Basic

ኤርትራ ናይ መን እያ፡

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Sunday, 10 January 2021

ኤርትራ ናይ መን እያ፡
ኤርትራ ናይ ኩሎም ሃገራውያን ብሕገ መንግስታ ዝምእዝዘዙን ዝመሓደሩን ዝቕየዱን፡ ባህሊ ሕብረተሰብ ዘኽብሩን ዝዕቅቡን፡ ሓድነት ህዝባ ዘውሕሱን ተፋቒሮም ዝነብሩን፡ንህንጸታ ዝዕጠቑን ብተግባር ዝዋስኡን፡ ልዕሊ ኩሉ ንልዕላውነታ ዝከላኸሉን መስዋእቲ ዝኸፍሉን እያ። ሃገር ከም ሓደ ፍጥረት ንኽነብር ብዙሓት ህዋሳት ዘለዉዎ ክትምሰል ይከኣል። ካብዞም ህዋሳት ሓደ ምስ ዝሓምም ብመድሃኒት ትፍዉሶ። እንተ ሰሪሑሉ ሓውዩ ኣብ ንቡር ስርሑ ይምለስ፡፡ እንተዘይኮይነ ግን ንኻልኦት ህዋሳት ከይልክም ብመጥባሕቲ ይእለ። ሃገር ከኣ ልክዕ ኮምኡ እያ። ካብቶም ኣብኣ እንነብር ሰባት ንጥዕናኣን ሓድነታትን ልዕላውነታን ዘሕምም ምስ ዝርከብ እቲ ቀዳማይ መድሃኒት ካብ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ምውጻእ (ምዕዶ፡ መጠንቀቕታ ተሓድሶ) ምሃብ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ምርሓቑ'ዩ ናብ ካልኦት ከይተላብዔ።

ኣብዚ ቴክኖሎጂ ማዕቢሉሉ ዘሎ ዘመን ብኡ መልክዕ ስድነት (ፋሉልነት) ብብዝሒ ይርኤ። ቀይዲ ዘይብለን መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ውልቃዊ ረብሓን ጽልእን ዝተመስትረታ፡ ምስሊ ሃገራት ንምድዋን ዝተዋፈራ ቁጽረን ውሑድ ኣይኮናን። ኩልና ከም እንፈልጦ ሃገርና ኤርትራ ብኸምዚኤን ረብሕኤን ንምቕዳም ናይ ጸላእትና ዕሱባት ኮይነን ዝሰርሓ ፋሉላውያን መራኸቢ ብዙሃን ኣለዋ። እቶም ንዔን ዘካይዱ/ዳ ብውሑድ ክፊሊት ዶላራት ወይ ኢሮ ሃገር ሕንፍሽፍሽ ኣትዩዋ ክትርመስ ዘይግድሶም/ን፡ ንጅግንነት ኤርትራውያን ንምንእኣስ ምስ ቀተልቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝመጻደቓ ሙትሩሳት ኮይነን፡ እቲ ዝገርም ግን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ምእንቲ ፍትሒ ህዝቢ ዝተቓለሱ/ሳ፡ ወለዶም ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝተሰውኡ፡ ዝሰንከሉ፡ ዝደኸሙ ከለዉ ኣንጻር ባዕላቶምን/ን፡ ዎለዶምን/ን ዝተቓለስሉ ዓላማን ተገቲርካ ናይዘን ወሽላኻት መርበብ ሓበሬታታት መሳሪሒ ምዃን ዘሕዝን እዩ። ኣብ ክንዲ ቃላት ሓርበኛታት ሰውራ ኤርትራ ምውራይን ምድናቕን፡ ቃላት ሕብሪ ዓይኒ ኤርትራውያን ኣይተበራሃናን በሃልቲ ምምጓስ። ኣብ ክንዲ ምስ ህዝብኻ ኣብ ህንጸት ሃገር ምስታፍ፡ ምስዛ ሬሳ ጸሓያ ዓሪቡ ዘልኣለማዊ ጸልማት ዝተሸፈነት ህወሓት ናብ መቓብር ምጉዓዝ ምርጫ ሃሱሳት እንተኾይኑ፡ መቓብርኪን ኣይጽበብክን ንብል።

ኤርትራ ግን ናይቶም/እተን ምእንታኣ ዝስየፉን ዝከላኸሉን ዘልምዑን ሃገር እያ። ጫውጫውታ ከድዓትን ሃሱሳትን ኣብታ ክትኮነልና እንደልያ ኤርትራ ዘሕድሮ ስምብራት ባዶ (zero) ምኹኑ ምሕባር ኣገዳሲ እዩ።

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ገብረንጉስ መስመር

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events