈለ ሰውራ'ዩ። (7). ህዝባዊ ግንባር ኣብቲ ጠፍኤ (ኣሮማይ) ዝተባህለሉ ግዜ ከም በርቂ ማሕታ ከም ሰማይ ነጎዳ ኮይኑ ንጸላእቱ ብርኮም ወለል ወለል ዘበለ ኣእሙሮም ዘናወጸ ዕርበት ተስፋ ዘስነቖም ግንባር'ዩ። (8). ህዝባዊ ግንባር ንጻዊዒቱ ጸማም እዝኒ ዝተዋህቦ፡ መሰል ህዝቡ ዝተገፎ፡ ወኪል ሓፋሽ ዝኾነ ግንባ'ዩ። (9) ህዝባዊ ግንባር ነቶም ኣብኲናት ዝገጠምዎ ዝሰዓረ፡ ነቶም ብማዕዶ ዝረኣዩዎ ዘስተንከረ፡ ነቶም ኣብ ሕጊ ዝሞጎቱዎ ዝረትዔ ግንባር'ዩ። (10). ህዝባዊ ግንባር ትሕዝቱኡ፡ ቁጽሩ፡ ዓቐኑ፡ ብዘየገድስ ንጭቁናት ኣህዛብ ዓለም ጽቡቅ ኣብነት፡ ንገዛእቲ፡ ዓመጽቲ፡ ጨቆንቲ መንግስታትን ሓይልታትን ሕማቕ ኣብነት ዝኾነ ግንባር'ዩ። (11). ህዝባዊ ግንባር ንማዕርነት ዜጋታቱ ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ጾታ፡ ዓዲ፡ ኣውራጃ ቀቢላ ወዘተ... ዝኣምን ኣብ ቁኑዕ መንፈስ ዝተመስረተ ግንባር'ዩ። 12). ህዝባዊ ግንባር ስሙ ከም ዝሕብሮ ቅድሚ ህዝቡ ግንባሩ ዝህብ፡ ዝውፈ፡ ግንባር'ዩ። (13). ህዝባዊ ግንባር ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ጫፍ ንጫፍ ወዲቡ ኣንቂሑ ዘሰለፈ ግንባር'ዩ። (14). ህዝባዊ ግንባር ንጩቁናት ኣህዛብ ዓለም ማዕጾ ሓርነት ዝኸፈተ ግንባር'ዩ፡
ባህርያት ህዝባዊ ግንባር’ከ እንታይ ይመስል? 1. ኣብ ብሕታዊ ጥቕሚ ዘይኣምን። 2. ብሕታዊ ንብረት ዘይውንን። 3. ሊዕሊ ሓፋሽ ህዝቢ ዘይርኤ። 4. ከም ትሑት ናብራ ዜጋታቱ ዝነብር። 5. ትሑት ዶሞዝ ወይ ብዘይ ዶሞዝ ዘገልግል። 6. ጃህራን ሓሶትን ዘይፎቱ። 7. ብጥቕሚ ዘይታለል። 8. ንሎሚ ክጥዕሞ ንጽባሕ ዘይብድል። 9. ንዝመጽእ ዎሎዶ ዕዳ ዘየሰክም። 10. ዓቕሙን ዓቐኑን ዝፈልጥ። 11. ህዱእ ነገራት ከየጽንዔን ከይመርመረን ሃንደፍ ኢሉ ስጉምቲ ዘይወስድ። 12. ብዝኾነ ምግቡዕባዕ ዘይደሃል። 13. ንስድራ ቤቱ ልዕሊ ሓፋሽ ዘይሰርዕ። 14. ኣብ ትኳቦ (ምጽወታ) ዘይኣምን። 15. ንሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእቱ። 16. ፈተውቱን ጸላእቱን ኣነጺሩ ዝፈልጥ። 17. ከም ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ደቁ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘሳትፍ። 18. ኣብ ነሓፍነት ዘይኣምን። 19. ሕጊ ልዕሊ ኩሉ ዘኽብር። 20. ታሪኽ ክሰርሕ ድኣምበር ውልቃዊ ታሪኹ ክንገረሉ ዘይደሊ። 21. ኣብ ማዕረ ስራሕ ማዕረ ሞሳ (ክፍሊት) ንኹሉ ጾታን ዕድመን ዘይፈሊ። 22. ሃብቲ ሃገር ንኹሉ ብማዕረ ምምቕራሕ ዝኣምን። 23. ኣብ ሞንጎ ሩኹብን ስኡንን (ሃብታምን ድኻን) ዘሎ ጋግ ንምጽባብ ዝኣምንን ዝሰርሕን። 24. ንመሰልን ማዕርነትን ጻማን ደቀንስትዮ ብቐዳምነት ዝሰርዕን ዘኽብር ዝሰርሕን።
25. ንኹሉ ዜጋ ብነጻ ብፍልጠት ዘዕጥቕ። 26. ንፍቕርን ስኒትን ባህልን ሕብረተሰቡ ዝዕቅብ፡ ዝከላኸል ን። 27. ህዝቢ ጥዕንኡ ክሕሎ ዘረጋግጽ። 28. ህጻናት ብዝግባእ ተኾስኲሶም ክዓብዩን ጥዕንኦም ክሕሎን ዝሰርሕ። 29. ንሱሱዓት ቦታ ዘይህብ። 30. ንጉጉያት ዘቃልዕን ዝእርምን ዝምህርን። 31. ብዕርክነት ሽርክነት ስጋነት ረብሓ ህዝቢ ክጉሰ ዘየፍቕድ። 32. ሕጊ ንኹሉ ማዕረ ምዃኑ ዝኣምንን ዘተግብርን። ተጎስዩ ምስ ዝርከብ ጉቡእ መኣረምታ ዝወስድን። 33. ሓሳባት ሓፋሽ ዝሰምዕን ዝቕበልን ዘኽብርን፣ ከከም ግዚኡን ኣድላይነቱን ኩነታቱን ቦታኡን መልሲ ዝህብ። 34. ድኹም ዘሳሊ፡ ቆልዓ ዘታቲ፡ ኣረገውቲ ዘተስፉ።
35. ምስጎረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ብሰላም ክነብር ዝደልን ዝሰርሕን። 36. ኣብ ቂምን ቅርሕንትን ዘይኣምን፡ ሕድገ ዝገብር። 37. ንራኢ ብስራህ ዘመስክር፡ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ የርክበሉ ዘይብል። 38. ኣንጊሁ ኣብ ስራሕ ዝጽመድ፡ ካብ ጉቡእ ሰዓታት ንላዕሊ ዝሰርሕ። 39. ካብ ጌጋኡ ዝመሃርን ዝእረምን ዘይደግምን። 40. ሃብቲ ሃገሩ ብባዕዳውያን ክገሓጥ ዘየፍቕድ። 41. መምስ ዝነፈሰ ኩነት ዘይህውትት፡ንግዜን ኩነታትን ቦታ ዝህብ።
ከምዚ ዝኣመሰለ መንነትን ባህርያትን ዘለዎ ግንባር ስለምንታይ ንዓመታት ተጻብኦታት ኣጋጢሙዎ?
እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ነጥብታ ጸረ ረብሓ ኩሎም ናይ ውሽጥን ደገን ተጻባእቲ ስለ ዝኾነ ንህዝባዊ ግንባር ሃንደበታዊ ተርእዮ ኣይነበረን ኣይኮነን። ጸኒዑ ክምክቶምን ክስዕሮም ምዃኑ ዘረጋገጸ ግንባር'ዩ። እዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽ ህያው ምስክር'ዩ።
ሰማእታትና ክዝከሩ ይንበሩ ዓወት ንሓፋሽ ገብረንጉስ መስመር፡

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events