Basic

ኩሉ ዘንጸባርቕ ወርቂ ኣይኮነን

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Sunday, 10 January 2021

ኩሉ ዘንጸባርቕ ወርቂ ኣይኮነን።
ሰባት ኣብ ጽቡቕን ኩፉእን ተግባራት ተዋሳእቲ ኢና። እቶም ዝበዝሑ ኣብ ጽቡቕ ዝዋስኡ ክኾኑ ከለዉ ንኽፍኣት ዝተዓጥቁ ውሑዳትውን ኣለዉ። ንኣብነት ገለ ሸቃጦ ንመዓር ሹኮር ሓዊሶም ጽሩይ መዓር እዩ ኢሎም ይምሕሉን ይጥሕሉ። ካልእ ንጠስሚ ቲቶ ሓዊሶም ጽሩይ ጠስሚ ኢሎም ብስም መላእኽቲ ይምሕሉ። ገለ ድማ ጽሩይ 21 ካራት ወርቂ እዩ ኢሎም ካብ ህንዲ ዝመጸ ኣብ ወርሑ ወርቃዊ ሕብሩ ዝፍስም (ዝሃስስ) ኢድካ ሲሒቦም ደጋጊሞም እናጣቕዑ ይምሕሉልካ።

ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ድማ ገለ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ከም ፈይስቡክን ትዊተርን ምስሎም ሓቢኦም ምስሊ (ስእሊ) ጀጋኑ ሓርብርኛታት ክሳብ ናይ ፕረሲደንት ስእሊ እናተጠቕሙ መስሓቢ ክጥቀሙሉ፡ ኣስማቶም ከይፍለጥ ኣስማት ጀጋኑ ወይ ታሪኻዊ ቦታታት መጸዊዒዖም ገሮም ዘይተኣደነ ገበናት ክፍጹሙ ይራኣዩ። እቶም ብልውህና ይኹን ስንፍናን ብሽም ንፈትዎ ሰብ ወይ ቦታ ብምርኣይን ብምስማዕን እንታውነት ናይዞም ተዃሉ ከይፈለጥና ላይክ እናገበርና ንስዕቦ ሰባት ብተዘዋዋሪ ነቲ ዝገብሩዎ ዘለዉ ገበናት ተሓባበርቶም ኮና ንርከብ። ናይ ሓሶት ፈጠራታት ዕላዊ ዘይኮነ ወረ ክነዝሑ ከለዉ ናይ ምፍታው (like) ብምግባር ሰዓብቲ ሓሶቶም ምኹና ነረጋግጸሎም። ጀግና ዝብል ቅጽል ስም ድማ ንህቦም። ብዛዕባ ጅግና ንመን ይበሃል ኣብ ቀጻሊ ክንዛረበሉ ንኽእል። ብኡ መሰረት ብሰንኪ ስንፈትና መነባብርኦም ከጣጥሑ ይርከቡ። እዚ ዝዓበ ገበን ምዃኑ ተረዲእና ሳዓብቶም ካብ ምዃን ነብስና ክንስሕብ ኣሎና። መራሕትና እናጸረፉ ብስምና ሓስዮም ገንዘብ ክሓፍሱ ከነፍቅደሎም ዘሕንኽ እዩ።

እዞም ቶዃሉ እዚኣቶም ቅንዕና እንተዝህልዎም ኣስማቶም ዘሕብእ ምኽንያት የብሎምን። ሌባ ጥራሕዩ ስሙ ቀይሩ ዝሰርቕ። ሓደ ክልተ ቅኑዓት ንስለ ሃገርናን ህዝብናን ዝከላኸሉ በስማቶም ዘይጽውዑ ኣለዉ። ነዚኣቶም ምዞም ረስሓት ከይልከሙ ብስሞምን ምስሎምን ክቐርቡ ሓሳበይ ይህብ። ብተረፈ ከምቲ ኣብ ኣርእስተይ ኢለዮ ዘሎኹ '"ኩሉ ዘንጸባርቕ ወርቂ ኣይኮነን" እሞ ነዞም ኣስማቶም ሓቢኦም፡ ኣሳእል ጀጋኑ ስዉኣትናን ህሉዋትናን፡ ታሪኻዊ ደጀን ቦታታት ሰውራና፡ መጸዊዒኦም ተጠቒሞም ሌብነት ዝሰርሑ ዘለዉ ቀጠፍቲ ካብ ሎሚ ንድሕሪት ሰዓብቶም (followers) ክንከውን የብልናን ጽባሕ ብንሶም ዝኽሰሱሉ ገበናት ከይንኽሰስ።

ሰማእታትና ክዝከሩ ይንበሩ፡
ዓወት ንሓፋሽ
ገብረንጉስ መስመር

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events